ኮሚሽነር ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ነበር ምትኩ ካሳ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ

ኮሚሽነር ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋታት ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ምትኩ ካሳ፣ በዓልቲ እንድኡን ውላዶምን ብዝተኸሰስሎም ገበናት ብልሽውና ገበነኛታት ኰይኖም ብምርካቦም፡ ንማእሰርቲ ተፈሪዶም።

ኣይተ ምትኩ ካሳ፣ በዓልቲ እንድኡ ወይዘሮ ሶፊያ ጀማልን ጓሎም ወይዘሮ ሚልካ ምትኩን፡ ትማሊ ረቡዕ 01 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. [ግእዝ] ብዝቐረበሎም ገበን ክሲ ጥፍኣተኛታት ኰይኖም ከምዝተረኸቡ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ፌደራል ምድብ ልደታ ሓምሻይ መጋባእያ ጉዳያት ብልሽውና፡ ናይ ዓቃቢ ሕጊ መኽበዲ ቅፅዓትን ናይ ተኸሰስቲ መቕለሊ ቅፅዓትን ድሕሪ ምድማፁ፡ ኣይተ ምትኩ ካሳ ብ 13 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲን ብ50 ሽሕ ብር ቅፅዓትን ንክቕፃዕ ወሲኑ።

ብተወሳኺ በዓልቲ እንዳ ኣይተ ምትኩ ወይዘሮ ሶፍያ ጀማል፡ ብማእሰርቲ ሸሞንተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን፡ ከምኡ'ውን 3 ሽሕ ብርን ክትቅፃዕ ቤት-ፍርዲ ወሲኑ።

ጓሎም ወይዘሮ ሚልካ ምትኩ ድማ፡ ብማእሰርቲ 5 ዓመትን 3 ሽሕ ብርን ክትቅፃዕ ወሲኑ።

ኮሚሽነር ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋታት ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣይተ ምትኩ ካሳ፡ ብገበን ብልሽውና ተጠርጢሩ 06 ሓምለ 2014 ዓ.ም. [ግእዝ]፡ ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓለ ይዝከር።

ኣይተ ምትኩ፡ ምስ ሃገር በቆል ትካል ገባሪ ሰናይ ኤልሻዳይ ብምትሕብባር ፈፂምዎ ብዝተብሃለ ገበን ብልሽውና ተጠርጢሩ ከም ዝተኣሰረ፡ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል ኣብቲ እዋን ገሊፁ ነይሩ።

ኣይተ ምትኩ ካሳ፡ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ኤልሻዳይ ብምምሽጣር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዘየለዉ ተመዛበልቲ ከምዘለዉ ብምምሳል እቲ ትካል ንዘቕርቦ ሕቶ፡ ዝተፈላለዩ ቀረባት ረድኤት ንክወሃብ ገይሩ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ።

ኣኽባሪ ሕጊ ዳይሬክቶሬት ጉዳያት ብልሽውና ሚኒስትር ፍትሒ፡ በቲ ኮሚሽን ቁፅሪ ረድኤት ዝቕበሉ ብምግናን፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ረድኤት ካብ መኻዚኖ ብምውፃእ፡ ንተሓገዝቲ እንከይበፅሐ ተሸይጡ ንውልቀ ጥቕሚ ከም ዝወዓለ ብምግላፅ ኣብቲ እዋን ክሲ መስሪቱ ነይሩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ዓፋር፣ ኦሮሚያን ኣብ ናይ ቅድሚ ሕዚ ደቡብ ክልልን ኣብ ዝርከቡ ማእኸላት ትካል ገባሪ ሰናይ ኤልሻዳይ ረድኤት ንተሓገዝቲ እንከየብፅሐ ብምሻጥ፡ ንውልቀ ረብሕኦም ከም ዘውዓሉ ኣብቲ መዝገብ ክሲ ተገሊፁ።

ብኻልእ ክሲ ድማ፡ ልዕሊ 472 ነጥቢ 8 ሚልየን ብር ብመልክዕ ድጋፍ ብፍቓድ ቀዳማይ ተኸሳሲ ኣይተ ምትኩ ካሳ ብኻልአይቲ ተኸሳሲት ክፍሊት ከም ዝተፈፀመን፡ ብሳልሰይቲ ተኸሳሲት ወፃኢ ብምግባር ንውልቀ ጥቕሚ ብምውዓሉ፡ ኣብ መንግስቲ ልዑል ክሳራ ከም ዝበፅሐ ተገሊፁ።

ብሽም ደቂ ኣይተ ምትኩ ካሳን በዓልቲ እንድኡን ዝተገዝኡ ተሽከርከርትን መንበሪ ገዛውትን ከም ዝተረኸቡ'ውን፡ ኣብቲ መዝገብ ክሲ ተዘርዚሩ።

ነዚ ክሲ ክርእይ ዝፀንሐ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ፌደራል ምድብ ልደታ ሓምሻይ መጋባእያ ጉዳያት ብልሽውና፡ ንሓሳባት መኽበድን መቕለልን ቅፅዓት ድሕሪ ምስምዑ እዩ፡ ኣይተ ምትኩ ካሳ ብ13 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ክእሰር ፈሪዱ።

ኣይተ ምትኩ ካሳ ኮሚሽነር ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋታት ኢትዮጵያ ኰይኑ ንሸውዓተ ዓመታት ኣገልጊሉ እዩ።

እቲ ኮሚሽን ብዝተፈላለዩ ተፈጥርኣውን ሰብ ሰራሕን ፀገማት ንዝተጐድኡ ዜጋታት፡ ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከብ ሓገዝ ዘተሓባብር እዩ።

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ይርጋለም ዝተወለደ ኣይተ ምትኩ ካሳ፡ ኮሚሽነር ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋታት ኢትዮጵያ ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣብ ክልል ደቡብ ስራሕቲ ውሕስና ምግቢ ሓላፊ ክፍሊ ምትሕብባር ነይሩ።

ኣይተ ምትኩ፡ ኣብ 2019 ኣብ ትሕቲ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ተጣይሹ ኣብ ዝነበረ ላዕለዋይ ቤት-ምኽሪ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ኣባል ኰይኑ ተመሪፁ ነይሩ።