ልዕሊ 20 ሚልዮን ህጻናት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ድርቂ ንሕሰም ተቓሊዖም - ዩኒሴፍ

ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልያን ዘጋጠመ ድርቂ፡ ቁጽሪ ንከቢድ ጸገም ዝተቓልዑ ህጻናት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ትካል መድሕን ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ ኣፍሊጡ።

ዩኒሴፍ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብምኽንያት ለውጢ ክሊማ፣ ብደረጃ ዓለም ዝተርኣየ ወሰኽ ዋጋ ሸቐጣት፣ ጎንጽን ሕጽረት ፍርያትን ንዝኸፈአ ጥምየት፣ ጻምእን ሕማማትን ናይ ምቅላዕ ስግኣት ዘለዎም ህጻናት፡ ቁፅሮም ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ካብ ዝነበሮ 10 ሚልዮን ናብ 20.2 ሚልዮን ከምዝደየበ ሓቢሩ።

ኣብ ዩኒሴፍ ምክትል ሓላፊት ምብራቓውን ደቡባውን ኣፍሪቃ ሊኬ ቫን ደዋሊ፡ ኣብዚ ዛዕባ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ነቲ ድርቂ ዘስዓቦ ጸገም ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ትሑት ብምዃኑ፡ ድርቂ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንኽልተ ወለዶታት ቀጺሉ ኣሎ ኢላ።

“ህይወት ናይቶም ቁጽሮም እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ብጥምየትን ሕማምን ዝሞቱ ከምኡ እውን ንከብቶም ዝኸውን ማይን ምግብን ንምድላይ ዝፈናቐሉ ዘለዉ ህጻናትን መራሕቲ ስድራን ንምድሓንን ተጻዋርነቶም ንምዕባይን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቕጽል ኣለዎ" ክትብል ሓቢራ።

ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣስታት 2 ሚልዮን ህጻናት ዝኸፈአ ሕጽረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ስለዘጋጠሞም ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ይእመን እውን ኢሉ ዩኒሴፍ።

ብተወሳኺ ስድራቤታት እቲ ድርቂ ብዝፈጠረሎም ጸቕጢ፡ ንደቆም ዝገብርዎ ሓለዋ ኣብ ሓደጋ ከምዝደቐ ገሊጹ።

ብሰንኪ እዚ ድማ ምዝመዛ ጉልበት ህጻናት፣ ትሕቲ ዕድመ መርዓን ግርዛት ደቂ ኣንስትዮን ክውስኽ ክኢሉ።

ሕጽረት ውሕስና ምግብን ምፍንቓልን፡ ጾታዊ መጥቃዕትን ምዝመዛን ክውስኽ ከምዝገበሩ ዩኒሴፍ ሓቢሩ።

ብካልእ ወገን እቲ ትካል፡ ሓገዝቱን ለገስትን ብዝገብሩሉ ደገፍ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህይወት ናይ ምድሓን ኣገልግሎት የቕርብ ከምዘሎ ጠቒሱ።

ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልያን ንተኸታታሊ ሓሙሽተ ዓመታት ብዘጋጠመ ሕጽረት ዝናብ ዝተፈጠረ ከቢድ ደርቂ ንምፍታሕ ዝተውሃበ ትኹረት ውሑድ ብምዃኑ፡ ሕጽረት ገንዘብ ከጋጥም ከምዝኽእል ዩኒሴፍ ኣተሓሳሲቡ'ሎ።

ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ፈረንጂ፡ ንኣስታት 2 ሚልዮን ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ናይ ህይወት ምድሓን ሕክምና ከምዝሃበ ዝገለጸ ዩኒሴፍ ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 15 ዓመት ንዝርከቡ ህጻናት ክታበት ሕማም ንፍዮ ምሃቡ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝቕጽል ዓመት ንስራሕቲ ህይወት ምድሓንን ካልእን 759 ሚልዮን ዶላር ከምኡ ድማ ምስ ክሊማዊ ለውጢ ዝተኣሰሰሩ ስራሕቲ ንምስላጥ 690 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልያን ዘጋጠመ ድርቂ ብቑፅሪ

  • ብሰንኪ እቲ ድርቂ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ተፈናቐልቲ ውሽጢ ዓዲ ኮይኖም
  • 24 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ሕጽረት ማይ ኣጋጢምዎም፤ ሕውስና ማይ ዘየረጋገጹ ሰባት ቁጽሪ ብዕጽፊ ቀሲኹ
  • ኣስታት 2̌ ሚልዮን ህጻናት ብምኽንያት ድርቂ ትምህርቲ ኣቋሪጾም
  • 4 ሚልዮን ህጻናት ትምህርቲ ናይ ምቁራጽ ስግኣት ኣጋጢምዎም ኣሎ