እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታሪኻዊ ፍጻመ ስነ-ጠፈር፡ ስፔስ-ኤክስ ዝተጐናጸፎ ፈላሚ ዓወት
ስፔስ-ኤክስ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ፈተነ ምውንጫፍ ሮኬት ዓብዪ ዓወት ተጐናጺፉ።
እቲ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ዳህሳስ ጠፈር ንምምሃዝ ኣብ 2002 ዝተመስረተ ትካል ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ፈተነ ሕልሙ ሰሚሩ'ሎ።
ቢልዮነር ኢሎን መስክ ዝውንኖ ስፔስ-ኤክስ ሕልሙ ሓደ መዓልቲ ሰባት ናብ ወርሒ ንምምላስን፡ ንፈለማ እዋን ናብ ፕላነት ማርስ ንምስዳድን እዩ።
እዚ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ዝተኻየደ ናይ ፈተነ በረራ መንኮርኮር 'ስታርሺፕ' (Starship) ንመበል ሓሙሻይ ግዜ ዝተገብረ'ዩ።
ፕሮጀክት ስታርሺፕ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ነተን ናብ ሁዋ ዝውንጨፋ ሮኬታት ዝደፍእ ደጋፊ ኣካል (ቡስተር) ኣብ ክንዲ ኣብ ጠፈር ተበታቲኑን ናብ ባሕሪ ጥሒሉን ዝባኽን ተመሊሱ ኣብ መዓላ ከም ዝውዕል ክገብር ዝፍትን'ዩ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ነቲ 'ቡሰተር' ብሰላም ናብ መወንጨፊ መደበሩ ክምለስ ዝተኻየደ ፈተነታት ኣይተዓወተን።
ሎሚ ግን እቲ መሃንድሳት እቲ ትካል ንዓመታት ዝጸዓርሉን ዝተመነይዎን ዓወት ክዉን ኰይኑ'ሎ።
እታ ሮኬት ካብቲ ኣብ ኣመሪካ፡ ክፍለ ሃገር ቴክሳስ፡ ዝርከብ መደበር ጠፈር ስፔስ-ኤክስ ድሕሪ ምውንጫፋ፡ እቲ ሓዊ ዝተፍእ ዘይትኣደነ 'ቡስተር' ብዘገርም መንገዲ ናብቲ ኣቐዲሙ ሓዚልዎ ዝነበረ መወንጨፊ ሻምብቆ ትኽ ኢሉ ኣትዩ።
መሃንድሳትን ኪኢላታትን ናይቲ ትካል እቲ 'ተኣምር' ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ምምላስ ቡስተር ናብ መደበሩ ምስ ተዓዘቡ ሓጎሶም ጠፈር ዓሪጉ ከጣቕዑን ክጭድሩን ተሰሚዖም።
"ሓደሩ" ('Good Morning') ክብል'ውን ኢሎን ማስክ ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ ብምጽሓፍ ሓበኑ ገሊጹ።
እታ ዝተወንጨፈት ሮኬት'ውን ብሰላም ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረላ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዓሊባ'ላ።
እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ኣብ ምምዕባል ተክኖሎጂ ጠፈር ዓቢ ግምት ዝወሃቦ ኰይኑ፡ ግዜን ገንዘብን ብምዕቃብ ንንጥፈታት በረራ ጠፈር ዘቃላጥፍ'ዩ።
ስፔስ-ኤክስ "ሰውራ" ተክኖሎጂ ዳህሳስ ኣድማስ ጠፈር ንምትእትታው ዓሊሙ'ዩ ብዓንተብኡ ነቒሉ። ሓሳብ ልቡ ሰሚሩሉ ድማ እንሆ ሎሚ ወጋሕታ ጸሓይ መሊኣ በሪቓትሉ ትርከብ።