እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራዊ ጀነራል ወልደስላሰ - እቲ ጸሊም ጀነራል
ጀነራል ወልደስላሰ ኢልና'ዶ ክንጽውዖ ወይስ ጀነራል ዶመኒኮ ሞንደሊ? ነፍስሄር ፕሮፌሰር ማውሮ ቫለሪ ክኢላ ስነማሕበረሰብ፡ ስነኣእምሮኣዊ ፍወሳን ጸሓፍን እዩ ነይሩ።
ንኣበርክቶ ጸለምቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኢጣልያ ተገዲሱ ዘጽንዐ ሰብ ብምንባሩ፡ ብዛዕባ ሓደ ኤርትራዊ ዝመበቈሉ ሰብ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢጣልያ ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ፡ ብመዓርግ ድማ ለተና ጀነራል ዝበጽሐ፡ 277 ዝገጹ መጽሓፍ ብቛንቋ ጣልያን ኣበርኪቱ'ዩ ሓሊፉ።
እቲ መጽሓፍ ኣርእስቱ ''እቲ ጸሊም ጀነራል' - ዶመኒኮ ሞንደሊ - ዕጡቕ / መራሕ-ነፋሪት / ንሓመዱ (Il generale nero. Domenico Mondelli: bersagliere, aviatore e ardito) ኰይኑ ግሩም ታሪኽ ወልደስላሰ ዝተባህለ ሰብ፡ ብ1891 ብቘልዓኡ ሓደ ኢጣልያዊ መኰነን ንኸዕብዮ ናብ ዓዲ ጣልያን ከም ዝወሰዶ፡ ኣብኡ ዓብዩ ድማ ተራ-ሰብ ዘይበጽሖ ዝለዓለ ጥርዚ ውትህድርና ከም ዝበጽሐ እተዘንቱ መጽሓፍ'ያ።
እቲ ዘሕዝን ግን እቲ መጽሓፍ ብሓደ ኢጣልያዊ ዜጋ ስለ ዝተጻሕፈ ድሕረ-ባይታ ወልደስላሰ ብግቡእ ኣይተገልጸን።
ስም ኣቦኡ ኰነ ዓዱ ኣይጥቀስን። ወልደስላሰ ምስ ዓበየ፡ ኣብ ዝብጻሕ ምስ በጽሐ፡ ተገዲሱ ባዕሉ ብዛዕባ መበቈሉ ከም ዝሓተተ'ውን ዝገልጽ የሎን።
ኣንባቢ ንወልደስላሰ ብ'ዶመኒኮ ሞንዴሊ' እዩ ዝፈልጦ - ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ብወተሃደራዊ ጅግንነት ዕጡቓት ሓይልታት ኢጣልያ ብሩር መዳልያ - ኣዝዩ ክቡር ሽልማት - ከም ዝተቐበለ ይዝንተወሉ።
ጸሓፊ ንዛንታ ወልደስላሰ ጠርኒፉ ከቕርቦ ዝኸኣለሉ ምኽንያት ሳላ ክልተ ደቂ-ደቁ እዩ፣ ብዛዕባኡ ሓያሎ ሓበሬታት ስለ ዝጸንሖም'ዩ።
ኣብዚ'ውን እንተዀነ ጸሓፊ ንወልደስላሰ ምስ ኤርትራ ዘተኣሳስሮ ብቑዕ ሓበሬታታት ከቕርብ ኣይከኣለን። መዛግብ ምምሕዳር ከተማ ፓርማ ግን በቲ ዘዕበዮ ሰብን ብ'ዶመኒኮ ሞንዴሊ' ብቑዕ ናይ መዕበያ ወረቓቕቲ ጸኒሑዎም'ዩ።
ንፕሮፌሰር ቫለሪ፡ ንደቂ ደቂ ዶመኒኮ ሞንዴሊ ብምውካስ፡ ብዛዕባ'ዚ ፍሉይ ዛንታን ብዛዕባ ጽንዓት ደቂ-ሰብን ንዓለም ክትፈልጥ ስለ ዘኽኣሉ ክምስገኑ ይግባእ።
