እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ካማላ ዶ ትራምፕ - ውጽኢት መዓስ'ዩ ዝፍለጥ?
ኣመሪካውያን ጽባሕ 5 ሕዳር 2024 ዝቕጽል ፕረዚደንቶም ንምምራጽ ድምጺ ክህቡ’ዮም።
ነቝጣታት መረጻ ምስ ተዓጸው፡ ሕጹያት ተወዳደርቲ ዝረኸቡዎ ድምጺ ዝተቐራረበ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ተዓዋቲ/ት መን ምዃኑ ንሓያሎ ሰዓታት፡ ንመዓልትታት ወይ ሰሙናት ክግመት ኣይከኣልን’ዩ።
ሕጽይቲ ሰልፊ ዲሞክራት ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ሕጹይ ሪፓብሊካን ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕን ንሰሙናት ሓያሎ ጐስጓሳት ክገብሩ ቀንዮም’ዮም።
መረጻ ዝካየደላ መዓልቲ እናቐረበት ምስ መጽአት፡ ንውጽኢት እዚ መረጻ ዝውስና ‘ስዊንግ ስቴትስ’ ተባሂለን ዝፍለጣ ግዝኣታትን ካልኦት ግዝኣታት ኣመሪካን ክወሃብ ዝቐነየ ድምጺ ኣዝዩ እናኸረረ መጺኡ።
ስለዚ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ኣዝዩ ጸቢብ ፍልልይ ዓወት ክህሉ ይኽእል’ዩ፤ እዚ ድማ ዳግማይ ቘጸራ ድምጺ ክግበር ምኽንያት ክኸውን ይኽእል።
ኣብዚ ዓመት ገለ ውጽኢታት ቀስ ኢሎም ዝፍለጥሉ ዕድል ክህሉ ይኽእል።
ናይዚ ምኽንያት ድማ ነፍሲ ወከፍ ግዝኣታት -እተን ሸውዓተ ወሰንቲ ግዝኣታት ሓዊሱ- ካብ 2020 ጀሚረን ናይ ባዕለን መረጻ ከመሓድራኦ ምጅመረን እዩ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ከም በዓል ሚቺጋን ዝኣመሰላ ከባቢታት ቅልጡፍ ምቝጻር ድምጺ ተራእዩ እዩ።
ሕጂ፡ ካብቲ ኣብ እዋን ለበዳ ኮረናቫይረስ ዝተኻየደ መረጻ ብዝሒ ብፖስጣ ዘድመጹ ውሑዳት ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
እዚ ማለት ብርክት ዝበለ ውጽኢታት ትጽቢት ክግበር ይክኣል- ፕረዚደንት ኰይኑ/ና ዝተዓወተ/ት ኣብቲ መረጻ ዝካየደሉ ምሸት፡ ወይ ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ ወይ’ውን ድሕሪ ሰሙናት ክእወጅ ይኽእል።
ውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ 2020 መዓስ ተፈሊጡ?
እቲ መረጻ ሰሉስ 3 ሕዳር 2020 ተኻይዱ።
ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ግን ክሳብ ቀዳም 7 ሕዳር ጆ ባይደን ተዓዋቲ ከም ዝዀነ ኣይገለጻን።
ኣብቲ መረጻ ዝተኻየደሉ መዓልቲ፡ ደገፍቲ ትራምፕ ዓወትና ኣብ ቀረባ’ያ ክብሉ ተሰሚዖም።
ይዅን’ምበር፡ ክልቲኦም ነተሓናሕቲ ተመራጺ ፕረዚደንት ንምዃን ካብቲ 270 ድምጺታት ‘ኮሌጅ ኤሌክቶራል’ ክረኽቡዎ ዝግባእ ድምጺ ዝተቐራረበ እዩ ነይሩ።
መብዛሕትአን ግዝኣታት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክውድኣ እንከለዋ፡ ፔንሲልቨንያን ኔቫዳን ሓዊሱ ብኣጻብዕ ዝቝጸራ ወሰንቲ ግዝኣታት ግን ገና ኣየፍለጣን ነይረን።
ፔንሲልቨንያ ናብ ዲሞክራት ከተዘንብል ጸኒሓ ቀዳም ንግሆ ብዝተረኽበ ሓድሽ ድምጺ እታ ግዝኣት ባይደን ከም ዝዕወተላ ዝእምት ድምጺ ተረኺቡ።
ነዚ ውጺኢት ኣቐዲማ ዝሓበረት ሲኤንኤን ኰይና፡ ኣብ ዝቕጽሉ 15 ደቓይቕ ካልኦት ማዕከናት ሓበሬታ ነዚ ከቃልሓኦ ጀሚረን።
መብዛሕትኡ ግዜ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ መዓስ ይእወጅ?
ብሓፈሻ መረጽቲ፡ ለይቲ ናብ ድቃሶም ኣብ ዝኸድሉ እዋን ወይ እንተወሓደ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ቀጻሊ ፕረዚደንቶም መን ከም ዝኸውን ክንፈልጥ ኢና ዝብል ሓሳብ ለሚዶምዎ’ዮም።
ንኣብነት ኣብ 2016 [ኣ.ኤ] ድሕሪ እቲ መረጻ ዝተኻየደሉ መዓልቲ ኣብ ዘሎ ሰዓታት ንግሆ ትራምፕ ከም ዝተዓወተ ተኣዊጁ።
ኣብ 2012 [ኣ.ኤ] ባራክ ኦባማ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ዝተመርጸሉ እዋን፡ ኣብቲ መረጻ ከም ዝዕወት ቅድሚ እቲ ድምጺ ዝወሃበሉ መዓልቲ ኣብ ዝነበረ ፍርቂ ለይቲ እዩ ተተንቢዩ።
ኣብ 2000 [ኣ.ኤ] ጆርጅ ዳብሊው ቡሽን ኣልጐርን ኣብ ዝተነሓንሕሉ መረጻ ግን ተገማቲ ውጽኢታት ኣይነበረን።
ክልቲኦም ኣብ ፍሎሪዳ ዘካይድዎም ዝነበሩ ጐስጓሳት ብሰንኪ ጸቢብ ንሕንሕ ናብ ግጭት ዓሪጐም።
በዚ ምኽንያት እቲ ውድድር ክሳብ 12 ታሕሳስ ከይተወሰነ ጸኒሑ።
ደሓር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ንመስርሕ ዳግም ምቝጻር እተን ግዝኣታት ክቋረጽ ብምግባር ቡሽ ተዓዋቲ ፕረዚደንት ከም ዝዀነ ወሲኑ።
ኣየኖት ወሰንቲ ግዝኣታት ክንከታተል?
ኣብ መላእ እታ ሃገር፡ እቲ ናይ መጀመርታ ምሃብ ድምጺ ሰሉስ ምሸት [ብኣቈጻጽራ ሰዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ 01፡00] ክዕጾ’ዩ።
እቲ ናይ መወዳእታ ምሃብ ድምጺ ድማ ረቡዕ ኣጋ ምሸት [ብኣቈጻጽራ ሰዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ 5፡00] ክዕጾ እዩ።
እዚ ውድድር ግን ካብተን ሸውዓተ ወሰንቲ ግዝኣታት- ኣሪዞና፡ ጆርጅያ፡ ሚቺጋን፡ ኔቫዳ፡ ሰሜን ካሮላይና፡ ፔንሲልቫንያን ዊስኮንሲንን - ዝመጽእ ውጽኢት ይውሰን።
ምሸት ሰዓት 8፡00 [ኣቈጻጽራ ምብራቕ ኣፍሪቃ] ኣብ ጆርጅያን ካልኦት ሓሙሽተ ግዝኣታትን ብኸፊል ድማ ኣብ ሰለስተ ተወሳኺ ግዝኣታት ምሃብ ድምጺ ይዕጾ።
እዚ'ውን መርበባት ቲቪ ኣሜሪካ ናይ መጀመርታ ጻውዒተን ለይቲ ክጅምራ ተኽእሎ ኣብ ዝህልወሉ እዋን እዩ፣ ኣብ ከም በዓል ኬንታኪ ዝኣመሰላ ተወዳደርቲ ዘይኰና ከባቢታት።
ምሸት ሰዓት 8፡30 [[ኣቈጻጽራ ምብራቕ ኣፍሪቃ] ኣብ ሰሜን ካሮላይና ሓዊሱ ኣብ መላእ ኣርባዕተ ግዝኣታት ምሃብ ድምጺ ይዕጾ።
ኣብዛ ግዝኣት ካብ 2008 ኣትሒዙ ሕጹያት ዲሞክራት ተዓዊቶም ስለ ዘይፈልጡ ሃሪስ’ውን ኣብ ሰሜን ካሮላይና እትዕወተሉ ድምጺ ዘይክትረክብ ትኽእል እያ።
ድሕሪ ቀትሪ [ኣ. ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰዓት 3፡00] ኣብ ፔንሲልቨንያን ካልኦት 16 ግዝኣታትን፡ ከምኡ’ውን ብኸፊል ኣብ ሚሺጋንን ካልኦት ኣርባዕተ ግዝኣታትን ምሃብ ድምጺ ይዕጾ።
ሰዓት 4፡00 ድማ ኣብ ሚሺጋን ዝተረፉ ነቑጣታት መረጻ ይዕጾ፤ ኣብ ኣሪዞና፡ ዊስኮንሲንን ካልኦት 12 ግዝኣታትን’ውን ክውዳእ እዩ።
ሰዓት 5፡00፡ ኣብ መላእ ኔቫዳን ካልኦት ክልተ ግዝኣታትን ይዕጾ፣ ብኸፊል ድማ ኣብ ካልኦት ክልተ።
ድምጺ ብኸመይ’ዩ ዝቝጸር?
