የሱስ፡ ስቕለቱን ሞቱን ብስነፍልጠት ከመይ ይርአ?

ሰባት ብስቕለት ንሞት ምቕጻዕ መጀመርታ ኣብ 479 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣቢሉ ብፈሪሳውያን ከም ዝተኣታተወ ይንገር።

ድሕሪኡ ግን ሮማውያን፡ ኣብ ከባቢ 100 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፡ ነዚ ሎሚ ዝፍለጠሉ መልክዕ ኣትሒዞም ከተግብሩዎ ጀመሩ።

እዚ ዓይነት መቕጻዕቲ ካብ ኵሉ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰብ ዝወርድ ናይ ሞት ፍርዲ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ክኢልታት ይገልጹ።

እቶም ብስቕለት ንሞት ዝፍረዱ ሰባት ብኸቢድ ገበን ዝተኸሰሱ ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

ዝዀነ ብስቕለት ንሞት ዝተፈርደ ገበነኛ፡ በቲ ዘጋጥሞ ብርቱዕ ቃንዛ እናተሳቐየ ቀስ ብቐስ ይመውት።

እቲ ቅትለት ዝዀነ ሓላፍ መንገዲ ኣብ ዝርእዮ ኣብ ቅሉዕ ህዝባዊ ኣደባባያት ዝፍጸም ኰይኑ፡ እቲ ገበነኛ ድሕሪ ሰዓታት ይመውት።

ዝተሰቕሉ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ምዕፋን፡ ምፍሳስ ደም፡ ብርቱዕ ጽምኢ የጋጥሞም፤ ዝተፈላለየ ክፋላት ኣካላቶም ድማ ስራሕ የቋርጽ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ሞት የጋጥም።

ሮማውያን፡ ንሓደ ዝሰቐሉዎ ገበነኛ ብመዶሻ ወይ በትሪ ሓጺን እግሩ ትሕቲ ብርኩ ብምቕጥቃጥን ብምስባርን ንሞት የቀላጥፉዎ ነበሩ።

የሱስ ቅድሚ ስቕለቱ ብተደጋጋሚ ተገሪፉ እዩ።

እቲ ኵርማጅ ቍርጽራጽን በሊሕ ሓጻውን ስለ ዝነበሮ፡ ብብዝሒ ከም ዝደሚ ገበሮ።

ታሪኻዊ መዛግብቲ ከም ዘመልክቱዎ፡ ኣብ ምስቃል ከይበጽሑ ብመግረፍቲ ጥራሕ ዝሞቱ ሰባት ኣለዉ፤ የሱስ ግና መከራኡ ክሳዕ ጐልጎታ ተጻዊሩዎ እዩ።

ብርግጽ የሱስ በቲ መግረፍቲ ኣዝዩ ስለ ዝተዳኸመ፡ መስቀል ተሰኪሙ ናብ ጐልጎታ ክኸይድ ኣይከኣለን።

የሱስ ክርስቶስ በቲ ዝወረዶ ከቢድ መግረፍቲ ስለ ዝደኸመ፡ ወተሃደራት ሮማ ንስምኦን ነቲ መስቀል ተሰኪሙ ናብቲ ካብ ከተማ ውጽእ ዝበለ ክርስቶስ ምስ ክልተ ሰረቕቲ ዝተሰቕለሉ ቦታ ከብጽሖ ኣገደዱዎ።

ስቕለት ክርስቶስ ከቢድ ጭካነን ስቓይን ዝመልኦ ኰይኑ፡ ቀስ ብቐስ ናብ ሞት ዘብጽሕ እዩ ነይሩ።

ኣብ እዋን ስቕለቱ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብመስማር ተሸንኪሩ ነበረ።

ኣብ ቅድሚ ቤትፍርዲ ኣይሁድን ሮማን ደው ኢሉ ዝተፈርደ የሱስ፡ ተጸፊዑ፡ ዕርቃኑ ወጺኡ፡ ተገፊፉ፡ ኣኽሊል እሾኽ ተደፊእሉ እዩ።

ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ፡ ክፍሊ ኣካላቱ ክጻወሮ ዘይክእል ቃንዛ ኣሕለፈ።

