እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኣመሪካ፡ ሎሚ ምሸት ዝግበር ፈላሚ ምጉት ካማላ ሃሪስን ትራምፕን
ፕረዚደንታዊ ምጉት ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ ዓቢ ግምት ዝወሃቦ'ዩ። እዚ ሎሚ ምሸት (ብኣቆጻጽራ ኣመሪካ) ዝካየድ ክትዕ ዶናልድ ትራምፕን ካማላ ሃሪስን ግን ካብ ኩሉ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ዝዛይድ ከይኮነ ኣይተርፍን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ምጉት ንካልኣይ እብረ ክወዳደር ጀሚሩ ዝነበረ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዕዉት ብዘይምንባሩን ናይ ዕድመ ብድሆታት ከምዘለዎ ርዱእ ድሕሪ ምዃኑን፡ ሰልፊ ሰሞክራሲ ኣብ ልዕሊኡ ጸቕጢ ብምፍጣር ካብ ሜዳ ውድድር ክወጽእ ተገዲዱ'ዩ።
ነቲ ዕድል ድማ ዳርጋ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ነታ ምክትል ፕረዚደንት ኮይና ተገልግል ዘላ ሃሪስ ተዋሂቡ። ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ሰሙን ከኣ ከም ሕጽይቲ ናይቲ ሰልፊ ኣብ ጽዑቕ ጎስጓስ ተጸሚዳ ጸኒሓ'ላ።
እንተኾነ ግን፡ ብሃገር ዘለዋ ተፈላጥነት ድሩት ብምዃኑ፡ ሎሚ ለይቲ ኣብቲ ብቐጥታ ብተለቪዢን ዝመሓላለፍ መድረኽ ክትዕ ክልቲኦም ሕጹያት ምስ ህዝቢ ኣመሪካ ክትላለ ዕድል ኣለዋ።
ግና፡ እቲ ኣብታ መበቆል ሕገ-መንግስቲ ዝኾነት ፊላደልፊያ ዝካየድ ምጉት፡ ነቲ ዘለዋ እመማታት ፖሊሲ ብዝርዝር ብምቕራብ'ያ ዓብሊላ ክትወጽእ ትጽቢት ዝግበረላ።
እታ ካብ መወዳድርታ ብዕድመ ዝነኣሰት ሃሪስ፡ ከም ናይ ለውጢ መራሒት ርእሳ ከተላሊ'ኳ ትጽዕር እንተላ፡ ተቓወምታ ግን ኣካልን መቐጸልታን ምምሕዳር ባይደን ምዃና ንምእማን'ዮም ዝጉስጉሱ ዘለዉ።
ብፍላይ ኣብ ጉዳያት ዋሕዚ ስደተኛታትን ቁጠባዊ ብድሆታት (ዝቕባበን) ምምሕዳር ባይደን ካብ ዝንቀፈሎም ዓበይቲ ዛዕባታት'ዮም።
እታ ጓል 56 ዓመት ኣፍሪቃዊን ህንዳውን መበቆል ዘለዋ ፖለቲከኛ፡ ኣብቲ ናይ ሎምሸት መድረኽ ተሳዒራ እንተወጺኣ ንዘለዋ ዕድል ክሃስዮ ይኽእል'ዩ።
ካማላ ሃሪስ ኣብዚ ፕረዚደንታዊ ምርጫ'ዚ እንተ ተዓዊታ ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ ፕረዚደንት ክትከውን'ያ።
ብወገን እቲ ብሰንኪ ሓዳስ መቐናቕንቱ ዝበሓተቶ ኣቓልቦ ጠመተ ስኢኑ ዝጸንሐ ዶናልድ ትራምፕ'ውን ናብ ቀዳማይ ገጽ ማዕከናት ዜና ክምለስ ዕድል ክፈጥረሉ'ዩ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ንካልኣይ እብረ ዝወዳደር ዘሎ ወዲ 78 ዓመት ፕረዚደንት ነበር፡ ኣብዚ ናይ ሰሉስ ክትዕ ሸታሕታሕ ናይ ምባል ሓደጋ ኣለዎ። ኣብቲ ምስ ባይደን ዘካየዶ ዝሓለፈ ምጉት፡ ብሰንኪ ድኽመት እቲ ፕረዚደንት ኣበሩ ዳርጋ ተሰጊሩ'ዩ ሓሊፉ።
ከምቲ ወትሩ ዝገብሮ፡ ካብ ቀንዲ ቁምነገር ወጺኡ ንክብሪ መቐናቕንቱ ብንዕቀት ናብ ምንእኣስ እንተ ኣላጊሱ፡ ፖለቲካዊ ርእሰ-ቅትለት ናይ ምፍጻም ዕድሉ ከስፍሕ ይኽእል'ዩ።
ክልቲኦም ሕጹያት ካብዚ መድረኽ ብዓወት ንምውጻእ ኣብ ጽዑቕ ምድላው'ዮም ቀንዮም። ሃሪስ ኣብታ ካብ ፊላደልፊያ ኣርባዕተ ሰዓት ርሒቓ እትርከብ ከተማ ፒትስበርግ'ያ ምድላዋታ ከተጻፍፍ ጸኒሓ።
እቲ ነዊሕ ናይ መደረኽ ምጉት ተሞክሮ ዘለዎ ትራምፕ ብወገኑ፡ ተመሳሳሊ ዝመስል ህዝባዊ መድረኻት ብምውዳብ ልምምድ ከካይድ ቀንዩ።
ዋላ'ኳ መዓልቲ ምርጫ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር 8 እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ወሰንቲ ዝብሃላ ክፍለ-ሃገራት ኣቐዲሙ ዝካየድ ምድማጽ ኣብዚ ወርሒ'ዩ ዝጅምር።
ስለዚ እዚ ብመደበር ተለቪዢን ኤ-ቢ-ሲ ዝካየድ መድረኽ ምጉት ንክልቲኦም ሕጹያት ንዘይበጽሕዎም ኣድመጽቲ ዜጋታት ንምእማን ናይ መወዳእታ ዕድል ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ።