ጀምስ ደ-ሎረንዚ ብዛዕባ ዞባና ዝደረሶም ዘደንቑ መጻሕፍቲ

ጀምስ ደ-ሎረንዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ዘተኰረ ናይ ግዝኣት - ከም ግዝኣት ኢጣልያ ዘኣመሰለ - ጸሓፊ ታሪኽ እዩ።

ንሱ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ሲቲ-ዩኒቨርሲቲ (ኒውዮርክ) ከም ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ታሪኽ ኰይኑ'ዩ ዝሰርሕ።

ደ-ሎረንዚ ኣብ ክቢታት ተመራመርቲ-ታሪኽ-ዞባና ኣፍልጦ ዝረኸበ በተን ዘሕተመን ክልተ ቀዳሞት መጻሕፍቱ እዩ።

እታ ቀዳመይቲ 'ዓቀብቲ ባህሊ' (Guardians of the Tradition) ዘርእስታ ኰይና፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ታሪኽን ባህልን ዞባና ንዝተዓቀበሉ መዳያት'ያ እተዘንቱ።

እታ ካልአይቲ መጽሓፉ (ምስ ክልተ ደረስቲ ተሓባቢሩ ዝጸሓፋ) ድማ ኣርእስታ 'ብዙሕ ዝገጻቱ ህይወት ተስፋጽዮን' (The many lives of Tesfa Seyon') ኰይና፡ ብዛዕባ ኣብ መበል 16 ክፍለ-ዘመን ዝነበሩ ፈላጥ-ሰብ ታሪኽ-ህይወቶምን ውርሻኦምን እያ እተዘንቱ።

እቲ ሓፈሻዊ ኣረኣእያ ደ-ሎረንሲ ነቲ ብምዕራባውያን ተመራመርቲ ደጋጊሙ ዝቐርብ ትረኻን ርእይቶታትን ዝምክት'ዩ።

እዚ ማለት ነቶም ምዕራባውያን ብዛዕባ ምስራቓዊ ባህልታትን ሕብረተሰባትን ህዝብታትን (ከምዚ ናትና ማለት'ዩ) ዘቕርቡዎ ምርምራት መኪቱ ኣብ ሓቂ ዘተኰረን ንዅሉ ዝሓቍፍን ታሪኽ ክኸውን ይግባእ በሃላይ እዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ መደምደምታ ናይታ ቀዳመይቲ መጽሓፉ - 'ዓቀብቲ ባህሊ' - ዘንበሮ ምጕት ዘደንቕ እዩ።

ነቶም ጸዓዱ ጸሓፍቲ - ከም ብዓል ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ፡ ኤንሪኮ ቸሩሊ፡ ኤኖ ሊትማን ከምኡ'ውን ካልኦት ዓበይቲ ጸሓፍትን ተመራመርትን ዞባና፡ ኣብ ትንተናን መጽናዕትን ሕብረተሰብና ብዘቕረብዎ ጽሑፋት ማዕረ ነገስታት ገይርና ኢና እነቕርቦም፣ ኣብ ናይ ባዕላትና ምርምር'ውን እንተዀነ ጽሑፋቶም ደጋጊምና ኢና ንረቝሖ።

ምጕት ሎረንዚ ምስ እነንብብ ግን ንኣተሓሳስባና ዳግመ-ግምት ክንገብረሉ ንድረኽ።

እቶም ኵሎም ዘቕረቡዎም ሓተታታት ካብ ደቀባት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝወሰዱዎም ሓበሬታታት- እኳ ደኣ ኣብ ገሊኡ ብዘይ ገለ ምስጋና - ከም ዝምርኰሱ ይምስክረሎም።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ መብዛሕትኡ ታሪኽ ዞባና ብጸዓዱ'ኳ ይሰነድ ኣብ ገዳማት ብመነኰሳት ዝተሰነዱ ጽሑፋት ከም ዝነበሩ ምግንዛብ ከም ዘድሊ ክንርዳእ ንኽእል።

ኤርትራውያን ይዅኑ ኢትዮጵያውያን ናታቶም ታሪኽ ኣለዎም፣ ናይ ባዕላቶም ዘካየዱዎም መጽናዕትታትን ዝሰነዱዎን ምስ ባህሎምን እምነቶምን ዝተኣሳሰሩ ጽሑፋት ኣለዎም።

እቲ ጸገም ግን ብዘይ ገለ መሳለጥያ እቶም ጽሑፋት ተሓዚኦም ከም ዝተረፉ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ እቶም ጸዓዱ ጸሓፍቲ ከም ዝተጠቕምሉ ንርዳእ።