ሓሙስ ካብ ዝተኣሰረሉ እዋን ጀሚሩ ክሳዕ ዓርቢ ሰዓት 3:00 ድ.ቐ. ከቢድ ስቓይ ወሪዱዎ።

ኣብዚ ኵሉ ሰቖቓ፡ መግረፍቲ፡ ምውዳቕን ምትሳእን ብዙሕ ደም ፈሲሱዎ፣ ጸሚኡ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ሞይቱ።

ክኢላታት ሕክምና ነቲ ስቅያትን መግረፍትን ስቕለትን የሱስ፡ ብመንጽር ሞያኦም ይርእዩዎ፤

'ደም እናረሃጸ'

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ቅድሚ ሞቱ ኣዝዩ ተጨኒቑ ከም ዝነበረ ይገልጽ እዩ።

እቶም ብዛዕባ ህይወትን ሞትን የሱስ ዝጸሓፉ ኣርባዕተ ሃዋርያት፡ ማለት ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስን ዮሃንስን፡ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝፍጸም ዝነበረ ኵሉ ብዝርዝር ሰኒዶምዎ እዮም።

ሮማውያን ነቶም ዝቐትሉዎም ሰባት ክሳብ ክንደይ ብጭካነ ከም ዘሳቕይዎም የሱስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ።

ኣብ ወንጌል ሉቃስ፡ "ኣቦይ ፍቓደኛ እንተዄንካ ነዛ ጽዋእ ካባይ ውሰዳ፡" ኢሉ ከም ዝጸለየ ሰፊሩ ኣሎ።

ኣብቲ ወንጌል፡ "ኣብ ጭንቀትን ፍርሕን ከሎ ድማ ዝያዳ ኣበርቲዑ ጸለየ። ረሃጹ ድማ ከም ዓበይቲ ነጠብጣብ ደም ናብ መሬት ይወድቕ ነበረ፡" ይብል።

ስቕለት የሱስ ዘጽንዑ ክኢላታት ሕክምና ከም ዝገልጹዎ፡ እዚ ረሃጽ ደም (ሄማቲድሮሲስ ወይ ሄሞሃይድሮሲስ) ኣዝዩ ሳሕቲ ዝረአ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብቶም ኣብ ከቢድ ጭንቀት ዘለዉ ወይ ጸገም ምፍሳስ ዘለዎም ሰባት ክኽሰት ዝኽእል እዩ።

ክኢላታት ሕክምና ኣብ 'ዘ ጆርናል ኦፍ ዘ ኣመሪካን ሜዲካል ኣሶሴሽን' ከም ዘስፈሩዎ፡ ሓደ ሰብ ልዑል ስምዒታዊ ጸቕጢ ምስ ዘጋጥሞ፡ ቀጠንቲ ሰራውር ደሙ ክፈንጅርን ደም ምስ ረሃጹ ክሕወስን ይኽእል፣ እዚ ድማ እቲ ሰብ ደም ይርህጽ ከም ዘሎ የምስሎ ብምባል ነቲ ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ ዝጸሓፎ ዘራጕድ ሓሳብ ሂቦም።

ፍርቂ ለይቲ ምስ ሓለፈ፡ የሱስ ብኻህናትን ገዛእቲን ሽማግለታትን ሓለፍቲ ቤተመቕደስን ኣብ ጌተሰማኔ ተታሕዘ።

ኣብ ቅድሚ ሊቃነ ካህናት ቀሪቡ በቲ ዝፈጸሞ ገበን ተኸሰሰ። ሽዑ እቶም ካህናት ናብ ጲላጦስ ኣሕሊፎም ሃቡዎ።

ብዛዕባ ስቕለት የሱስ ዝተፈላለየ መጽናዕትታት ዘካየዱ ሊቃውንቲ ከም ዘረድኡዎ፡ የሱስ ኣብ ጌተሰማኔ ጥዕናኡ ጽቡቕ እኳ እንተ ነበረ፡ ካብ ሓሙስ ሰዓት 9፡00 ምሸት ክሳብ ዓርቢ ሰዓት 3፡00 ድሕሪ ቀትሪ ግን ከቢድ ስቓይ ከም ዘሕለፈ ይገልጹ።

ጥልመት ካብ ቀረብቱ፡ ኣካላዊ መጥቃዕቲ፡ ከምኡ'ውን ከቢድ ወጥሪን ድቃስ ዘይብሉን ለይቲን ካብቶም ተመዝጊቦም ዘለዉ ፍጻመታት እዮም።

