ንፈለማ እዋን ናብ ጸሓይ ኣዝያ ክትጽጋዕ ትፍትን ዘላ መንኰርኮር እንታይ ኣጋጠማ?

መንኰርኮር ናሳ፡ ክሳብ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኵነታት ናብ ጸሓይ ክትጽጋዕ ትፍትን ኣላ።

እታ 'ፓርከር ሶላር ፕሮብ' ትበሃል መንኰርኮር (The Parker Solar Probe)፡ ነቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ሙቐትን ጽንኩር ጨረርን ተጻዊራ ናብ ደጋዊ ከባቢ ኣየር እታ ኮኾብ ትጽጋዕ ኣላ።

ኣብቲ ኣዝዩ ዝነድድ ውዑይ ኩነታት ኣብ እትዞረሉ እዋን ንሓያሎ መዓልታት ካብ ርክብ ወጻኢ ኮይና ጸኒሓ'ላ። ተመራመርቲ ድማ ኣላ እንተኾይና ንምፍላጥ ክሳብ 27 ታሕሳስ ዝኾነ ምልክት ይጽበዩ ኣለዉ።

እዚ ተስፋ ከኣ ጸሓይ ብኸመይ ከም እትሰርሕ ብዝበለጸ ንምርዳእ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

ኣብ ናሳ ሓላፊት ሳይንስ ዶክተር ኒኮላ ፎክስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ሰባት ንዘመናት ንጸሓይ እንተጽንዕዋ'ኳ፡ ብጭቡጥ ናብቲ ቦታ ከይበጻሕካ ግን ክትርድኦ ኣይትኽእልን ኢኻ" ኢላ።

"ስለዚ ድማ ብጥቕኣ እንተዘይሓሊፍና ሃዋህው እታ ኮኾብና ብጭቡጥ ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና" ክትብል ወሲኻ።

'ፓርከር ሶላር ፕሮብ' ኣብ 2018 ዝተወንጨፈት ኮይና ናብ ማእከል ስርዓተ ጸሓይና እያ ኣንፈታ ኣቕኒዓ።

ድሮ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ን21 ግዜ ዜራ ኣላ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጸግዐታ ትኸይድ ዘላ ኮይና፡ እቲ ኣብ ድሮ በዓል ልደት ዝገበረቶ ምጽጋዕ ግን ክብረወሰን ዝሰብር እዩ።

እቲ ብዝበለጸ ናብ ጸሓይ ዝቐረበትሉ እዋን፡ ካብታ ኮኾብ 3.8 ሚልዮን ማይልስ (6.2 ሚልዮን ኪ.ሜ) ርሒቓ ነይራ።

እዚ ክሳብ ክንድቲ ቅርበት ዘለዎ ዘይክመስል ይኽእል'ዩ። እንተኾነ ግን ተመራማሪት ኒኮላ ፎክስ ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሊል መገዲ ተቐምጦ።

"ካብ ጸሓይ 93 ሚልዮን ማይልስ [ኣስታት 150 ሚልዮን ኪ.ሜ] ርሕቐት ኢና ዘለና። ንኣብነት ግን ንጸሓይን መሬትን ኣብ ናይ ሓደ ሜትሮ ፍልልይ እንተኣቐሚጠየን፤ መንኰርኮር ፓርከር ሶላር ፕሮብ ካብ ጸሓይ ኣርባዕተ ሴንቲ ሜተር ጥራይ ርሒቓ ኣላ ማለት'ዩ። ስለዚ እዚ ኣዝዩ ቀረባ እዩ" ክትብል ተረድእ።

እታ መንኰርኮር 1,400 ሴንትግሬድ ዝበጽሕ ሙቐትን ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ኤሌክትሮኒክስ ከዕኑ ንዝኽእል ጨረርን ክትጻወር ትጽቢት ይግበር።

ብ11.5cm (4.5 ኢንች) ርጐድ ዘለዎ ካርቦን-ኮምፖዚት መካላኸሊ(carbon-composite shield) ዝተሸፈነት እያ።

ግን ስልምንታይ እዚ ኩሉ ጻዕሪ ንጸሓይ ኣድልዩ?

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ እታ መንኰርኮር ብደጋዊ ሃዋህው ኮኾብና - 'ኮሮና' ብዝብል ዝፍለጥ ጨረር ጸሓይ - ብዝያዳ ተጸጊዓ ክትሓልፍ ምኽኣላ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምስጢር ንምፍታሕ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ይገልጹ።

"ኮሮና ብሓቂ ኣዝዩ ውዑይ'ዩ። ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝኾነ ግን ንፈልጦ ነገር የብልናን" ትብል ዶክተር ጀኒፈር ሚላርድ ዝተባህለት ተመራማሪ።

"ሙቐት ግዳማዊ ኣካባቢ ጸሓይ ኣስታት 6,000 ሴንቲ ግሬድ ወይ ልዕሊኡ ይበጽሕ። እቲ ኣብ እዋን ከውሊ ጸሓይ ክንሪኦ ንኽእል ደጋዊ ሃዋህው ማለት ኮሮና ግን ሚልዮናት ዲግሪ ይበጽሕ።

እዚ ድማ ካብ ጸሓይ ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ። ስለዚ እቲ ሃዋህው (ከባቢ) ደኣ ከመይ ኢሉ እዩ ዝወዓየ ኮይኑ?" ትብል።

እቲ ተልእኾ፡ ተመራመርቲ፡ ነቲ ካብ ኮሮና ዝንጸጉ ቀጻሊ ዋሕዚ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝተመልኡ ኣካላት ወይ ንጸሓያዊ ንፋስ ብዝበለጸ ንኽርድእዎ'ውን ክሕግዞም ይኽእል።

እዞም ኤለክትሪካዊ ሓይሊ ዝተመልኡ ጨረር ዝመስሉ ኣካላት ምስ ማግኔታዊ ፊልድ መሬት ክራኸቡ ከለዉ፡ ሰማይ ብዘደንጹ 'ኣውሮራታት' - ብሕብርታት ብዝተሰነየ ብርሃናዊ ኣድማስ - ይመልእ።

እዚ ግን ጸገም እውን ከስዕብ ይኽእል እዩ። ኣብ መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሮኒክስ፣ ኤሌክትሮኒክስን ስርዓተ መራኸቢታትን ጉድኣት ከብጽሕ ይኽእል።

"ንጸሓይን ንንጥፈታታ፣ ኩነታት ኣየር ህዋ፣ ንጸሓያዊ ንፋስ ምርዳእ፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎ መዓልታዊ ህይወትና ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ" ትብል ዶክተር ሚላርድ።

ተመራመርቲ ናሳ፡ እታ ናብ ጸሓይ ተጸጊዓ ዘላ መንኰርኮር ምስ መሬት ርክባ ኣብ ዝተቛረጸሉ ድሮ በዓል ልደት ጭንቀት ዝተመልኦ ትጽቢት ይርከቡ።

ኒኮላ ፎክስ፡ ብዛዕባ እቲ ድፍረት ዝተመልኦ ፈተነ ፍርሒ ከምዘሕደረላ እኳ እንተኣመነት፡ ኣብታ መንኰርኮር ግን እምነት ከምዘለዋ ትዛረብ።

"ብዛዕባ መንኰርኮር ይጭነቕ እየ። ብሓቂ ግን ነቲ ኵሉ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ክትጻወር ጌርና ኢና ዲዛይን ጌርናያ። ተራር ኣዝያ ተራር ንእሽቶ መንኰርኮር እያ" ትብል።