እንዳ ኣረገውቲ ጸሊአን ናብ ገዳመን ዝተመልሳ ፈለስቲ

ኣብ 80ታት ዕድመ ዝርከባ ሰለስተ ኦስትርያውያን ፈለስቲ ካብቲ ዝተቐመጣሉ መዕቈቢ ጥሮተኛታት ሃዲመን ናብቲ ናይ ቀደም ገዳመን ተመሊሰን።

ጓል 88 ዓመት ሲስተር በርናዴት፡ ጓል 86 ዓመት ሲስተር ረጂናን ጓል 82 ዓመት ሪታን፡ ኣብቲ ካብ ሳልዝበርግ ቅሩብ ውጽእ ኢልካ ዝርከብ ገዳም ክሎስተር ጎልደንስታይን፡ እተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ፈለስቲ እየን።

እተን ፈለስቲ ናብቲ ክነብራሉ ዝደልያኦ ገዳም ብተምሃሮ ነበር ተሓጊዘን እየን ተመሊሰን።

ሓለፍቲ ቤተክርስትያን ሕጕሳት'ኳ እንተዘይኰኑ ንሳተን ግን ሕጕሳት እየን።

ሲስተር ሪታ "ኣብ ቤተይ ብምህላወይ ኣዝየ ሕጕስቲ እየ" ዝበለት ኰይና "ኣብቲ ጥሮተኛታት ዝናበይሉ ስፍራ ኰይነ ወትሩ ገዛይ እየ ዝናፍቕ ነይረ። ተመሊሰ ብምምጻአይ ኣዝየ ኣመስጊነ እየ፡" ኢላ።

እዘን ሰለስተ ፈለስቲ፡ ኣብ ታሕሳስ 2023 ብዘይ ድሌተን ካብቲ ገዳም ከም ዝወጽኣ ይዛረባ።

ሲስተር በርናዴት "ኣይተሓተትናን። ክሳብ ሕልፈተ ህይወትና ኣብዚ ናይ ምጽናሕ መሰል ነይሩና፤ እንተዀነ ነዚ ጥሒሶም ኣውጺኦምና ጸኒሖም፡" ኢላ።

ሰለስቲኤን ፈለስቲ ዝበዝሐ ህይወተን ኣብቲ ካብ 1877 ጀሚሩ ገዳምን ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድን ዝዀነ ሽሎስ ጎልደንስታይን ዝበሃል ቦታ እየን ኣሕሊፈንኦ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ 2017 ኣወዳት ምቕባል ክጅምር እንከሎ፡ ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ።

ሲስተር በርናዴት ንገዛእ ርእሳ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝተምሃረት ኰይና ኣብ 1948 ኣብ ዕድመ ንእስነታ እያ ናብቲ ገዳም ኣትያ።

ኦስትርያዊ ተዋሳኣይ ፊልም ሮሚ ሽናይደር ካብ መማህራታ እቲ ሓደ'ዩ ነይሩ።

ሲስተር ረጂና ብ1958 ናብቲ ገዳም ዝኣተወት ክትከውን እንከላ ሲስተር ሪታ ድማ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት'ያ ተጸምቢራተን።

እዘን ሕንጊድ ዝዀና ፈለስቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ከም መምህራን ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሓ ኰይነን ሲስተር ረጂና ድማ ርእሰ መምህር እያ ነይራ። እንተዀነ ቁጽሪ ፈለስቲ እናነከየ መጺኡ።

ኣብ 2022 እቲ ህንጻ ብሊቀ ሃገረ ስብከት ሳልዝበርግን ገዳም ራይቸርስበርግ ዝተባህለ ገዳም ኣውጉስቲንያን ተታሒዙ። ካብቲ ገዳም ዝመጽአ ፕሮቮስት ማርከስ ግራስል ድማ ናይተን ፈለስቲ ሓለቓ ኰነ።

እቲ ኣብኡ ዝጸንሐ ማሕበረሰብ ኣብ መጀመርታ 2024 ብወግዒ ተበቲኑ። እተን ዝተረፋ ፈለስቲ ድማ ምሉእ ዕድመኤን ኣብኡ ናይ ምንባር መሰል ተዋሂብወን።

ኣብ ታሕሳስ 2023 ናብ ካቶሊካዊ መናበዩ ኣረጋውያን ክሰጋገራ ውሳነ ተዋሂቡ እኳ እንተነበረ ንሳተን ሕጕሳት ኣይነበራን።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም፡ ሲስተር በርናዴት፡ ሲስተር ሪታን ሲስተር ረጂናን ብጉጅለ ተማሃሮ ነበር ተሓጊዘን ናብቲ ዝተፈትውኦን ዘዕበየንን ገዳም ተመሊሰን ኣለዋ።

"ምሉእ ህይወተይ ተኣዛዚት እየ ነይረ፡ እዚ ግን ልዕሊ ዓቕመይ እዩ ነይሩ፡" ትብል ሲስተር በርናዴት።

መጀመርታ ናብቲ ገዳም ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ መብራህቲ ይኹን ማይ ኣይነበረን።

ፕሮቮስት ግራስል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እተን ፈለስቲ ናብቲ ገዳም ክምለሳ ዝወሰድኦ ውሳነ "ፍጹም ክርድኦ ዘይክእል"ን "ምግዳድ"ን እዩ ኢሉ።

ሕጂ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን ማይን ብኸፊል ተመሊሱ'ሎ።

ደገፍቲ መግብን ሸቐጣትን ሒዞም ይመጹ ኣለዉ። ሕክምና'ውን ገይረን ኣለዋ።

ብዘይምቁራጽ ዋሕዚ በጻሕቲ ኣሎ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ተመሃሮአን ነበር እዮም።

ሓንቲ ካብኣቶም ሶፊ ታውሸር፡ እተን ፈለስቲ ናይቲ ገዳም ምዃነን ድሕሪ ምግላጽ "ጎልደንስታይን ብዘይ እተን ፈለስቲ ክትሓስቦ ከቢድ'ዩ፡" ኢላ።

"ኣብ ዝደለየና ግዜ ክድውላልና ኣለወን፤ ንሕና ድማ ክንበጽሕለን ኢና። ኣብዚ ዘለዋ ፈለስቲ ናይ ብዙሓት ህይወት ብየማናይ መንገዲ ቀይረንኦ'የን፡" ክትብል ሕያውነት እተን ፈለስቲ ጠቒሳ።

ኣሊሻ ዝተባህለት ካልእ ተማሃሪት፡ እተን ፈለስቲ ኩሉ ግዜ ንናይ ቀደም ተማሃሮአን ከምዝግደሳ ገሊጻ።

እተን ፈለስቲ ኣብ ኢንስታግራም፡ ኣብ ጸሎት፡ ኣብ ቅዳሴ፡ ኣብ ምሳሕን ካብቲ ቁልቁል ዝኣፉ መደያይቦ ክድይባ ከለዋ ዘርኢ ቪድዮታት ተዘርጊሑ ኣሎ።

እተን ፈለተቲ ኣብቲ ገዳም ክጸንሓ ቆሪጸን ከም ዘለዋ ይዛረባ።

"ኣብታ ናይ ኣረጋውያን ገዛ ኰይነ ካብ ክመውት፡ ናብ በረኻ ወጺአ ብኸምኡ ናብ ናይ ዘለኣለም ዕረፍቲ ክኣቱ'የ ዝመርጽ፡" ክትብል ሲስተር በርናዴት ኣምሪራ ተዛሪባ።