የሱስ ካብ ኣይሁድ ብውሑዱ 4 ኪሎ ሜተር ብእግሩ ናብ ቤትፍርዲ ጲላጦስ ከም ዝተጓዕዘ 'ኦን ዘ ፊዚካል ደዝ ኦፍ ጂሰስ ክራይስት' ብዝብል ዝቐረበ መጽናዕቲ ይሕብር።

ኣብ መወዳእታ የሱስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ቀሪቡ ብስቕለት ንሞት ተፈርደ።

ቅድሚ ስቕለቱ ድማ ብወተሃደራት ሮማ በሊሕ ሓጻውን ብዘለዎ ኵርማጅ ብተደጋጋሚ ተገሪፉ እዩ።

የሱስ በቶም ወተሃደራት ሮማ ኣብ ሕቘኡ ክግረፍ እንከሎ፡ እቲ ኣብቲ ኵርማጅ ዝተታሕዘ በሊሕ ሓጺንን ኣዕጽምትን ንስጋኡ ከም ዝቐደዶን ሰራውር ደሙ ከም ዝበታተኾን እቶም ክኢላታት ሕክምና ጽሒፎም እዮም።

እዞም ነዚ ጉዳይ ዘጽንዑ ክኢላታት ብተወሳኺ፡ እቲ ብጾም፡ ብመግረፍትን ምቕጥቃጥን፡ ብልዕሊ ዓቐን ምፍሳስ ደም ኣመና ተዳኺሙ ዝነበረ ክርስቶስ፡ ቅድሚ ስቕለቱ ከቢድ መከራ ከም ዘሕለፈ የመልክቱ።

ስቕለት የሱስ

እቲ ንኣእዳውን ኣእጋርን የሱስ ዝተሸንከረሉ መሳምር ካብ 13 ክሳብ 18 ሰንቲ ሜተር ንውሓት፣ 1 ሰንቲ ሜተር ርጕድን ከም ዝነበሮም ዶክተር ዊልያም ዲ ኤድዋርድስ ይዛረብ።

ኢየሱስ ምስ ተሰቕለ፡ ኣእጋሩ ተኣሲሩ፡ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ተደሪቡ፡ ልዕል ኢሉ ኣብ ዝርከብ ዓጽሚ እግሩ ድማ ብመስማር ከም ዝሽንከር ተገይሩ።

ብርኩ እውን ቍሩብ ተጠውዩ ነበረ፤ እዚ ኣብቲ ዘመን ብስቕለት ንሞት ዝተፈርዱ ገበነኛታት ዝስቀልሉ ኣገባብ እዩ ነይሩ።

ዶክተር ቪንስ ሚለር፡ ኣእጋር የሱስ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ፡ 45 ዲግሪ ከም ዝተዓጸፈ ይዛረብ። ዝበዝሕ ክብደት ኣካላቱ ድማ ኣብተን ዝተሰመራ ኣእጋሩ ዛዝዩ ከም ዝነበረ'ውን ይገልጽ።

ኣእጋሩ ዝተዓጸፉሉ ኣገባብ፡ ጭዋዳታት ቃንዛ ከይተሰምዖም ንውሑዳት ደቓይቕ እውን ሰብነት ተሰኪሞም ክጸንሕሉ ዝኽእሉ ኣቃውማ ኣካላት ኣይኰነን።

ኣብ ትሕቲ ብርኪ ዝርከቡ ጭዋዳታት ምትእስሳር ምስ ዝዛነዩ፡ እቲ ክብደት ናብ መላግቦታት ኣብራኽ፡ ቅልጽምን ኣእዳውን ይሰጋገር።

የሱስ ምስ ተሰቕለ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ፡ መንኵቡ፡ ኣብራኹን መንኵቡን መገጣጠሚ ኣእዳዉን ከም ዝሞሎቐ ክኢላታት ይዛረቡ።

ን15 ዓመታት መግነዚ ክርስቶስ [ከፈን ቱሪን] ዘጽንዐ ስጳኛዊ ስነጥበበኛ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ኣእዳዉ ዝወረዶ ከቢድ ስቅያት ኣብ ኣእዳዉ ዝወረደ መስበርቲ፡ ንውሓቱ ካብቲ ንቡር ብትሽዓተ ኢንች ዝዛየደ ኰይኑ ከም ዝረአ ይገልጽ።

የሱስ ከምቶም ኣብ ሆሊዉድ ዝተሰርሑ ፊልምታት ስቕለት ዘቕረቡዎ፡ ኣብ መስቀል ካብ ምንቅስቓስ ምሉእ ብምሉእ ዝተገደበ ኣይነበረን።

ኣብ መስቀል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንምትንፋስ እናተቓለሰ፡ ኣስታት 12 ኢንች ንላዕልን ንታሕትን ይንቀሳቐስ ከም ዝነበረ መጽናዕትታት የመልክቱ።

ንምስትንፋስ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ከቢድ ቃንዛ የስዕበሉ ምንባሩን ኣብ ምትንፋስ ይጽገም ከም ዝነበረን ክኢላታት ይዛረቡ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣእጋሩ 45 ዲግሪ ተዓጺፎም ብመስማር ስለ ዝተሸንከሩ እዩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ብሰንኪ ብርቱዕ ወጥሪ ጭዋዳታትን ቃንዛን ኣካላቱን ጭዋዳታት እግሩን ብቐሊሉ ክእዘዙዎ ኣይከኣሉን።

የሱስ ኣብ መስቀል ከሎ ንኸስተንፍስ፡ ነቲ ዝተሰመረ ኣእጋሩ ንታሕቲ ደፊኡ ነቲ ዝተረፈ ኣካላቱ ንላዕሊ ከልዕሎ ነበሮ።

ክኢላታት ሕክምና ከም ዝብሉዎ፡ ሳንቡእ ኣብ መስቀል እንከላ ኣየር ከተእቱን ከተውጽእን ኣጸጋሚ እዩ። ኣእጋሩ ድማ ብቐሊሉ ንታሕቲ ክደፍእ ኣይክእልን እዩ።

ኣብ መንኵቡ መገጣጠምን ብርኪ ኢዱን ስለ ዝሞሎቐ፡ ኣብ ዘስተንፍሰሉ እዋን ኣብ ኣፍልቡ ዝፍጠር ጸቕጢ ክጻወሮ ዝኽእል ኣይነበረን።

ብሰንኪ'ዚ ድማ ምስ ተሰቕለ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ንኸስተንፍስ ዝሽገር - (dyspnoeic) ይኸውን።

ንምስትንፋስ ኣብ ዝቃለሰሉ እዋን ድማ ኣብቲ ዝመላሎቐ ላዕለዋይ ክፋል መሓውራቱ ብርቱዕ ቃንዛ ይስምዖ።

ኣብ መስቀል ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ምንቅስቓሱ እኳ እናነከየ እንተ ከደ፡ ብሰንኪ ጸገም ምስትንፋስን ብሰንኪ ሕጽረት ኣየር ዝመጽእ ምዕፋንን ንምቅላስ ኣካላቱ ከንቀሳቕስ ብተደጋጋሚ ክቃለስ ይግደድ ነበረ።

የሱስ ኣብ መስቀል ምስ ተሰመረ፡ ኣብ ክልቲኡ ከብዲ ኢዱ ዝርከቡ መትኒታት (ማእከሎት መትኒ) ስለ ዝተሃስዩ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ምንቅስቓስ ከቢድ ቃንዛ ከም ዝስምዖ ገበሮ።

እዚ መትኒ'ዚ ካብ ከብዲ ኢድና ክሳብ ብርኪ ኢድና ዝተዘርግሐ ስርዓተ መትኒ እዩ።

ጲላጦስ፡ ብሕቶ ህዝቢ መሰረት፡ ንበርባን ፈቲሑ ንየሱስ ኣሕሊፉ ምስ ሃበ፡ ክርስቶስ በቲ ዝወረዶ መከራን ስቓይን ብደምን ረሃጽን ተሸፊኑ ነበረ።

እቲ ረሃጽ፡ ኣካላቱ ካብቲ ዘጋጠሞ መግረፍትን ስቓይን ድኻሙን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣየር ንምስትንፋስ ብዝገበሮ ቃልሲ እውን ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት ሕክምና ይገልጹ።