እቲ መጽሓፍ ዘአንገዶም ኣሳእል ምስ እንዕዘብ፡ ወልደስላሰ ብብርክት ዝበሉ ጸዓዱ መኳንንቲ ተኸቢቡ ካብ ሰቡ ንላዕሊ ድማ ምስ ዘብለጭልጩ መዳልያታቱ፡ ኣብታ ጕጅለ እቲ እንኮ ጸሊም-ገጹ ምርኣይ ዘሐብን ጥራይ ዘይኰነስ ከመይ ኢሉ ኣዒንቲ ጸዓዱ ክኢሉዎ ዘብል'ዩ ክበሃል ይከኣል።
ንስርዓት ፋሽሽታዊ ሙሶሊኒ ተጻዊሩ ኣብ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ጥርዚ ብምብጽሑ ቀሊል ህይወት ከም ዘየሕለፈ ክንርዳእ ንኽእል።
ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ጸሊም ፓይለት ነፋሪት፡ ኣብ ሰራዊት ኢጣልያን ሓይሊ ኣየርን ፍሉይ ዓወታት ዝተጐናጸፈ፡ ንዝስንዘረሉ ተጸራርነት ስዒሩ ኣብ መወዳእታ ኣብ ታሪኽ ጣልያን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ጸሊም ወተሃደር ክኸውን በቕዐ።
ብኣቀራርባ'ቲ ዛንታ መሰረት፡ ኣቲሎ ሞንደሊ ዝተባህለ ኢጣልያዊ መኰነን - ብ890 ገጹ ምዃኑ'ዩ - ብድባርዋ ኣቢሉ ንኣስመራ ክሓልፍ ከሎ ንሓደ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት፡ ብሕማም ዝተጠቕዐ ቈልዓ፡ ንበይኑ ረኸቦ'ሞ ደንገጸሉ።
ባዕሉ ንኸዕብዮ ከኣ ወሰነ።
እዚ ወልድስላሰ ዝስሙ ቈልዓ ከመይ ኢሉ ምስቲ ዘዕበዮ ሰብ - ኣቲሎ ሞንደሊ - ከም ዝተራኸበ ዝገልጽ ቀዳማይ ሸነኽ ናይቲ ታሪኽ እዩ።
እቲ ዛንታ ካልኣይ ገጽ'ውን ኣሎዎ።
ምናልባት እቲ ጣልያን ንወልደስላሰ ካብ ሓንቲ ኤርትራዊት ዝወለዶ ቈልዓ ከይኰነ ኣይተርፍን ዝብል ክልሰ-ሓሳብ'ውን ኣሎ።
ምኽንያቱ፡ በቲ ዘመን'ቲ ጣልያን ኣብ ፈቐድኡ ካብ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ይወልዱ ስለ ዝነበሩ።
ስለዚ፡ ወልደስላሰ ወዱ ንኣቲሎ ሞንደሊ ከይኰነ ኣይተርፍን ዝብሉ ኣለዉ።
እቲ ሓቀኛ ኵነታት እቲ ቈልዓ ከምኡ ኢሉ ተንጠልጢሉ'ኳ ይትረፍ'ምበር፡ እቲ ዘገድስ ሓቂ እቲ ዘዕበዮ ሰብ ናብ ዓዲ ጣልያን ሒዙዎ ከም ዝኸደ'ዩ።
እቲ ብዛዕባኡ ዝቐረበ መጽሓፍ ከኣ ኣብኡ ብምርጋጽ'ዩ ነቲ ዛንታ ዛዚሙዎ።
ወልደስላሰ ብ1891 - ድሕሪ ሓደ ዓመት ኤርትራ ብዕሊ ግዝኣት ጣልያን ዝዀነትሉ - ናብ ፓርማ እትበሃል ኣብ ሰሜን ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ገዓዘ።
'ዶመኒኮ ሞንደሊ' ዝብል ስም ፈረንጂ ድማ ተዋህቦ።
ኣብ ቤት ኣቲላ ሞንደሊ ኣትዩ ምስ ክልተ ኣዋልድ ደቁ ሓቢሩ ከኣ ዓበየ።
ጽቡቕ ዕድል ኣጓኒፉዎ፡ እቲ ዘዕበዮ ኣቦ ርኹብ ስለ ዝነበረ፡ ወልደስላሰ ብሕንቃቐ ዓበየ።
ወልደስላሰ/ዶመኒኮ ሞንደሊ ንኣሰር ዘዕበዮ ኣቦኡ ተኸቲሉ ትምህርቲ ውትህድርና እናተማህረ ዓበየ።
