'መግነዚ ጨርቂ' እየሱስ ክርስቶስ ስለምንታይ'ዩ ኣዘራራቢ ኰይኑ?

ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ንበዓል ትንሳኤ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዝተረፎ ኣብ ዕለተ ዓርቢ 'መዓልቲ ስቕለት እየሱስ ክርስቶስ' ይዝክሩ።

እታ መዓልቲ በቢዓመቱ ንኽትዝከር መንቀሊ ዝኾነ ከኣ ዝተሰቐለላ ዕለት ስለዝኾነት'ዩ ዝብል ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ ኣሎ።

እየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ስቕለቱ ብጨርቂ ተገኒዙ ከምዝተቐበረ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ሰፊሩ ዝርከብ ታሪኽ'ዩ።

ዝተሰቐለሉ መስቀል ኮነ ዝተገነዘሉ ጨርቂ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝርከቡ ድማ ይዝረብ።

እቲ ተገኒዙ ዝተቐብረሉ ምዃኑ ዝእመነሉ ጨርቂ ኣብ ዓዲ ጥልያን ከምዝተረኸበ ይዝከር።

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ እቲ መግነዚ ጨርቂ ኣብ ግዜ እየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተሰርሐ ከምዘረጋገጹ እዮም ዝገልጹ።

ኣብቲ ሒደት ዓመት ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ እቲ ጨርቂ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝተሰርሐን ናይ ሕሶትን እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝፈታተን እዩ።

ኣብ ኢንተርነት ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ መጽናዕታዊ ጽሑፍ እቶም ተመራመርቲ፡ ብማዕከናት ዜና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ኣየርላንድን ኣርእስቲ ኰይኑ ይርከብ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ክርስትና፡ እቲ ’ቅዱስ ሽሮድ’ ብዝብል ዝፍለጥ ክቡር ጨርቂ፡ እየሱስ ክርስቶስ ተገኒዙ ዝተቐብረሉ ምዃኑ ይኣምኑ።

እዚ መግነዚ ጨርቂ ክርስቶስ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ብዕምቈት ዝተጽንዑ ታሪኻዊ ቅርስታት እዩ።

ታሪኽ መግነዚ ጨርቂ እየሱስ

ክቡር ካባ እየሱስ ክርስቶስ ንውሓቱ 4.42 ሜትሮ ስፍሓቱ ድማ 1.21 ሜትሮ ዘለዎ ጨርቂ እዩ።

እቲ ጨርቂ ብደም ዝተለኽየ ኰይኑ፡ ኣብ ድሕሪትን ኣብ ቅድሚትን ድማ ስእሊ በሰላ ዓይኒ ዘለዎ ኣካል ወዲ ሰብ ህስስ ኢሉ ተሓቲሙዎ ይርከብ።

መብዛሕትኦም ኣመንቲ ክርስትና፡ እቲ ብተኣምራዊ መገዲ ኣብቲ ጨርቂ እተቐርጸ ምስልን ኣካልን እየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ይኣምኑ።

ብተወሳኺ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን፡ እየሱስ ክርስቶስ ኣብ እዋን ስቕለቱ ዝወረዶ ጉድኣት፡ ምስቲ ኣብዚ ጨርቂ ዝዓረፈ ሓደ ምዃኑ የረድኡ።

እየሱስ ቅድሚ ስቕለቱ ብወተሃደራት ሮማ ብተደጋጋሚ ብቝርጽራጽ ሓጺንን በሊሕ ኣዕጽምትን ይግረፍን ይቕጥቀጥን ነይሩ።

ከምኡ’ውን ኣብ ሕቘኡ ዝነበረ፡ መስቀል ዝተሸከመሉ ኣካላቱ፡ ከምኡ’ውን በቲ ኣብ ርእሱ ዘቐመጥዎ ኣኽሊል እሾኽ ዘስዓቦ ምፍሳስ ደምን ቁስልን ከም ዝረአ ይገልጹ።

ንእየሱስ ካብቲ ዝተሰቕለሉ መስቀል ኣውሪዱ፡ ብጨርቂ ጠቕሊሉ ዝቐበሮ ዮሴፍ ወዲ ኣርማትያ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ የዘንቱ።

እዚ ጨርቂ እዚ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ኣውሮጳ ኣብ 1350ታት ዕላዊ ዝዀነ፡ ጂኦፍረይ ዲ ቻርኒይ ዝተባህለ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ ንሓንቲ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ፈረንሳ እትርከብ ሊራይ እትበሃል ቤተክርስትያን ምስ ኣበርከተ እዩ።

እቲ ሓለቃ፡ እቲ ጨርቂ መግነዚ ኣካል እየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ እውን ኣብቲ እዋን ኣፍሊጡ ነይሩ።

ይዅን እምበር፡ ብ1389 ፒየር ዲ ኣርሲስ ዝበሃል ኣውሮጳዊ ጳጳስ ንመጀመርታ ግዜ ነቲ ጨርቂ ናይ እየሱስ መግነዚ ኣይኰነን፡ ናይ ሓሶት እዩ ክብል ኣበሳቢስዎ።

ድሕሪ ክልተ ሚእቲ ዓመት ማለት ብ1578 ድማ፡ ናብታ ኣብ ቱሪን ኢጣልያ እትርከብ ካቴድራል ሳን ጆቫኒ ባቲስታ ኣግዓዝዎ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ፍሉይ ክብረ-በዓላት ጥራይ ንህዝቢ ክቐርብ ይግበር።

ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣብ 1988 ካብ ስዊዘርላንድ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ዝተዋጽኡ ተመራመርቲ፡ ዕድመ ብሳይንሳዊ ኣገባብ ንምውሳን፡ ቍራጽ ጨርቂ ወሲዶም ብራድዮካርቦን ገሚቶም።

በዚ ድማ ዕድመ እቲ ጨርቂ፡ ካብ መንጐ 1260 - 1390 ምዃኑ ደምዲሞም።

ሓደስቲ ርኽበታት እንታይ እዩ ዘርኢ?

ኣብ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ምርምር ኢጣልያ-ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ሞለኪዩላዊ ኣቃውማ ዝሰርሑ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ እቲ ጨርቂ ዝተሰርሓሉ ንኣሽቱ ኣፋትል እንጣጢዕ ኣጽኒዖም።

ዕድመ እቲ ጨርቂ ንምፍላጥ ቴክኖሎጂ ራጂ'ውን ተጠቒሞም።

ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ መጽሔት ሄሪቴጅ ዝተሓትመ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ኣየርላንድን ሽፋን ማዕከናት ዜና ረኺቡ።

እቶም ተመራመርቲ፡ ኣቃውማ ናይቶም ነቲ ጨርቂ ዝቘሙ ሞለኪዩላት ልሕጺ እንጣጢዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብኸመይ ከም ዝተቐየረን ከም ዝተበታተኑን ዓቂኖም።

እቶም ተመራመርቲ ዕድመ ናይቲ ልሕጺ ንምፍላጥ ካልኦት መለክዒታት እውን ተጠቒሞም እዮም። ንኣብነት፡ እቲ ጨርቂ እተዓቀበሉ መጠን ሙቐትን ራህዲ ብምዕቃን፡ ንዘመናት ዝጸንሐ ምዃኑ ገሚቶም።

ነዞም ሳይንሳዊ መለክዒታት ተጠቒሞም ድማ እቲ ጨርቂ ቅድሚ 2 ሽሕ ዓመት ማለት ኣብ እዋን እየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተሰርሐ ኣብ መደምደምታ በጺሖም።

እዞም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ዝተጠቐምሉ ሜላታት፡ ከምዚ ዝኣመሰሉ ኣጭርቕቲ ብቐሊሉ ክበላሸው ዝኽእሉ፡ ልዕሊ 'ራድዮካርቦን' ዝያዳ ዘተኣማምን ምዃኑ የጉልሑ።

ዓይነት ስፌት ካባ እየሱስ (ካባ ቱሪን) ድማ፡ ኣብ ጥንቲ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ኣብ ማእከላይ ዘመን እዩ ዝብል ሓሳብ ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ይምጕቱ።

እዚ ክትዕ መዕለቢኡ ኣበይ እዩ ?

እቶም ኢጣልያውያን ተመራመርቲ እዚ ጨርቂ (ሽሮድ ቱሪን)፡ እቲ እየሱስ ተገኒዙ ዝተቐብረሉ ጨርቂ እዩ ኣይበሉን።

እቶም ሳይንሰኛታት ዝብልዎ ዘለዉ፡ እቲ ጨርቂ እየሱስ ክርስቶስ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተኣሊሙ ዝብል እዩ።

እዞም ተመራመርቲ ዝገበርዎ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ እቲ ቅርሲ ዝተገብረ መጽናዕቲ ተወሳኺ እዩ።

ካብ 1980ታት ጀሚሩ ኣስታት 170 መጽናዕታዊ ጽሑፋት ተሓቲሞም ኣለዉ። መብዛሕትኦም ናይ እየሱስ ምዃኑ ከረጋግጹ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ናይ ሓሶት ምዃኑ ይምጕቱ።

መንበር ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝዀነት ቫቲካን እንተዀነት'ውን፡ እቲ ጨርቂ እየሱስ ክርስቶስ ተገኒዙ ዝተቐብረሉ ድዩ ኣብ ዝብል ብተደጋጋሚ መርገጺኣ ቀያዪራ ኣላ።