ዩክረይን ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛ ፑቲን መጥቃዕቲ ድሮን ፈጺማ ድያ?

ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብ መንበሪ ኣባይቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ፈጺማ ዝብል ክሲ ሩስያ ነጺጉ።

ሞስኮ፡ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ንምትዕንቓፍ ትፍትን ኣላ ክብል ድማ ከሲሱ።

ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ኪቭ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዞባ ኖቭጎሮድ ሩስያ ኣብ ዝርከብ መንግስታዊ መንበሪ ፑቲን፡ 91 ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዛ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (UAV) ተጠቒማ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ ሩስያ ኣብ ዝርርብ ሰላም ዘለዋ መርገጺ ክትግምግሞ ምዃና ኣፍሊጣ።

ፑቲን እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣበይ ከም ዝነበረ ግን ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።

ዘለንስኪ ነቲ ክሲ "ልሙድ ሓሶት ሩስያ" ክብል ነጺግዎ፤ እዚ ድማ ንክረምሊን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ንኽቕጽል መመኽነይታ ንምሃብ ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሩስያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኪቭ ንዝርከቡ ህንጻታት መንግስቲ ዒላማ ከም ዝገበረት'ውን ገሊጹ።

ዘለንስኪ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ዓለም ሕጂ ስቕ ከይትብል ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ። ሩስያ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ከተዳኽሞ ክንፈቅድ ኣይንኽእልን ኢና፡" ክብል ወሲዅ።

ላቭሮቭ ብሰኑይ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኵለን እተን ኣብ መንበሪ ገዛ ፑቲን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝተላእኻ 91 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብስርዓታት ምክልኻል ኣየር ሩስያ ተሃሪመን ከም ዝዓነዋ ሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዝወረደ ጕድኣት ከም ዘየለ'ውን ኣፍሊጡ።

"እቲ ናብ ፖሊሲ ​​መንግስታዊ ግብረሽበራ ዝተቐየረ ገበነኛ ስርዓት ኪቭ ዝኣተዎ ናይ መወዳእታ ምብስባስ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መርገጺ ድርድር ሩስያ ክኽለስ'ዩ፡" ኢሉ።

ላቭሮቭ ወሲኹ ሩስያ ምስ ኣመሪካ ካብ ዝነበረ መስርሕ ድርድር ክትወጽእ ከም ዘይሓሰበት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ሩስያ ታስ ጸብጺቡ።

እዚ ሞስኮ ዘቕረበቶ ክሲ፡ ብሰንበት ኣብ ፍሎሪዳ ፕረዚደንት ትራምፕን ዘለንስኪን ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ኣብ ዝተመሓየሸ ውጥን ሰላም ድሕሪ ምዝርራቦም ዝመጽእ ዘሎ እዩ።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ዘለንስኪ ብሰኑይ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ 2026 "ነዚ ኲናት ናይ ምዝዛም ተኽእሎ" ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

ግን ከኣ ዩክረይን ብዘይ ደገፍ ኣመሪካ ኣብቲ ኲናት ክትዕወት ​​ከም ዘይትኽእል ኣስሚሩሉ።

"ፕረዚደንት ትራምፕን ብዛዕባ ክወስዶም ዝኽእል እገዳታትን ቁጠባዊ ስጕምትታትን ዘለኒ ስምዒት፡ ንኣዝዩ ሓያል ስጕምትታት ድሉው ምዃኑ ዘርእይ እዩ። ብኸምዚ ኣመሪካ ነቲ ኩነታት ብቕልጡፍ ናብ ሰላም ከተሰጋግሮ ትኽእል እያ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፑቲን ደላዪ ሰላም ምዃኑ ዘእንፍት ነገር ከምዘየለን ከም ዘይኣምኖን ገሊጹ።

"ኣነ ንፑቲን ኣይኣምኖን እየ፡ ዓወት ዩክረይን ዝብህግ ኣይኮነን፡" ክብል ዘለንስኪ ወሲኹ።

ዘለንስኪ ኣመሪካ ንዩክረይን ን15 ዓመታት ውሕስነት ጸጥታ ከም ዝሃበት ብምጥቃስ፡ ትራምፕ ድማ ኣብዚ ነጥቢ ስምምዕ "ናብ 95 ምኢታዊት ዝቐረበ" ምዃኑ ኣብሪሁ።

እቲ መራሒ ዩክረይን፡ ዛዕባታት ግዝኣት መሬትን ብሩስያ ዝተጐበጠ ትካል ኒኩሌር ዛፖሪዝዝያን ናይ መወዳእታ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ምዃኖም ሓቢሩ።

ኣብ መጻኢ ዕጫ ናይቲ ሩስያ ምሉእ ብምሉእ ክትቆጻጸሮ እትደሊ ኣብ ግዝኣት ዩክረይን ዝርከብ ዞባ ዶንባስ ዝተርኣየ ብዙሕ ምዕባለ የለን።

ኣብዚ እዋን'ዚ ሞስኮ ኣስታት 75 ምኢታዊት ዞባ ዶኔትስክ፡ ኣስታት 99 ምኢታዊት ድማ ሉሃንስክ ትቆጻጸር። እተን ክልተ ዞባታት ብሓባር ዶንባስ ተባሂለን ይፍለጣ።

ሩስያ ቅድሚ ሕጂ ንቐንዲ ክፋላት ናይቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ውጥን ነጺጋቶ እያ።

ዋይት ሃውስ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ፑቲን ብስልኪ "ኣወንታዊ ዝርርብ" ከም ዘካየደ ሓቢሩ።

ሓጋዚ ፖሊሲ ወጻኢ ክረምሊን ዩሪ ኡሻኮቭ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፑቲን ኣብ እዋን እቲ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ዳርጋ ድሕሪ'ቲ ኣመሪካ ዕዉት ዙርያ ዝርርብ ኢላ ዝገለጸቶ፡" ከም ዘጋጠመ ኣመልኪቱ።

ኡሻኮቭ፡ "ፕረዚደንት ኣመሪካ በዚ ሓበሬታ ሰንቢዱ፡ ተቘጢዑ ከምዚ ዓይነት ጽላለ ክኣምን ከም ዘይክእል ገሊጹ። እዚ ንኣቀራርባ ኣመሪካ ምስ ዘለንስኪ ከም ዝጸልዎ ዘጠራጥር ኣይኰነን፡" ኢሉ።

ትራምፕ ፈለማ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ፍጻመ ከም ዘይፈልጥ ክዛረብ እንተመሰለ'ዉን፡ ድሒሩ ግን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እዚ ብፑቲን ከም ዝተነግሮን "ኣዝዩ ከም ዝተቘጥዐን" ገሊጹ።

ኣመሪካ ንክሲ ሩስያ ዝድግፍ መርትዖ ርእያ ድያ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "ደሓን ክነረጋግጾ ኢና። ምናልባት እቲ መጥቃዕቲ ኣይተፈጸመን ትብል ኣለኻ - እዚ'ውን ክኸዉን ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ፕረዚደንት ፑቲን ግን ሎሚ ንግሆ ከም ዝተፈጸመ ነጊሩኒ፡" ክብል መልሲ ሂቡ።