የሱስ፡ ኣብ ጐልጎታ ዕርቃኑ ወጺኡ ዝነበረ ኰይኑ፡ እቶም መራሕቲ ኣይሁድ፡ ህዝብን ብጸጋሙን የማኑን ዝተሰቕሉ ገበነኛታትን ድማ የላግጽሉ፡ ይዝልፉዎን ይስሕቑዎን ነበሩ።

ብሰንኪ እቲ ዝተጻወሮ መግረፍትን ግፍዒን መከራን ከቢድ ቃንዛን ምፍሳስ ደምን ክሳብ ሞት በጽሐ።

የሱስ ብግቡእ ከስተንፍስ ስለ ዘይከኣለ፡ ቀስ ኢሉን ብሕርቃንን ከስተንፍስ ተገዲዱ፣ ብሕጽረት ኣየር እውን ይሳቐ ነበረ።

ሓደ ሰብ ምትንፋስ ምስ ዝጽገም (ሃይፖቨንቲሌሽን) ከምኡ'ውን ዓሚቝ ምትንፋስ ከይገበረ ላዕሊ ላዕሊ ጥራሕ ምስ ዘስተንፍስ፡ ኣካላቱ ዘድልዮ ኣየር ብግቡእ ኣይረክብን፣ ኣብ ኣካላቱ ዝእከብ መጠን ዝተቓጸለ ኣየር (ሃይፐርካፕንያ) ድማ ይውስኽ።

እዚ ድማ ትሑት መጠን ኦክስጅን ኣብ ደም (ሃይፖክስያ)ን ምትእኽኻብ ኣሲድን ከስዕብ ይኽእል።

ኣብዚ ግዜ እዚ ሃለዋት ምጥፋእ የጋጥም።

ኣብ ኣካላትና ዝቃጸል ኣየር መጠኑ እናወሰኸ ምስ ከደ፡ መጠን ኦክስጅን ንምውሳኽን ነቲ ዝተቓጸለ ኣየር ንምውጻእን፡ ህርመት ልቢ እናወሰኸ ይኸይድ።

ኣብዚ እዋን እዚ ድማ የሱስ እቲ ኣብ ሓንጐሉ ዝርከብ ማእከል ስርዓተ ምስትንፋስ ናብ ሳንብኡ ቀልጢፉ ከስተንፍስ መልእኽቲ ይሰድድ።

ኣብ ከምዚ እዋን፡ የሱስ ኣብ መስቀል ኰይኑ ኣብ ቃንዛ'ኳ እንተሃለወ፡ ኣዕሚቝ ከስተንፍስ ስለ ዝጠልቦ፡ ብፍጥነት ላዕልን ታሕትን ክንቀሳቐስ ይግደድ።

እዚ ድማ ነቶም ኣብቲ ቦታ ተኣኪቦም ነቲ ስቓይ የሱስ ዘላግጽሉን ዘባጭውሉን ዝጸርፉዎን ዝነበሩ ወተሃደራት ሮማን መራሕቲ ኣይሁድን ሓጐስ ይፈጥረሎም ነበረ።

ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ እቲ ኣብ ኣካላቱ ዝነበረ ትሑት መጠን ኦክስጅን ውሒዱ ዝተቓጸለ ኣየር ድማ ስለ ዝውህለል፡ ህርመት ልቡ ይንህር።

እዚ ድማ ልቢ ካብቲ ንቡር ህርመት ልቢ ሰብ ብዝተፈለየ ፍጥነት ክትሃርም ብምግባር ታቺካርድያ (Tachycardia) ከም ዘማዕብል ይገብር።

ዶክተር ቪንስ ሚለር፡ ነቲ የሱስ ዘሕለፎ መከራ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ህርመት ልቡ ኣብ ደቒቕ 220 ህርመት ከም ዝነበረ ይግምት።

እዚ ካብቲ ልቢ ወዲ ሰብ ክሃርሞ ዝኽእል ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ።

ጽምኢ የሱስ

የሱስ፡ ካብ ሓሙስ ሰዓት 12:00 ምሸት ኣትሒዙ ንኣስታት 15 ሰዓታት ዝዀነ ፈሳሲ ኣይወሰደን፣ ጽምኢ ተቓጺሉ፡ ጐረሮኡ ነቒጹ ነበረ።