ከምኡ እናበለ - ብውትህድርና እናተመልመለ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣርከበ።
ኣብቲ ውግእ ድማ ከም ዝተሳተፈ ኣብቲ መጽሓፍ ምስ ኣሳእሉ ሰፊሩ ንረኽቦ።
ንዶመኒኮ ሞንደሊ ካብ ተዋጋኣይ ሓይሊ ምድሪ ወጺኡ ኣብ ሓይሊ ኣየር ጣልያን ንምንታይ ከም ዝኣተወ ኣይግለጽን።
እንተዀነ፡ ምስክር ወረቐቱ ከም ዘርእዮ ዶመንኮ ቅድሚ ዝዀነ ጸሊም ሰብ፡ እኳ ደኣ ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ኣቐዲሙ ወግዓዊ ስልጠና በረራ ጀሚሩ፡ ብ20 ለካቲት 1914 ድማ ካብ 'ፈደረሽን ኣየርኖቲክ ኢንተርናሽናል' ናይ በረራ ምስክር ወረቐት ከም ዝተሸለመ ብሰነድ ዝተመስከረ ሓቂ'ዩ።
ናይ ሓይሊ ኣየር ኣባል ምስ ኰነ ኣይጸንሐን ሞያኡ ቀልጢፉ ዓበየ። ኣዛዚ ስኳድሮን (መራሕ ጋንታ ነፈርቲ) ንክኸውን ከኣ ግዜ ኣይወሰደሉ።
ከም ኣዛዚ ስኳድሮን መጠን ኣብ ልዕሊ መሬት ጸላኢ (ኣውስትርያ-ሃንጋሪ) ብርክት ዝበሉ ናይ ዳህሳስ ተልእኾታት ከካይድ ከኣለ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልዕሊ ኣኽራናት ብምዝንባይ፡ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ኣብ ትሑት ክብታ ወሪዱ ተልእኾኡ ይፍጽም ነበረ።
ብ1915፡ ቦታታት መዳፍዕ ጸላኢ እናዳህሰሰ፡ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ጥቓ ዶባዊት ከተማ 'ኣልቶ ኢሶንዞ ትሕት ኢሉ እናበረረ ነፋሪቱ ተሃርመት፣ ዶመኒኮ ግን ነታ ነፋሪት ከይወደቐት ከም እትዓልብ ገበረ። በቲ ዘርኣዮ ወተሃደራዊ ጅግንነት ድማ ነሓስ መዳልያ ተሸለመ።
ካብኡ ቀጺሉ ዓበይቲ ናይ ደብዳብ ነፈርቲ ክመርሕ ስለ ዝጀመረ፡ ክሳብ ውሽጢ ስሎቨንያ ብምእታው ዒላማታት ጸላኢ ይሃርም ከም ዝነበረ ይዝንተወሉ።
ዶመኒኮ ሞንደሊ ኣብ ልዑል ጥርዚ ሓይሊ ኣየር ጣልያን እንከሎ ብሃንደበት ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ ኣብ ኣጋር ሰራዊት ንድሕሪት ተመልሰ።
እቲ ጕዳይ ንጹር ኰይኑ፡ ብመርትዕ ዝተሰነየ ጕዳይ ከም ዘይኰነ እቲ ጸሓፊ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ።
ገሊኦም ኣብ ደብዳብ ጌጋ ከም ዝፈጸመ ይጠቕሱ፣ ገሊኦም ድማ ብወሲባዊ ክሲ'ዩ ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ ዝብሉ ኣለዉ።
ኣብቲ ዘመን'ቲ ጣልያን ንጸለምቲ ምስ ጸዓዱ ወሲባዊ ርክብ ንኸይህልዎም ጽኑዕ ሕጊ ኣውጺኦም ነበሩ።