እታ ሓዳስ ሳልሰይቲ መጽሓፍ

ሎረንዚ ዘቕረባ ሳልሰይቲ መጽሓፉ ብግሩም ኣገባብ ዝቐረበትን ዓሚቝ ምርምር ዝተገብረላን እያ።

ኣርእስታ 'ታሪኽ እንክበዓል፡ ኢትዮጵያን ምስራቓውያንን' (Feasting on History – Ethiopia and the Orientalists) ዝብል እዩ።

ብምጥንናግ ታሪኽ ዞባና ዝግደሱ ተራ-ኣንባብትን ተመራመርትን - ምናዳ ዓቀብቲ ባህልን መምህራንን፡ መራሕቲ ማሕበረሰባትን ብዙሕ ክመሃሩሉ ስለ ዝኽእሉ፡ ብቐሊሉ ክትርከበሉ እትኽእል መንገዲ እንተ ዝፍጠር ጽቡቕ እዩ።

ኤርትራዊት ሩት እዮብ፡ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚዙሪ-ሰይንት ሉዊስ (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ)፡ "እዛ መጽሓፍ'ዚኣ ብግቡእ ዝተጸንዐትን ብዘተኣማምን ምርምር ዝቐረበትን'ያ፡" ትብል።

ቀጺላ፡ "እትሽፍኖ ዛዕባ ድማ ድሕሪ ኲናት ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ንገበናት ኲናት ጣልያን ተሓታትነት ክህልዎን ካሕሳ ንኽወሃቦምን ዝጠልብዎ ዝነበሩ ፈተነታት ብኸመይ'ቢሎም በዚ ዘሎ ኣህጕራዊ ስርዓት ከም ዝተበደሉ እተርኢ'ያ። ምኽንያቱ፡ እቶም በደልቲ ምስዚ ዘሎ ኣህጕራዊ ስርዓት ተሻቢኖም - ንኸም ብዓል ኢጣልያ ዘኣመሰላ ሃገራት ማለት'ዩ - ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዘስዓቡዎ ጉድኣት ብተሓታትነት ኣብ ቤትፍርዲ ከቕርቡዎም ፍቓደኛታት ስለ ዘይኰኑ፡" ትብል።

እዚ ማለት ደ-ሎረንዚ ኣቕሪቡዎ ዘሎ ጽሑፍ ጠመተታት ኢትዮጵያውያውንን ኢጣልያውያንን ከምኡ'ውን ጸለምቲ-ኣህጉራውያን-ተደናገጽቲ ኣኻኺቡ ብምፍታል፡ ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ጽልዋታቶም ኣቕሪቡዎም ኣሎ። "እዚ ግሩምን እዋናውን መጽናዕቲ'ዩ" ትብል ፕሮፈሰር ሩት።

እዛ መጽሓፍ'ዚኣ ኣብ ሰፊሕ ርክባት ምሁራን ኢጣልያውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝተመርኰሱ ዛንታታት ብምቕራብ ብፍላይ ከኣ ኣብ ክልተ ሰባት ብምዕሳል - ሕሩይ ወልደስላሰ (ብሸነኽ ኢትዮጵያ) ኤንሪኮ ቸሩሊ (ብሸነኽ ኢጣልያ) - ነቲ ኣካራኻሪ ጉዳይ መርትዖ እተቐርብ'ያ።

ዛንታ ኤንሪኮ ቸሩሊ ነብሱ ዝኸኣለ ታሪኽ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ መጻኢ እውን ብግቡእ ክንገር ዘለዎ'ዩ፣ ከምኡ'ውን ዛንታ ሕሩይ ወልደስላሰ፡ ኣብ ኣእምሮኣውን (intellectual) ሓፈሻዊ ዕብየት ስነጽሑፍን ኢትዮጵያ ዓቢይ ተራ ስለ ዝነበሮም ናይ በይኖም ታሪኽ ክጸሓፈሎም ይግባእ።

ንሕጂ ግን ኣሕጽር ኣቢልና ብዛዕብኦም ሓተታ ከነቕርብ ኣድላዪ'ዩ፣ ብላተንጌታ ሕሩይ ወልደስላሰ ኣብ መርሓ-ቤቴ ተወሊዶም ኣብ እንጦጦ ራጉኤል ቤተክርስትያን ዝተማህሩ ፍሉጥ ፖለቲከኛን ሊቅን ከም ዝነበሩ ደ-ሎረንሲ ታሪኾም ኣስፊሑ ይገልጾ።