በቲ ዝወረዶ መግረፍቲ ይደሚ ነበረ። ብሰንኪ ዝተገብረሉ ኣኽሊል እሾኽ፡ ኣእዳውን ኣእጋሩን ብመስማር ተሸንኪሮም፡ መስቀል ተሰኪሙ ክወድቕን ክትስእን እንከሎ ዝተለሓጸጸ ኣካላቱ፡ ብዙሕ ደም ፈሲሱዎ እዩ።

እቲ ኣብ ብርቱዕ ጽምኢ ዝነበረ የሱስ፡ ጸቕጢ ደም ኣመና ወሪዱ ከም ዝኸውንን፣ እዚ ድማ 80/50 ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል እቶም ሞያውያን ሕክምና ይግምቱ።

ስለዚ፡ የሱስ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሮ ኵነታቱ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ወቕዒ ነይሩ ማለት እዩ።

ጸቕጢ ደም ብዓቢዩ ምንካይ፡ ምውሳኽ ህርመት ልቢ፡ ሓጺርን ቅልጡፍ ምትንፋስን ረሃጽን እቶም ክረኣዩ ዝኽእሉ ምልክታት ምዃኖም ክኢላታት ይገልጹ።

ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ: ህርመት ልቢ የሱስ ዛሕቲሉ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሳንቡእ እውን ብፈሳሲ ስለ ዝመልእ፡ ንምስትንፋስ ተጸጊሙ ነይሩ ክኸውን ይኽእል።

እዚ ድማ፡ ነቲ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ስቓይ ዝሰዓበ ጸገም ምስትንፋስ መሊሱ የጋድዶ።

የሱስ ኣብ ህርመት ልቢን ሕጽረት እስትንፋስን፡ ከቢድ ጽምኢ ከም ዝነበረ ኣብ (ዮሃ 19፡28) ተጠቒሱ'ሎ።

ብመሰረት ክኢላታት ሕክምና፡ የሱስ ህይወቱ ንምቕጻል ደምን ፕላዝማን የድልዮ ነይሩ።

የሱስ ብሕጽረት ኣየር፡ ብግቡእ ከስተንፍስ ስለ ዘይከኣለ፡ ቀስ ብቐስ ይመውት ነበረ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ እተፈላለየ ክፍሊ ኣካላቱ፡ እንተላይ ኣብ ከባቢ ልቡ ደምን ፕላዝማን ተኣኪቡ ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

እዚ ኣብ ከባቢ ልቢ ዝዕቈር ፈሳሲ፡ ልቢ ብግቡእ ንኸይትሃርም ይድርት፣ እዚ ድማ ጸገም ልቢ መሊሱ የጋድድ።

ልቢ የሱስ ደም ንምቕባልን ንምጭንጓዕን ኣብ ትቃለሰሉ እዋን፡ ከምኡ'ውን ደምን ፕላዝማን ኣብ ዙርያኣ እናተዋህለለ ምስ ከደ፡ ልቢ ክትነቱግ ትኽእል እያ።

እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ጠንቂ ሞቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት ይዛረቡ።

ወተሃደራት ሮማ ነቶም ብስቕለት ዝተፈርዱ ሰባት ሞቶም ንምቅልጣፍ ብርኮም ይሰብሩዎም ከም ዝነበሩ ይዝንቶ።

ዓርቢ ሰዓት ሰለስተ፡ የሱስ "ተፈጸመ" (ዮሃ 19፡30) ኢሉ ሞተ።

እቶም ወተሃደራት ኣእጋሩ ክሰብሩ ምስ መጽኡ፡ የሱስ ድሮ ሞይቱ ነበረ። ብመሰረት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢት (መዝሙር ዳዊት 34፡20፤ ዮሃ 19፡33፤ ዮሃንስ 19፡36) ሓንቲ ዓጽሚ'ውን ኣይተሰብረትን።

የሱስ ድሕሪ ኣዝዩ መሪርን ዘስካሕክሕን ስቅያት ኣብ መስቀል ሞተ።

እቲ ሮማዊ ወተሃደር ሞቱ ንምርግጋጽ፡ "ንጐድኑ ብዂናት ወግኦ፡ ብኡብኡ ደምን ማይን ወጽአ፡" (ዮሃ 19፡24-25)።

የሱስ ካብ መስቀል ክወርድ ከሎ ሞይቱ ምንባሩ፡ ታሪኻዊ መርትዖታትን ዘመናዊ ሕክምናዊ ትንተናታትን ይሕብሩ።