ፈሳሲ ሽቓቕ ናብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ምቕያር ዝሓሸ ኣማራጺ ዶ ይኸውን?

ሰባት ካብ ረሳሕ ፈሳሲ፡ ዝስተ ማይ ብዘጻርዩ ትካላት ንዝቐርበሎም ጽሩይ ማይ ብዙሕ ክፍንፍንዎ ከምዘይግባእ ሓላፊ ትካል ኣከባቢ ብሪጣንያ፡ ሰር ጀምስ ቤቫን ይገልጽ።

ትካላት ዳግም ምምስራሕ ማይ “ካብ ሽቓቅ ናብ ቡንባ” ዝሰመይዎ፡ ካብ ሽቓቅ ንዝወጽእ ረሳሕ ማይ ናብ ዝስተ ጽሩይ ማይ ዝምስርሕ ስርዓት ንምትእትታው ወጢኖም ኣለው።

እዚ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ 2030 ተግባራዊ ክኸውን ምዃኑ ዝተነገረሉ ውጥን፡ መስመራት ረሳሕ ፈሳሲ ኣብ ከባቢ መመስርሒ ማይ ናብ ዝርከቡ ወሓይዝ ክፈሱ ከፍቅድ እዩ።

እቲ ንብዙሓት ዘየሐጕስ ተበግሶ፡ ንቐረብ ማይ ብሪጣንያ ዘውሕስ ምዃኑ፡ እቲ ሓላፊ ናብ ጋዜጣ ሳንደይ ታየምስ ኣብ ዝለኣኾ ጽሑፍ ሓቢሩ።

ካብ ረሳሕ ፈሳሲ ዝተጻረየ ማይ ምስታይ “ኣዝዩ ውሑስን” ጥዕናዊ ሳዕቤናት ዘይብሉን ከምዝዀነ ዝገለጸ ሰር ጀምስ፡ “ብዙሓት ግን ዝመርጽዎ ከም ዘይኮነ” ገሊጹ።

ትካል ማይ ቴምስ ዋተር፡ ኣብ 2013፡ ካብ ሽቓቕ ዝተጻረየ ማይ ብቡንባታት-ማይ ለንደን ክቕርብ ውጥን ከምዘለዎን ኣብ 2025 ተግባራዊ ክገብሮ ምዃኑን ሓቢሩ ነይሩ።

ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ቀረብ ጽሩይ ማይ ሕጽረት የጋጥም ብምህላው፡ ትካላት ማይ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ናብ ምንዳይ ኣትየን ጸኒሐን እየን።

ሰር ጀምስ ኣብቲ ዘዳለዎ ጽሑፍ፡ ሰባት “ብዛዕባ ማይ ዘለዎም ኣተሓሳስባ ክቕየር ኣለዎ፡ ከም ሓደ ክቡር ጸጋ እምበር ከም ነጻ ነገር ክርአ የብሉን” ኢሉ።

ወሲኹ፡ “ቡንባ ክንከፍት ከለና፡ ካበይ ከምዝመጽእ ክንዝክር ይግብኣና። ብብዝሒ ብዘፍሰስና መጠን ነቲ ምንጪ እቲ ማይ ዝዀነ ኣፍላጋትን ቀላያትን ነንጽፍን ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮን እንስሳታትን ኣትክልቲ መሮር ጸቕጢ ኢና ንፈጥር ዘሎና” ኢሉ።

“ናብዚ ደረጃ ክንበጽሕ እንተዄንና፡ ገለ ካብቲ ዝውሰድ ስጕምትታት ብዙሕ ደስ ዘብል ኣይከውንን፤ ስለዚ መንግስታት ፖለቲካዊ ድልየት ከርእዩ የድሊ።”

ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት፡ ትካል ማይ ሲንጋፖር ካብ ረሳሕ ፈሳሲ ማይ ዝዳሎ ሓድሽ ዓይነት ቢራ ምጅማሩ ተገሊጹ ነይሩ።

እቲ መስተ ኣብ ድኳናትን ባራትን ክዝርጋሕ እንከሎ፡ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ንዘሎ ሕጽረት ማይ ኣፍልጦ ንምሃብን ነቲ ጸገም ንምግጣም ዝወጠኖ መፍትሒ ንምልላይ ዝዓለመ እዩ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ መጠን ወሓይዝ ክንቆልቍል እንከሎ፡ ከተማታት ዮርክሻየርን ዌልስን ከምኡ’ውን ደቡባዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቦም ከባቢታት ብቱቦ ማይ ምግጫብ ተኸልኪሉ ኣሎ።