ከም ልሙድ ኣብ መዓልቲ መረጻ ዝወሃብ ድምጺ መጀመርታ ይቝጸር፤ ስዒቡ ድማ ብፖስታ ዝወሃብ ድምጺ፡ እቶም ብድሆ ዘጋጠሞም፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ወተሃደራዊ መዓስከርን ዝወሃብ ድምጺ ይቑጸሩ።
ሓለፍቲ ከባቢያዊ መረጻ - ሓሓሊፉ ዝተሸሙ፡ ሓሓሊፉ ድማ ዝተመርጹ- ውልቃዊ ድምጽታት ይቖጽሩ፡ እቲ መስርሕ የረጋግጹ።
ምርግጋጽ ዝወሃብ ድምጺ፡ ብዝሒ ንጡፋት መረጽቲ ምስ ድምጺ ዝሃቡ ምውድዳር ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ድምጺ ምሃብ ዝተቐደደ ወይ ካልእ ጕድኣት/ ምብልሻው ዝበጽሖ ወረቐት ምእላይ፡ ምግምጋም፡ ከምኡ’ውን ምስናድን ምጽራይን’ዩ።
ድምጺ ምቝጻር ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ድምጺ ናብ ውጽኢት ኣብ ሰሌዳ ዝቐምጡ ኤሌክትሮኒያዊ ስካነራት ምምጋብ የጠቓልል።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ብኢድ ምቝጻር ወይ ዝተደረበ ነገር ከይህሉ ምፍታሽ የድሊ’ዩ።
ነፍሲ ወከፍ ግዝኣትን ከባቢን ኣብዚ መን ክሳተፍ ከም ዝኽእል፡ ድምጺ ብኸመይ ከም ዝስራሕን ኣየኖት ክፋላት ንህዝቢ ክፉታት ምዃኖምን ዝገልጽ ጽኑዕ ሕጋጋት ኣለወን።
እቲ ውጽኢት መረጻ ብምንታይ ክደናጐ ይኽእል?
ኣዝዩ ጸቢብ ፍልልይ፡ ማዕከናት ዜና ትንበያታት ቅድሚ ምቕራበን ንውሕ ንዝበለ ግዜ ክጽበያ ከገድደን ይኽእል።
እዚ ኵነታት ዳግማይ ምቝጻር ድምጺ’ውን ከስዕብ ይኽእል።
ንኣብነት ኣብ ኦንሲልቫንያ፡ ኣብ መንጐ’ቲ ንሰዓርን ተሳዕርን ዝወሃብ ድምጺ ናይ ፍርቂ ሚእታዊት ፍልልይ እንተሃልዩ፡ ኣውቶማቲክ ዳግመ-ቈጸራ ኣብ ግብሪ ይውዕል።
ኣብ 2020 እቲ ፍልልይ ልዕሊ 1.1 ሚእታዊት’ዩ ነይሩ።
ድሮ ኣብ መላእ እታ ሃገር፡ ቅድሚ መረጻ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ክስታት ተኸፊቶም ኣለዉ።
እዚ ሪፐብሊካን ዘቕረቡዎ ብድሆታት ንምምራጽ ዝበቕዑን ምሕደራ ዝርዝር መረጽትን ዝሓወሰ ክስታት ኰይኑ፡ ኣብዞም ጉዳያት ዝካየድ ዘሎ ውሳነታት ቤት ፍርዲ መዓልታዊ ነቲ ዝወሃብ ድምጺ ክጸልዎ ይርኣይ ኣሎ።
ካልኦት ምድንጓያት ከስዕቡ ዝኽእሉ ተርእዮታት ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ነቝጣታት መረጻ፡ ምስ መረጻ ዝተኣሳሰር ዓመጽ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምቝጻር ድምጺ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ማሕለኻታት ምጥቃስ ይክኣል።
ኣብ 2020 ኣብ ጆርጅያ ኣብ ሓደ ነቑጣ መረጻ ሻምብቆ ማይ ፈንዲኡ ከም ዝነበረ ይዝከር።
እቲ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ ብድሆታት ምስ ዝገጥሞ እንታይ ይኸውን?
ነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ድምጺ ኣብ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ምስ ተኻተተ፡ ከምኡ’ውን ከም ዳግመ-ቆጸራ ዝኣመሰሉ መስርሓት ምስ ተዛዘሙ፡ ውጽኢት መረጻ ይረጋገጽ።
መራሒ ግዝኣት [ኣመሓዳሪ]፡ ኣብ ኮለጅ መረጻ ንክፍለ ግዝኣቶም ዝውክሉ መረጽቲ የረጋግጽ።
እዚኦም 17 ታሕሳስ ኣብ በብግዝኣቶም ተኣኪቦም ዝረኸቡዎ ድምጺ ብምቑጻር ናብ ዋሽንግተን ይሰዱ።
6 ጥሪ ሓድሽ ኮንግረስ ተኣኪቡ ድምጺ ምርጫ ይቖጽር፤ እዚ ሕጂ ብዘላ ምኽትል ፕረዚደንት ይምራሕ።
ድሕሪ መረጻ 2020 ትራምፕ ስዕቱት ንምቕባል ብምእባዩ፡ ኮንግረስ ዓወት ባይደን ንምርግጋጽ ኣብ ዝእከበሉ ዝነበረ እዋን፡ ደገፍቱ ኣብ ካፒቶል ዓመጽ ከም ዘልዓሉ ይዝከር።
ምኽትሉ ዝነበረ ማይክ ፔንስ’ውን ነቲ ውጽኢት ክነጽጐ እንተሓተቶ፡ ፔንስ ግን ከም ዘይተቐበሎ ይዝከር።
እቲ ናዕቢ ምስ ተተረጋግአን ኣባላት ኮንግረስ ዳግማይ ምስ ተኣከቡን’ውን እንተዀነ 147 ሪፓብሊካን ንስዕረት ትራምፕ ንምግልባጥ ድምጺ ሂቦም ነይሮም።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዝተገብረ ጽገናታት መረጻ፡ ኣባላት ባይቶ ካብ ውልቀ ግዝኣታት ንዝለኣኸሎም ዝተረጋገጸ ውጽኢት ንምቅዋም ኣጸጋሚ ከም ዝገበሮን፡ ምክትል ፕረዚደንት ብሓደ ወገን ድምጺ መረጻ ናይ ምንጻግ ስልጣን ከም ዘይብሉን ኣነጺሮም።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ሓያሎ ጕጅለታት ኣብ ውጽኢት መረጻ ጥርጣረ ክህሉ ይገብሩ ብምህላዎም፡ ተዓዘብቲ መረጻ ብደረጃ ከባብያውን ክልላትን ከባቢታት ንመረጋገጺ ድምጺ 2024 ንምድንጓይ ዝግበር ጻዕርታት ክህሉ ከም ዝኽእል ብሰፊሑ ይግምቱ፡
ትራምፕን ምኽትሉ ኰይኑ ዝወዳደር ጄዲ ቫንስን ኣብ ካፒቶል ሂል ዝርከቡ ላዕለዎት መራሕቲ ሪፓብሊካንን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ኣብቲ መረጻ እንተተሳዒሮም እቲ ውጽኢት ክቕበልዎ ድዮም ዝብል መረጋገጺ ክህቡ ኣይክኣሉን።
ፕረዚደንታዊ ቃለ መሓላ መዓዝ ይፍጸም?
ፕረዚደንት ኰይኑ/ና ዝተመርጸ/ት ሰኑይ 20 ጥሪ 2025 ኣብ ቀጽሪ ካፒቶል ቃለ መሓላ ይፍጽም።
እዚ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ መበል 60 ስነ ስርዓት ክኸውን እዩ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ቅዋም እታ ሃገር ንምኽባር ቃል ብምእታው ቃለ መሓላ ክፍጽምን ናይ መጀመርታ መደረ ክገብር እዩ።