ዝዀነ ኰይኑ፡ ዶመኒኮ ኣብ ኣጋር ሓይልታት ተመሊሱ ጠበንጅኡ ተሰኪሙ ስርሑ ቀጸለ። "ኵነታቱ ብዘየገድስ፡ ንሓይልታት ምድሪ መሪሑ ብቕዓቱ ደጊሙ ኣመስከረ - ሰፈር መዳፍዕ ብምዕናው፡ ምሩኻት ብምሓዝ፡ ንወተሃደራቱ ድማ ቅያታት ንኽፍጽሙ ኣነቓቒሑ፡" ይብል ጸሓፊ ቫለሪ።
ዶመኒኮ ሞንዴሊ ብጅግንነቱ ክልተ ተወሰኽቲ መዳልያታትን (ነሓስን ብሩርን) ተሸለመ።
እንተዀነ፡ ዋጋ ዝኸፈለሎም መዳልያታት ነበሩ። ክልተ ግዜ ኣብ ገጹ ብዝተፈንጀረ ቦምባታት ተሃስየ፣ የማነይቲ ዓይኑ ድማ ንሓዋሩ ተጐድአት።
ብዕድመ እናዓበየ ምስ ከደ ድማ ዓይኑ ተሸግሮ ከም ዝነበረት ይንገረሉ።
እቲ ዛንታ ነዊሕ ስለ ዝዀነ ላዕለ-ላዕሉ ተንኪፍና ክንሓልፎ ዝሓሸ ኣማራጺ'ዩ። ምኽንያቱ፡ እቶም ንዶመኒኮ ዘጓንፍዎ ዝነበሩ ጸገማት ቀለልቲ ኣይነበሩን፣ ተር ኢልና ክንወጾም ድማ ክብድ ይብል።
ብመጀመርታ ሕብሪ ቆርበቱ ዘይወሓጠሎም ሰባት ከም ዝነበሩ ምርዳእ የድሊ።
ኣብ ልዕሊኡ ዶመኒኮ፡ ኣባል ናይ ሓደ ምስጢራዊ ትካል - ብፍሪ-መይዘንስ ዝፍለጥ (Freemasons) (ብስቱር ኣብ ሓድሕድ ምትሕግጋዝ ዝነጥፍ ሓያል ዕቁብ ሰብ-ሞያ ከም ማለት'ዩ) ተጠማትነት ነበሮ። ከምኡ'ውን ምስ ዓይኑ ዝተኣሳሰር ጉዳያት ኣብ ሞያኡ ይዕንቅፎ ነይሩ'ዩ።
ኣብ 1922 ዶመኒኮ ናይ ምሉእ ኮሎኔል መዓርግ ክቕበል ትጽቢት ኣብ ዝገበረሉ እዋን ሓደ ሽግር ኣጓነፈ።
ክሳዕ ሽዑ ብሰንኪ ዓሌቱ፡ ደርባዊ ደረጅኡ፡ ወይ ኣባልነቱ ኣብቲ ምስጢራዊ ስርዓት ርኡይ ኣድልዎ ኣየጋጠሞን።
ኣብታ ዓመት እቲኣ ግን ኵሉ ነገር ብቕጽበት ተቐየረ - ሊበራላዊት ጣልያን ኣብ ሓደ ለይቲ ፋሽሽታዊት ጣልያን ኰነት፣ በኒቶ ሙሶሊኒ ኣብ ስልጣን ደየበ።
ዶመኒኮ ዘየድሊ ተጠማትነት ኣጥረየ። ንኸይጋገ ኣዝዩ ተጠንቂቑ ክኸይድ ምስ ጀመረ ከኣ ብጾቱ ከም ሓደ ግቡዝ ሰብ ክርእይዎ ጀመሩ።
ርክባቱ ምስ ብጾቱ ሓርፈፈ፣ ግናኸ ገና ኣባል ናይቲ ምስጢራዊ ማሕበር (ፍሪመይዘን) ስለ ዝነበረ፡ ካብ መጻወድያታት ክድሕን ከኣለ። እቲ ዝሩግ ሃገራውነት ሙሶሊኒ ግን (ፋሺሽትነት) ኣብ ኵሉ መዳያት ናብራኡ ጸገም ከም ዝነበረ ይዝንተወሉ።
ኳዕናን፡ ሃገራዊ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ባህልን ልምድን ዝጠሓለን ንስልጣን ውትህድርና ኣዝዩ ዘኽብርን፡ ብፖለቲካዊ መዳይ ቅኑዕ መንገዲ ሒዙ'ምበር ቀልባዕባዕ ዘይብል ዶመኒኮ ሞንዴሊ፡ ኣብ መወዳእታ ኢድ ሙሶሊኒ ኣረኻኸበሉ።
እቲ ስርዓት ጸለምቲ ከም ዘየድልይዎ ኣግሂዱ ኣወጀ፣ ኣባላት ምስጢራውያን ማሕበራት ብጥርጠራ ስለ ዝተራእዩ ድማ ካብ ስርሓት መንግስቲ ክእለዩ ብወግዒ ተነግሮም።
ዶመኒኮ ተዀርምዩ ዝመውት ሰብ ስለ ዘይነበረ ግን ነቲ ስርዓት ናብ ቤትፍርዲ ወሰዶ፣ ነብሱን ሞያኡን ንኸድሕን ድማ ተቢዑን ኣትሪሩን ተኻትዐ።