ሕሩይ ብምህሮ ቤት-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ዝበሰሉ፡ ብርክት ዝበሉ ቋንቋታት ዝመልኩ ሰብ ነበሩ - ኣምሓርኛ፡ ግዕዝ፡ ዓረብኛ፡ ፈረንሳይኛ ኰነ እንግሊዘኛ ክዛረቡ ዝኽእሉ ምሁር ጥራይ ዘይኰኑስ ብዘመን ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ኣብ ሰላሳ ዕድሚኦም ንኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ወኪሎም ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኰነ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝበጽሑን ንኢትዮጵያ ምስ ዓለም ዘፋለጡ ኣዝዮም ጻዕረኛ ብዓል ስልጣን ነበሩ።

ንሶም ኣብ ርእሲ ክቡር ሹም ምዃኖም ማዕረ ዕስራ መጻሕፍቲ ዘበርከቱ ኣዝዮም ህርኩት ጸሓፊ ከም ዝነበሩ ይንገረሎም።

ሕሩይ ብ1920'ታት እቶም ኣዝዮም ዝተፈልጡ ጸሓፍን ኣርቂቖም ዝሓስቡ ሊቅ ምንባሮም ኣብ ሰነዳት ታሪኽ ሰፊሩ ጥራይ ዘይኰነስ ባዕሉ ደ-ሎረንሲ ብዛዕብኦም ሰፊሕ ሓተታ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

ቀንዲ ዝንባለኦም ከኣ ታሪኽ ምጽሓፍ ነበረ።

ታሪኽ ናይ ምጽሓፍ ዝንባለኦም ኣብ ቦትኡ ሃልዩ፡ በቶም ዝበጽሑዎም ሃገራት መሃሪ ጽሑፋት ንኢትዮጵያውያን ብምቕራብ ንወጻኢ ዓለም ምስ ኢትዮጵያውያ ዘቀራረቡ ህርኩት ጸሓፊ ነበሩ።

ብ1931 ሕሩይ እቲ ዝለዓለ መዓርግ - ናይ ወጻኢ ምኒስተር - ዝተዓደልሉ ዘመን ነበረ።

እቲ መዓርግ'ቲ ድማ ክሳብ ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ዝወረርሉ ዘመን (1936) ምስኦም ነበረ።

ሽዑ ዋላ'ኳ ምስ ሃጸይ ሃይለስላሰ ክስደዱ ኣይድለዩ፡ ተራኦም ኣድላዪ ስለ ዝነበረ ምስኦም ክስደዱ ተገደዱ።

ንምዃኑ፡ ብላተንጌታ ሕሩይ ወልደስላሰ ብሕማም ምኽንያት ኣብቲ ጃንሆይ ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ ዓዲ Bath (ዓዲ እንግሊዝ) ብ19 መስከረም 1938 ዓረፉ።

ሕሩይ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰኑስ ኣብ ወጻኢ'ውን ብስነጽሑፎም ውሩይ ነበሩ።

ኣባል ናይ ሓደ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ማሕበር ምስራቓዊ መጽናዕቲ ነበሩ፣ ከምኡ'ውን ኣብቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ ሶ-ኣ-ዝ (School of Oriental and African Studies) ግዕዝን ኣምሓርኛን ይምህሩ ነበሩ።

ኤንሪኮ ቸሩሊ ድማ ሓደ ካብ ወከልቲ ግዝኣት ኢጣልያ ኰይኑ ብዞባና (ኣውራ ብኢትዮጵያን ሶማልን) ብዙሕ ምርምር ዘካየደን ብልጫ ዝነበሮ ምሁር ከም ዝነበረ ደ-ሎረንሲ ይምስክረሉ።

ቸሩሊ ካብ ብጐበዙ ጀሚሩ ቋንቋታት ዞባና ብምጽናዕ ንፍልጠቱ ምስ ስርሑ ኣተሓሒዙ ዝተጠቕመሉ ሰብ ነበረ።

ኢጣልያ ኣብ ዞባና ዓቢይ ሓይሊ ምስ ደለበ ቸሩሊ ምስ ምኒስትሪ ግዝኣት-ጣልያን Ministry of Colonies) ተጸንበረ። ሽዑ ንኸገልግል ንሶማል ተላእከ።

ብእኡ ኣቢሉ ባህልን ቋንቋን ሶማል ከጽንዕ ዕድል ረኸበ።

ብተፈጥሮኡ በሊሕ ስለ ዝነበረ ኣገልግሎቱ ካብ ሶማል ክሳብ ኢትዮጵያ በጽሐ። ቅድሚ ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ምውራራ፡ ቸሩሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ (1926-1931) ይሰርሕ ነበረ።

