እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምስ ካማላ ሃሪስ ካልኣይ ክትዕ ክካየድ ከምዘይደሊ ገሊጹ
ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ እቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣንጻር መወዳድርቱ ካማላ ሃሪስ ተወሳኺ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ክካየድ ከምዘይደሊ ኣፍሊጡ።
ንሱ ድሕሪ'ቲ ኣብ ፊላደልፍያ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ቀጥታዊ ክትዕ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሃሪስ ተወሳኺ ክትዕ ክግበር ትሓትት ዘላ ኣብቲ ናይ ፈለማ ክትዕ “ብግልጺ” ስለዝተዓወትኩ’የ ኢሉ።
ድሕሪ እቲ ናይ ሰሉስ ክትዕ ዝተገብረ ሓያሎ ቅጽበታዊ ምርጫታት ከምዘመልክቶ፡ ደገፍቲ ካማላ ካብ መወዳድርታ ዶናልድ ትራምፕ ዝሓሸ ውጽኢት ከምዘርኣየት ተሰሚዕዎም።
ትራምፕ ወሲኹ፡ ሃሪስ ኣብ ክንድኡ ኣብቲ ከም ምክትል ፕረዚደንት ኰይና እትሰርሖ ዘላ ዕዮ "ትዅረት" ክትገብር ኣለዋ ኢሉ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ ሰሜን ካሮላይና ዝተኻየደ ጎስጓስ፡ ሃሪስ መግለጺ ብምሃብ ኣመሪካውያን ካልእ ተወሳኺ ቀጥታዊ ክትዕ ከምዘደልዮም ተዛሪባ።
ክልቲኦም ሕጹያት መረጻ ንኽካየድ ክልተ ወርሒ ጥራይ ኣብ ዝተረፈሉ ግዜ ኣብ ሓያል ውድድር ከምዘለዉ’ዩ ይግለጽ።
ክልቲኦም ድሕሪ’ቲ ብሰሉስ ኣብ ኤቢሲ ኒውስ ዝተኻየደ ናይ 90 ደቓይቕ ክትዕ፡ ሃሪስ ንትራምፕ ኣብ ምክልኻል ዘእተዎ ተኸታታሊ ውልቃዊ መጥቃዕትታት ዘካየደት’ኳ እንተዀነት በብመገዶም ተዓዊቶም ከምዝወጽኡ ተዛሪቦም።
ትራምፕን ደገፍቱን ካብ ሽዑ ጀሚሮም ነቶም ነቲ ክትዕ ዘመሓድሩ ክልተ ጋዜጠኛታት ኤቢሲ ንሃሪስ ዝድግፉ ዘይፍትሓውያንን ወገናውያንን እዮም ክብሉ ከሲሶም። ትራምፕ ድማ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ተወሳኺ ክትዕ ከምዘየድልዮ ገሊጹ።
ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሕሳቡ ኣብ ዝጽሓፎ "ሓደ ተቓላሳይ ኣብ ዓውደ ኲናት እንተተሳዒሩ ካብ ኣፉ ዝወጽኣ ናይ መጀመርታ ቃላት 'ዳግማይ ጸወታ እደሊ' እየ" ክብል ጽሒፉ።
"ኣብቲ ዝተኻየደ ክትዕ ከምዝተዓወትኩ መባእታዊ ምርጫታት ብንጹር ይሕብሩ... ብኡንብኡ ድማ ካማላ ሃሪስ ካልኣይ ክትዕ ክካየድ ጸዊዓ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኣሪዞና ናይ ድጋፍ ሰልፊ ዘካየደ ኰይኑ ንቴሌሙንዶ ኣሪዞና ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት "በቃ ኣድላዪ ኰይኑ ኣይተሰመዓናን” ብምባል ነቲ ዳግማይ ምስ ካማላ ሃሪስ ክግበር ዝሕሰብ ዘሎ ናይ መድረኽ ክትዕ ነጺግዎ።
ንሱ ኣስዒቡ “ኵሉ እቲ ክንካትዓሉ ዝግብኣና ሓሳባት ኣልዒልናዮ ኢና። ንሳቶም’ውን ዝደልይዎ ኣይመስለንን” ኢሉ።
ጕጅለ ጎስጓስ መረጻ ካማላ ሃሪስ ግን ድሕሪ እቲ ናይ ፊላደልፍያ መድረኽ ክትዕ ካልኣይ መድረኽ ክዳሎ ጸዊዖም ኣለዉ። መረጽቲ ብዛዕባ ዝህብዎ ድምጺ ንጻረ ክህልዎም ምእንቲ ተወሳኺ መድረኽ የድሊ’ዩ ዝበሉ ኰይኖም “ምስ ካማላ ሃሪስ ንቕድሚት ዶ ወይስ ምስ ትራምፕ ንድሕሪት ምምላስ” ኢሎም።
እቲ ጕጅለ ሃሪስ "ምክትል ፕረዚደንት ሃሪስ ንኻልኣይ ክትዕ ድልውቲ እያ፤ ዶናልድ ትራምፕ ከ?" ድማ ኢሎም።
ኣብቲ ናይ ትራምፕ ምረጹኒ ጐስጓሳት ብላዕለዋይነት ዝመርሑ ዘለዉ ደገፍቱ ድሕሪ እቲ ናይ ፊላደልፍያ መድረኽ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ትራምፕ ንኻልኣይ ግዜ ዝውደብ መድረኽ ክትዕ ንታሕጓስ ክቕበሎ ከምዝኽእል’ዮም ተዛሪቦም ነይሮም።
ይዅን እምበር፡ ትራምፕ ንጽባሒቱ ንግሆ ኣብ ፎክስ ኒውስ ቀሪቡ ኣብ ተወሰኽቲ መድረኻት ክትዕ ናይ ምቕራብ ሽውሃት ከምዘይብሉ’ዩ ገሊጹ።
እቲ ብሓሙስ ዝወሰዶ ውሳነ’ውን ኣቐዲሙ ምስ እቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ጕጅለ ዝመጸ መልእኽቲ ዝጻረር ይመስል። ትማሊ ረቡዕ ንግሆ፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ጄሰን ሚለር ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ትራምፕ "ሰለስተ ክትዓት ክገብር ምዃኑ ገሊጹ'ሎ" ኢሉ።
‘ትራምፕ ሓድሽ ኩርናዕ የድልዮ'ዩ’
መስራቲ ናይቲ ኣብ ወፍሪ ምረጹኒ ካማላ ሃሪስ ኣብ ቍጠባዊ ጉዳያት ዘማኸረ ኮሚተ ጎስጓስ ገስጋሲ ለውጢ ኣዳም ግሪን፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ውሳነ ትራምፕ ንወፍሪ ሃሪስ "ድርብ ዓወት" ምዃኑ ገሊጹ።
"መረጽቲ ብዛዕባ ካማላ ሃሪስ ዘለዎም ምልከታ እቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሉስ ናይ መወዳእታ ጦብላሕታ ኰይኑ ስለዝቕጽል ንዕኣ ጽቡቕ ኣጋጣሚ’ዩ” ኢሉ።
"ተወሳኺ ክትዕ ንሃሪስ ክሕግዛ ዝኽእል'ኳ እንተዀነ፡ ነቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ድምቀት ግን ከናውጾ ይኽእል'ዩ" ክብል ሚስተር ግሪን ወሲኹ ገሊጹ።
ካብ ዩታ ዝመጸ መራጺ ጀረሚ ፒተርሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ብውሳነ ትራምፕ ከምዘይተገረመ ገሊጹ።
ሚስተር ፒተርሰን ድሕሪ እቲ ናይ ፊላደልፍያ ቀጥታዊ መድረኽ ንካማላ ሃሪስ ክመርጽ ድልየት ከምዝሓደሮ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ተለቪዥን ዝቐርብ ክትዓት ካብ 1960 ኣትሒዙ ዝጅምር ኰይኑ፡ ጆን ኤፍ ኬነዲ ምስ ሪቻርድ ኒክሰን ዝተፋጠጥሉ’ዩ ነይሩ።
ብተለምዶ ኣብ መብዛሕትኡ ፕረዚደንታዊ መረጻታት ክልተ ወይ ሰለስተ ፕረዚደንታዊ ክትዓት ዝካየድ ኰይኑ እንተወሓደ ድማ ሓደ ብምክትል ፕረዚደንታት ዝግበር ክትዓት ይካየዱ’ዮም።
ኣብ ሓምለ፡ ጆ ባይደን ኣብ ቀዳማይ ክትዕ ኣንጻር ትራምፕ ድሕሪ ዘርኣዮ ድኹም ብቕዓት ካብቲ መረጻ ስለዝወጽአ ነቲ ዝጸንሐ መስርሕ ቀያይርዎ።
ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ፎክስን ኤንቢሲ ኒውስን ተወሳኺ ክትዓት ክካየድ ሓሳብ ኣቕሪቡ'ኳ እንተነበረ ሃሪስ ግን ኣብ ኤቢሲ ጥራይ ክግበር እያ ተሰማሚዓ።
ካብ ትካል ትንታነ ሚድያ ኒልሰን ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ 67.1 ሚልዮን ሰባት ነቲ ክትዕ ከምዝተዓዘብዎን እዚ ድማ ካብቶም ኣብ ሰነ ኣብ መንጐ ትራምፕን ባይደንን ዝተኻየደ ክትዕ ዝተዓዘቡ 51.3 ሚልዮን ሰባት ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ።
ሃሪስን ትራምፕን ኣብተን ወሰንቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ዝዀና ግዝኣታት ፔንስልቨንያ፡ ሚቺጋንን ዊስኮንሲንን ኣብ ኣዝዩ ሓያል ንሕንሕ ይርከቡ።
ሮይተርስ ብሓሙስ ዘካየዶ ዳህሳስ ከምዝሕብሮ ሃሪስ ብሃገር ደረጃ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ብሓሙሽተ ነጥቢ መሪሕነት ከምዘለዋ ክሕብር እንከሎ፡ 53 ሚእታዊት ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት ድማ ኣብቲ ናይ ሰሉስ ክትዕ ከምዝተዓወተት ገሊጾም።