ሽዑ'ውን እንተዀነ፡ ዕሱባት ሙሶሊኒ፡ ኣብ ቅድሚ'ቲ ብመንግስቲ ዘውጽኦ ጸለምቲ ኰኑ ካብ ጻዕዳን ጸለምትን ዝተወልዱ ሰባት ኣብ ውትህድርና ኣትዮም ንጸዓዱ ክእዝዙ ከቶ ኣይፍቀደሎምን እናበሉ ክሳዕ 1935 ተኻትዑ፣ ከርተት ከኣ ኣበሉዎ።
ዶመኒኮ ንጉዳዩ ይግባይ እናበለ'ኳ እንተ ኣናውሖ ተስፋ ከም ዘይነበሮ ኣስተብሂሉ ግን ተስፋ ቈረጸ።
እተን ኣብ መንጎ ውግኣት ዝነበራ ዓሰርተታት ዓመታት (ኣብ ሞንጎ ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ማለት'ዩ) ምስ ብዓልቲ-ቤቱን ክልተ ኣዋልዱን ኣብ ሮማ ኰይኑ ካብ ኵሉ ወተሃደራዊ ንጥፈታቱ ተኣልዩ ከሕልፈን ተገደደ።
ኣብ ፖለቲካ ካብ ምእታው ከኣ ፈጺሙ ተቘጠበ።
ብድዐን ዕንደራን ጣልያን ኣብ ኲናት ኢጣልያ-ኢትዮጵያ (1935-1936) ርእይቶ ከም ዝነበሮ ርዱእ'ዩ ክበሃል ይከኣል፣ ግን ኣይተዛረበን።
ንዕኡ ክብል ግን ምስጋና ዝግብኦ ፍጻመ ኣብ ሰነ 1944 ተፈጸመ፣ ወተሃደራት ኣመሪካን እንግሊዝን ናብ ሮማ ብምእታው ንወተሃደራዊ ተራ ጣልያን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብኣድማዒ ኣግባብ ሰዓርዎ።
ዶመኒኮ ድማ ብዘይ ስግኣት ናብራኡ ከጣይስ ዕድል ረኸበ።
ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ህይወት ዶመንኮ ሞንደሊ ዳግም ጠጥዐ። ኣብቲ ስቱር ማሕበሩ ድማ ብ1956 ኣብ ዝለዓለ መድርኽ ክበጽሕ ከም ዝኸኣለ ይዝንተወሉ።
ኣብ 1968 ድማ ጀነራል ናይ ኮር ሰራዊት (ማዕረ ብዓል 3 ጽሩራ - ሌተና ጀነራል መዓርግ ተሸለመ)።
ናይ መወዳእታ ሽልማት ድማ ብ 1970 ካብቲ ሽዑ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ዝነበረ - ጁሰፐ ሳራጋት (ካብ 1964 ክሳብ 1971 ኣብ ስልጣን ዝነበረ) 'ልዑል መኰነን ናይ ስርዓት ብቕዓት' ሽመት ተቐበለ።
እታ ናይ መወዳእታ ናይ ክብሪ ሽልማት ከም ካሕሳ ናይተን ብፋሺሽታዊት ኢጣልያ ግዳይ ዝዀነለንን ዘባኸነንን ዓመታት እያ ንምባል ይከኣል።
ጀነራል ዶመኒኮ ሞንደሊ - ሕጅስ ኣብ መደምደምታ ዛንታና ብናይ ሓቂ ስሙ - ወልደስላሰ - ኢልና ክንጽውዖ።
ኣብ ሮማ - ቪያ ሚላዞ ዝበሃል ቦታ፡ ካብቲ ብ'ተርሚኒ' ዝፍለጥ ማእከል ባቡር ጣብያ ሮማ - ቀንዲ መአከቢ ኤርትራውያን - ናይ ዓሰርተ ደቒቕ ብእግሪ ይነብር ነበረ።
ሰበይቱን ክልተ ደቁን ግን ኣብ ናፖሊ ዝበሃል ከተማ ይነብራ ነበራ።
ወልደስላሰ ዕድመ ጸጊቡ ኣብ 88 ዕድሚኡ ኣብ ቸልዮ ዝበሃል ወተሃደራዊ ሆስፒታል ብ13 ታሕሳስ 1974 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየ።