ኣብ ባንክ ጀርመን ዝተፈጸመ ስርቂ 30 ሚልዮን ዩሮ

ምንጪ ስእሊ, Gelsenkirchen Police
ሰረቕቲ ዓቢ መብስዒ መንደቕ ተጠቒሞም ኣብ ምዕራባዊ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ባንክ ብዝፈጸሙዎ ዝምታ፡ 30 ሚልዮን ዩሮ (35 ሚልዮን ዶላር) ዝግመት ጥረ ገንዘብን ክቡር ኣቑሑትን ከም ዝሰረቑ ፖሊስ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ነቲ ዝምታ ምስታ ኣብ ሆሊዉድ ዝተሰርሐት ናይ ዝምታ ፊልም 'ኦሽንስ ኢለቨን' ብምምሳል "ኣዝዩ ብዝተጸንዐ መገዲ ከም ዝተፈጸመ፡" ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ኣብ ከተማ ጌልሰንኪርቸን ኣብ ዝርከብ መጠራቐሚ ባንክ ስፓርካሰ ኣብ ዝተፈጸመ ዝምታ፡ ሰረቕቲ ገንዘብ፡ ወርቅን መጋየጺታትን ዝሓዘ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ሳናዱቕ ሰቢሮም ከፊቶም።
ፖሊስ ገልሰንኪርቸን፡ ብዛዕባ እቲ ገበን ብሰኑይ ንግሆ ናይ ሓደጋ እዋን ድምጺ ምስ ጠፍአ ከም ዝፈለጡ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ ከም ዘየለ'ውን ተፈሊጡ።
ፖሊስ፡ እቶም ሰረቕቲ ነቲ "ጽምው ዝበለ መዓልታት ልደት" ተጠቒሞም ነቲ ኣብ ዞባ ቡየር ኣብ ዝርከብ ኒንሆፍስትራሰ ዝርከብ ህንጻ ከም ዝዘመትዎ ገሊጹ።
ኣፈናዊ መርመራታት ከም ዝሕብሮ፡ እቶም ሰረቕቲ ብመገዲ'ቲ ኣብ ጥቓ እቲ ባንክ ዝርከብ መዐሸጊ መካይን ኣቢሎም እዮም ኣትዮም፤ ወጺኦም።
ሓያሎ ሰባት ካብ ቀዳም ክሳብ ሰንበት ኣብ መዐሸጊ መካይን ዓበይቲ ቦርሳታት ሒዞም ከም ዝረኣዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።
ፖሊስ ከም ዝበሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝተቐድሐ ብቪድዮ ጸላም 'Audi RS 6' ብሰኑይ ንግሆ ካብ ጋራጅ ክትወጽእ እንከላ የርኢ።
እቲ ናብቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ክፍሊ ነዃል፡ ብሰኑይ ንግሆ ናይ ሓደጋ እዋን ድምጺ ምስ ጠፍአ ከም ዝተፈልጠን፡ ፖሊስን ብርጌድ መጥፋእቲ ሓዊን ድማ ነቲ ህንጻ ከም ዝፈተሽዎን እቲ ሓበሬታ የመልክት።
በዚ ዝተጐድኡ ዓማዊል፡ ንባንክ ስፓርካሰ ክረኽብዎ ተሓቲቶም። ብርክት ዝበሉ ዓማዊል ሓበሬታ ክጠልቡ ድሕሪ ምእካቦም ከኣ፡ ፖሊስ ብሰሉስ ንማዕጾ እቲ ጨንፈር ባንኪ ከፊቱዎ።
"ትማሊ ምሸት ክድቅስ ኣይከኣልኩን። ዝዀነ ሓበሬታ ኣይንረክብን ዘለና" ክብል ሓደ ሰብኣይ ንፈነወ ዌልት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ከም ዝተዛረበ ጸብጻብ ሮይተርስ ይጠቅስ።
ንሱ፡ ኣብቲ ባንክ ዕድመ ምስ ደፍአ ዝግልገለሉ ገንዘብ ይዓቍር ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ባንክ ዝተዘርግሐ መልእኽቲ፡ እቲ ጨንፈር ባንክ ድሕሪ'ቲ ዝምታ ተዓጽዩ ከም ዝጸንሕ ይሕብር።
ባንክ ስፓርካሰ፡ 95% ካብ ሳጹናት ዓማዊል ብሰረቕቲ ከም ዝተኸፍቱን፡ ብዙሓት በዚ ናይ ምጽላው ተኽእሎኦም "ኣዝዩ ልዑል" ምዃኑን ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ፡ ትሕዝቶ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ክሳብ 10,300 ዩሮ ውሕስነት ከም ዘለዎን፡ ዓማዊል ብመገዲ መድሕን ተወሳኺ ሽፋን እንተሃልይዎም ክምርምሩ ከም ዝሓበሮምን ገሊጹ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







