እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጠፈር፡ ኣብ ህዋ ፈላመይቲ ‘ጓለ'ባት’ ኣሜሪካዊት
ጠፈርተኛታት ኣብ መገሻኦም እንታይ ይማልኡ? ዝብል፡ ተሪር ናይ ክብደት ደንቢ ክኽተሉ ኣለዎም።
ምኽንያቱ፡ ናይ ህዋ ተልእኾ ንውልቃዊ ነገራት ኣዝዩ ንእሽቶ ቦታ እዩ ዝህበካ።
ኒኮል ኣውናፑ ማን ግን፡ ነቲ 1.3 ኪሎ ዝምዘን ብጽሒታ፡ እትማልኦ ንምምራጽ ብዙሕ ምሕሳብ ኣየድለያን።
ኣብቲ ናብ ጠፈር እትገብሮ ጕዕዞ፡ ክትማልኦ ዝደለየቶ ኣቕሓ ምልክት ናይቲ መበቈላዊ ውርሻኣ እዩ ነይሩ።
ናሳ፡ ን5 ጥቅምቲ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ ተልእኾ “ክሩ-5” ናብ ዓለምለኸ መደበር ህዋ (ISS) መደብ ኣለዎ።
እታ ኣካል እዚ ተልእኾ ዝዀነት ጓል 45 ዓመት፡ ፓይለት ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ነበር ኰይና፡ ኣብ ጠፈር ናይ መጀመርታ ጓለ’ባት ኣመሪካ ጓለንስተይቲ ክትከውን እያ።
ከም ክብሪ መበቈላዊ ዓሌታ ‘ዋይላኪ’፡ ኣደኣ ቪክቶርያ ኣብ እዋን ንእስነታ ዝሃበታ፡ ደቀባት ኣሜሪካ ኣምልኾ ዝዀነ ‘ድሪምካቸር’ - ከም መዘከርታ ስድራቤታ ሒዛ ክትጓዓዝ እያ።
ብመሰረት ሓበሬታ ኢንዲጀነስ ፋውንዴሽን፡ እቲ መበቈላዊ ውርሻ፡ 'ሓድነትን ድሕነትን ህዝባ' ዝሕሉ እዩ ተባሂሉ ይእመነሉ።
"እዚ ኣብዚ ጕዕዞ ሒዘዮ ዝኸይድ ንእሽቶ ቁንጣሮ ውርሻ ስድራይ ክኸውን'ዩ" ክትብል እታ ጠፈርተኛ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዘነቓቕሕ
ማን፡ ተጓዓዚት ጥራይ ኣይኮነትን፤ ኣዛዚት ተልእኾ ናይቲ ስፐይስ ኤክስ ድራጎን ዝበሃል በረራ'ውን ክትከውን'ያ።
እቲ ጕጅለ፡ ኣሜሪካዊ ጆሽ ካሳዳ፡ ጃፓናዊ ጠፈርተኛ ኮይቺ ዋካታን ሩስያዊት ጠፈርተኛ ኣና ኪኪናን ዝሓቘፈ እዩ።
ኣባላት እቲ ጕጅለ፡ ኣብ ህዋ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሑ ምዃኖም ትጽቢት ይግበር።
ማን፡ ዓቢ ዓወት ክተምጽእ እውን ትኽእል እያ።
ንሳ ኣካል ናይቲ፡ ሓንቲ ኣብ 2026 ቀዳሞት ደቀ'ባት ደቀንስትዮ ናብ ጠፈር ንምስዳድ ዝነበረ መደብ እያ።
ንሳ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ኣዝዩ ዘሐጉስ'ዩ" ክትብል ብዛዕባ እቲ ፍሉይ ተልእኾኣ ተዛሪባ።
"እዚ ተልእኾ ንመንእሰያት ደቀ’ባት ኣሜሪካ ሕልምታቶም ንኽስዕቡን ገለ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዕንቅፋታት ይለግሱ ከምዘለዉ ንኽግንዘቡ ከነቓቕሖም ብሓቂ ተስፋ እገብር" ኢላ።
ኣብ ጠፈር ናይ መጀመርታ ካብ ደቀ’ባት ኣሜሪካዊ ሰብኣይ፡ ካብ ህዝቢ ቺካሳው ዝመጸ ጆን በነት ሃሪንግተን ኰይኑ፡ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኣብታ መንኮርኮር ህዋ ኢንደቨር ተሳፊሩ ዝተጓዕዘ እዩ።
ተሳትፎ ውግኣትን መዳልያታትን
መበቈላ ካብ ካሊፎርንያ ዝዀነት ማን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ መካኒካል ኢንጅነሪን እያ ኣጽኒዓ።
ኣብ ማሪን ኮርፕስ ኰሎነል ኰይና፡ ዝተፈላለያ ነፈርቲ ውግእ ኣብሪራ እያ።
ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ንዝካየድ ስርሒታት ውግእ ዝድግፋ፡ ነፈርቲ ምስ ዝጽዕና መራኽብ ክልተ ግዜ ተዋፊራ፡ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ብዝገበረቶ ኣገልግሎት ድማ ሽዱሽተ መዳልያታት ተሸሊማ።
ማን፡ ኣብ 2013 ጠፈርተኛ ካብ እትኸውን ጀሚሩ፡ እዚ ናይ ሕጂ ተልእኾ፡ፈላሚ በረራ ንጠፈር ክኸውን እዩ።
ንሳ፡ ሓንቲ ካብተን ሸሞንተ ጠፈርተኛታት 'ናሳ 21' - ንስርሓት መደበራት ህዋን ኣብ መጻኢ ንወርሕን ማርስን ክወሃብ ንዝኽእል መደባት ዝተመስረተት - እያ።
እዚ ንሓሙሻይ ግዜ ናብ ዓለምለኻዊ መደበር ህዋ ዝግበር ተልእኾ ኰይኑ፡ እቲ ጕጅለ 250 ሳይንሳዊ ፈተነታት ከካይድ ምዃኑ ይግለጽ።
ናሳ፡ እቲ ሓደሽቲ ምርምራት፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ህይወት ንምጥቃምን ክንዮ ፕላነት ንዝግበር ዳህሳስ ደቂ ሰባት ንምድላውን ክሕግዝ እዩ ይብል።
ጆን ሃሪንግተን፡ ኣብ 2002 ኣብ ዝገበሮ በረራ፡ ኣብቲ ናይ 13 መዓልታት ናይ ህዋ ጻንሒቱ፡ ባንዴራ ቺካሳውን ባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃን ሒዙ ከይዱ ነይሩ።