እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወተሃደራውያን ነፈርቲ መጓዓዝያ ሩስያ ብሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ተሃሪመን
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሩስያ ከተማ ፕስኮቭ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ብሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ክልተ ወተሃደራዊ መጓዓዝያ ነፈርቲ ከም ዝተሃረማ ማዕከናት ዜና ሩስያ ሓቢረን።
ኣብቲ መጥቃዕቲ እተን ኢሊዩሺን-76 ዝዓይነተን መጓዓዝያ ነፈርቲ ክባራዓ ከም ዝተራእያ’ውን እቶም ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ኣቐዲሙ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ መጥቃዕቲ የፍሽል ከም ዝነበረ ገሊጹ ነይሩ።
ንሱ፡ ዓቢ ባርዕ ሓዊ ዘርኢ ቪድዮ ዝጠቅዐ ዀይኑ፡ ፍንጀራ እውን ይስማዕ ነይሩ።
ፕስኮቭ ካብ ዩክረይን ልዕሊ 600 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ዞባ ኰይኑ፡ ናብ ዶብ ኢስቶንያ ቀረባ እዩ።
ዩክረይን ኣብዚ መጥቃዕቲ ከም ዝተሳተፈት እኳ እንተዘይገለጸት፡ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ብዛዕባ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣመልኪታ ግን ዳርጋ ኣይትዛረብን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ሩስያ ንዝርከቡ ዒላማታት ንምጥቃዕ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምጥቃም ከም ዘሐየለት ይእመን።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ሰራዊት ሩስያ፡ ሰለስተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ዞባ ብራያንስክ፡ ሓንቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ማእከላይ ዞባ ኦርዮል ከም ዘውደቐ ገሊጹ።
ማዕከን ዜና ሩስያ ታስ፡ ክሊ ኣየር መዓርፎ ነፈርቲ ሞስኮ-ብቭኖኮቮ ገፅ- ከም ዝተዓጽወ ሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ፕስኮቭ ሚካኤል ቬደርኒኮቭ ኣብ ቴሌግራም፡ "ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ፕስኮቭ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ የፍሽል ኣሎ" ኢሉ።
ብማዕከን ዜና ሩስያ ታስ ንህጹጽ ኣገልግሎት ብምጥቃስ ዝወጽአ ፈላማይ ጸብጻብ ኣርባዕተ ነፈርቲ ኢሊዩሺን 76 (ኢል-76) ከም ዝዓነዋ፡ ክልተ ድማ ብ "ሃልሃልታ" ሓዊ ከም ዝተባራዓ ገሊጹ።
ዞባ ፕስኮቭ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዒላማ ተገይሩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባ ቤልጎሮድ ሩስያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱ ሰበስልጣን ሩስያ ገሊጾም።
ዩክረይን ፍሉይ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዘካየደት እኳ እንተዘይገለጸት፡ ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ግን ቅድሚ ሕጂ ኣብ መሬት ሩስያ ዝፍጸም መጥቃዕቲ "ዘይተርፍ፣ ተፈጥሮኣውን ፍጹም ፍትሓውን ስጉምቲ" ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ሰበ ስልጣን ኪቭ ትማሊ ምሸት ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ልዕሊ 20 ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ከምዝዓነዉ ብምግላጽ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ሩስያ ካብ ጽድያ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ- ኪቭ ዝተፈጸመ "ዝሓየለ መጥቃዕቲ" ክብሉ ገሊጾም።
ከንቲባ ቪታሊ ክሊችኮ ብቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ፀረ-ነፈርቲ ነቲ መጥቃዕቲ ሩስያ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ብዝወደቐ ስብርባር ከም ዝሞቱ ገሊጻ።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ቅድሚ ሓደ ዓመት ወራር ካብ እትፍፅም ጀሚሩ፡ እቲ ኲናት በሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ተሓጊዙ ቀፂሉ ኣሎ።