'ፍጽምቲ ዓለም' ሓድሽ ታሪኽ ዘመዝገበ ፍሉይ ፍጻመ ጠፈር

ኣመሪካዊ ቢልዮነርን ሓንቲ መሃንድስን ፈላሚ ምንቅስቓስ ጠፈር ዘካየዱ ዘይሞያውያን ጠፈርተኛታት ኰይኖም።

ወዲ 41 ዓመት ያረድ ኣይዛክማንን ሳራ ጊሊስን፡ ትማሊ ሓሙስ'ዮም ካብታ ኣብ ህዋ ትዘውር ዘላ እቲ ቢልዮነር ዝመወላ ሮኬት 'ፖላሪስ ዶውን' (ወጋሕታ ፖላሪስ) ናብቲ ሰፊሕ ኣድማስ ጠፈር ብምውጻእ ክንቀሳቐሱ በቒዖም።

"ኣብ ገዛና ኵላትና ብዙሕ ዕዮታት ኣለና፤ ካብዚ ክትሪኣ እንከለኻ ግን ምድሪ ብርግጽ ፍጽምቲ ዓለም እያ ትመስል" ክብል ኣይዛክማን ናብቲ ሰፊሕ ኣድማስ እናወጸ ነቲ ታሪኻዊ ፍጻመ ገሊጽዎ።

ቅድሚ ሎሚ፡ ብመንግስታት ዝተመወሉ ሞያውያን ጠፈርተኛታት'ዮም ካብ መንኮርኮር ብምውጻእ ኣብ ደገ ክንቀሳቐሱ ዝኸኣሉ።

ናብ ምድሪ ዝተላእከ ኣሳእል፡ ክልቲኦም ኣባላት ናይታ 7000 ኪሜ ካብ ምድሪ ልዒላ ትንሳፈፍ ዘላ 'ድራጎን' ዝተባህለት ካፕሱል ክወጹ እንከለዉ የርኢ።

ፈለማ እቲ ቢልየነር'ዩ፡ መሓውሩ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን እናወዛወዘ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ፍሉይ ልብሲ-ጠፈር ንክፍትኖ ተቐልቂሉ ተመሊሱ። ብድሕሪኡ ድማ እታ ምስ ስፔስ-ኤክስ (SpaceX) እትሰርሕ መሃንድስ ጊሊስ ካብታ ካፕሱል ወጺኣ።

ክልቲኦም፡ እቲ ዝተኸደንዎ ፍሉይ ልብሲ-ጠፈር ክሳብ ክንደይ ኣብ ደገ ኣድማዒ ምንባሩ ክዛረቡ ይስምዑ።

እቲ ሰዓት 07፡23 (ብኣቆጻጽራ ለንደን) ክካየድ ዝተሓሰበ ሓደገኛ ምንቅስቓስ ንገለ ሰዓታት ተናዊሑ ነይሩ'ዩ።

እቶም ኣባላት ነቲ ተወሳኺ ማዕጾ ዘይብሉ እንኮ በሪ ናይታ ካፕሱል ንምኽፋት ኣብ ዝዳለውሉ ዝነበሩ ልዑል ተርባጽ ዘሰነዮ ትጽቢት'ዩ ነይሩ። እቲ እንኮ ኣፍደገ ምስተኸፍተ ብቐጥታ ናብ ህዋ ዝወጽእሉ'ዩ።

እቶም ኣርባዕተ ኣባላት በረራ 'ወጋሕታ ፖላሪስ'፡ ንክልተ መዓልታት ናይ ምስትንፋስ ልምምዳት ብምግባር ክዳለዉ'ዮም ጸኒሖም። ምስ ምቅይያር ጸቕጢ ኣየር፡ ብጽኑዕ ክሓሙ ተኽእሎ ስለዘሎ። እዚ ድማ ኣብ ደም ዘሎ ናይትሮጅን ብኦክስጅን ምትካእ ዘጠቓልል'ዩ።

በዚ ኣገባብ እዚ እቲ ኣብ ውሽጢ እታ ካፕሱል ዘሎ ኵነታት ኣየር ምስቲ ኣብ ደገ ኣብ ጠፈር ዘሎ ኵነታት ዝዳረግ ይኸውን።

እቲ ኣብ ደገ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ከም ዓለምለኻዊት መደበር ጠፈር ዝበሉ መንኮርኮራት ዝካየድ ምንቅስቓሳት ዝፍለ ምዃኑ ተመራማሪት ስነጠፈር ኦፐን ዩኒቨርሲቲ ዶ/ር ሲሞን ባርበር ትዛረብ።

ቅድሚኡ ኣብ ዝካየዱ ዝነበሩ ተመሳሰልቲ ምንቅስቓሳት፡ ጠፈርተኛታት ናይ ውሻጠ ማዕጾ ከፊቶም ምስ ሓለፉ'ዩ እቲ ናይ መወዳእታ በሪ ዝርከብ። እዛ ድራጎን ዝተባህለት ካፕሱል ስፔስ-ኤክስ ግን ማዕጾኣ ናብ ህዋ'ዩ ዝኽፈት።

"ብሓቂ ዘሐጕስ'ዩ፡ ስፔስ-ኤክስ ትብዓት ከምዘለዎ ዘርኢ ይመስለኒ" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ግና ዓቢ ሓደጋ ዝሓዘለ ስጕምቲ'ዩ።

ኣይዛክማን ንምምዕባልን በረራን ፖላሪስ ዶውን ዝመወለ ኰይኑ፡ ካብቶም ኣርባዕተ ኣባላታ ንሱ ጥራይ'ዩ ኣቐዲሙ ናብ ጠፈር ተወንጪፉ ዝፈልጠ።

ብምትሕግጋዝ ኣብራሪ ሓይሊ ኣየር ነበር ስኮት 'ኪድ' ፖቲትን ነታ 'ረዚለንስ' ዝተባህለት ሮኬት ብምምራሕ፡ ንመሃንድሳት ኣና መኖንን ሳራ ጊሊስን ሒዙ ናብ ጠፈር ተወንጪፉ።

እታ ዝነበሩላ ኣካል ናይታ መንኮርኮር ዝዀነት 'ድራጎን' ዝተባህለት ካፕሱል ብድምር 50 ሰባት ሒዛ 46 ግዜ ናብ ጠፈር ብምምልላስ ዘገልገለት'ያ። እንተዀነ ዘይከም ናይ መንግስታት ብዘይ ተሪር ቍጽጽር'ያ ኣብ ኣገልግሎት ትውዕል ዘላ።

ኣብ ጠፈር ካብ መንኮርኮር ወጺእካ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣዝዩ ሓደገኛ መናውራ እዩ። ብናይ ብሕቲ ትካል ክፍጸም ምኽኣሉ ኸኣ ኣብ ታሪኽ ዓለም ኣገዳሲ ነጥበ-መቐይሮ ኰይኑ'ሎ።

ብርሕቀት ክዕቀን እንከሎ'ውን፡ ኣብ ጠፈር ካብ ዝተኻየደ ናይ ደገ ምንቅስቓስ እቲ ዝለዓለ (ኣብ 700 ኪሜ) ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ። እቶም ኣባላት ዝተኸደንዎ ፍሉይ ልብሲ-ጠፈር'ውን ኣዝዩ ፍልይ ዝበለን ዝማዕበለን'ዩ።

ብዛዕባ ኣድማዕነቱ ብቐጥታ ሓበሬታ ዝህብ ኣካል ዝጠበቘ ምዃኑ'ውን ይፍለጥ።

ኢንጂነር ሳራ ጊሊስ ናብ ደገ ኣብ ዝወጻትሉ እዋን ነቲ ልብሲ-ጠፈር (ስፐይስ-ሱት) ዝምልከት ሓበሬታ ብቐጥታ ከተንብብ ትስማዕ።

ካብ ፈለማ ምውንጫፍ፡ ኣብ ጠፈርን መልሲ ንምድርን ክትጥቀመሉ ትኽእልን ቅያር ዘወግድን ምዃኑ'ዩ ስፔስ-ኤክስ ዝገልጽ።

ብዘይካ'ዚ ተወሳኺ መዕቆሪ ናይትሮጅንን ኦክስጅንን ዝሓዘ ኰይኑ፡ ኣርባዕቲኦም ኣባላታ ናብ ህዋ ክቃልዑ ዘኽኣለ'ዩ፤ እዚ ማለት ዝበዝሑ ኣብ ሓደ እዋን ናብ ህዋ ዝተቓልዑ ኮይኖም ኣለዉ።

'ረዚልየንስ' ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ'ያ ኣብ ሮኬት ስፔስ-ኤክስ ተሓዚላ ካብ ምድሪ ተወንጪፋ።

ድሕሪ'ቲ ኣብ 1970ታት ዘቋረጸ ፕሮግራም ኣፖሎ ናሳ፡ ፖላሪስ ዶውን ንፈለማ እዋን ካብ ምድሪ ዝነውሐ ርሕቀት (1400 ኪሜ) ክትጓዓዝ ምዃና ኣካየድታ ገሊጾም ኣለዉ።

ዓለምለኻዊት መደበር ጠፈር ካብ ምድሪ 400 ኪሜ ርሒቓ'ያ ትርከብ።

ከም በዓል ሃገራዊ ትካል ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ) ዝበሉ መንግስታዊ ትካላት ጠፈርተኛታቶም ብናይ ብሕቲ መጓዓዝያ ሮኬታት ንምስዳድ'ዮም ዝጽዕሩ ዘለዉ።

ከም በዓል ያረድ ኣይዛክማንን ኢሎን ማስክን ዝበሉ ቢልዮነራት ናይ ብሕቲ ኣውፈርቲ ብወገኖም፡ ናብ ጠፈር ዝግበር ጕዕዞ ሞያውያን ዘይኰኑ ተራ በጻሕቲ ዘካይድዎ ንግዳዊ ቱሪዝማዊ ዓውዲ ንምግባር'ዮም ዝጽዕሩ።

እዚ ናይቲ ትማሊ ፍጻመ ዓቢ ትእምርታዊ ስጕምቲ'ኳ እንተዀነ፡ ዋጋ ናይቲ ዝግበር ጕዕዞ ዘይተኣደነ ስለዝኾነ፡ ልሙድ መገሻ ንምግባሩ ነዊሕ እዋን ምውሳዱ ከምዘይተርፍ ርዱእ'ዩ።