ቸሩሊ ነቶም ኣብ ወራር ኢትዮጵያ ዝተወግኡ ዓሰክር ኢጣልያ ኣብቲ ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ ሆስፒታል (ኣብ ናፖሊ - ዓዲ ጣልያን ማለት'ዩ) ብምብጻሕ ሓደ-ብሓደ ብቛንቋኦም (ብኣምሓርኛ ይዅን ሶማልኛ) ቃለመሕተት የግብሮም ከም ዝነበረ ይዝንተወሉ፣ ብእኡ ኣቢሉ ከኣ ካብኦም ብዙሕ ተማህረ።

እዛ ሓዳስ መጽሓፍ በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ክልተ ሰባት ዝቐረቡ መጽናዕትታት ብምንጽጻር፡ ብጠመተ ፈረንጂ ዝቐረቡ ተፈላጥነትን ተቐባልነትን ክረኽቡ ነቶም ብደቀ'ባት ዝተሰነዱ ሓቅታት ግን ከም ዝተጐስዩ እትሕብር መጽሓፍ'ያ ክንብል ንኽእል።

እዛ መጽሓፍ ነቲ ከም ንቡር ዝውሰድ ኣተራርኻ ታሪኽና (ብዓይኒ ፈረንጂ) ብኸመይ ኣገባብ ከም ዘለዎ ከም ዝውሰድ፡ ዘስዓቦ ጕድኣት፡ ምስዚ ዘሎ ኣህጕራዊ ስርዓት ድማ ብኸመይ ከም ዝላፈን ንምርኣይ ብርሃን ኣንቢራትሉ ኣላ።

ኣብ እዋን ኣረሜናዊ መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኢትዮጵያ (1936-1941)፡ ሃገር ብዘይተኣደነ ናዕብን ጃምላዊ ዓመጽን ተጸሚዳ ነበረት፣ ሽዑ በቶም ክኢላታት ኢጣልያ ዝተጐስጐሰ ኣብ ልዕሊ ምሁራን ደቀ'ባት ፍሉይ ዘመተ ተኻየደ።

ብዙሓት ምሁራት ተኣሲሮም ብዙሕ ግፍዒ ከኣ ርእዮም እዮም።

ንኣብነት፡ እቶም ብግዜ ጀነራል ግራዝያኒ ዝተኣስሩ ምሁራንን ዓበይቲ ዓድን ኣብ ኣዚናራ ዝተባህለ ቤት-ማእሰርቲ ተኣሲሮም ነበሩ።

ኣዚናራ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ገማግም ባሕሪ ሳርዲንያ ኢጣልያ እትርከብ ደሴት ኰይና ከም ቤት ማእሰርቲ-ነበር እያ እትፍለጥ።

ኣዚናራ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን እሱራት ብጽኑዕ ጸጥታን ብተገልሎን ዝእሰሩላ ቦታ ነበረት። ኣብኡ ንግስቲ ሮማነወርቅ ሃይለስላሰ፡ ሊጅ መርዕድ በየነ፡ ሊጅ ሰይፉ ሚካኤል ዘኣመሰሉ ሰባት ተኣሲሮም ነበሩ።

እቶም ሽዑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ንነዊሕ እዋን ኣብ ሞንጎ ምሁራን ኢትዮጵያውያንን ኢጣልያውያንን ኣብ ክርክር ጸኒሑ'ዩ።

ዝተበደሉ ደቀ'ባት ኣቤት ክብሉ እቶም በደለኛታት ድማ ብጥበብን ኣሽካዕላልን ካብ ፍርዲ ከምልጡ ከም ዝተራእዩ ደ-ሎረንሲ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

እዛ ሓዳስ መጽሓፍ 450 ገጻትን 11 ምዕራፋትን ሒዛ ኣብ ኣርባዕተ ክፋላትን ሓደ ኣገዳሲ መደምደምታን ተኸፊላ ትርከብ።

ፋሺሽታውያን ኣብ ዞባና ዝፈጸምዎም ግፍዕታት ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ዓለምን ኣካደምያዊ-ማሕበረኮማትን ከም ዝርስዑ ተገይሩ'ዩ።

ደ-ሎረንዚ ብመጽሓፉ ኣቢሉ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ - ንኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ጥራይ ዘይኰነስ እንኮላይ ንኤርትራውያን - ግፍዒ ብዕበጦ-ዕበጦ ከም ዘይእለን እቶም ዝተበደሉ ድማ ተጊሆም ድልዱል ፍልጠት ብምስናቕ ታሪኾም ብግቡእ ንኽዕቅቡ እተማሕጽን መጽሓፍ'ያ ኢልና ክንገልጻ ንኽእል።