ቢንያም ግርማይ ሳልሳይ ብምውጻእ ሓድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊቡ

ቢንያም ግርማይ፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሻውዓይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ንጃስፐር ፍሊፕሰንን ንማርክ ካቫንድሽን ተኸቲሉ ሳልሳይ ብምውጻእ ታሪኻዊ ዓወት ተባሂሉ ክግለጽ ዝከኣል ውጽኢት ኣመዝጊቡ።

ቢንያም: ኣብዚ ናይ ሎሚ ቅጽበታዊ ውድድር ኣብ ሮታ ናይ ፍሊፕስን ስለዝተዓገተ ከም መርኣያ ዘይዕግበቱ ኢዱ እናነጸገ’ዩ መስመር ሕንጻጽ ሰጊሩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ዲ ፍራንስ ንመጀመርታኡ ዝሳተፍ ዘሎ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ ዝዀነ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኣመዝጊብዎ ዘይፈልጥ ደረጃ’ዩ ኣመዝጊቡ።

ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ 2015 ከምኡ ከኣ 2016 ዝተሳተፈ ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2015 ኣብ መበል 16 መድረኽ፤ ኣብ 2016 ከኣ ኣብ መበል 12 መድረኽ ሻውዓይ ወጺኡ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ እዚ ቢንያም ግርማይ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ውጽኢት ዝበለጸ ውጽኢት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣብቲ ቱር ኰይኑ ተሰኒዱ ኣሎ።

ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ 2015 ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን፡ ኣብ 2016 ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ናትናኤል ብርሃነን፡ ኣብ 2019 ከኣ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ከምዝተሳተፉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዳንኤል ክሳብ ብክሪስ ፍሩም ዝምንጠል ንማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ን4 ተኸታተልቲ መዓልታት ክለብሳ ክኢሉ ነይሩ።

ቢንያም፡ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ሓያለ ቅድሚ ሕጂ ተበጺሖም ዘይፈልጡ ዓወታት ብሽሙ ከመዝግብ ዝኽኣለ ተቐዳዳማይ ክኸውን በቒዑ'ሎ።

ኣብ 2022 ኣብ ክላሲክ ውድድር ገንት ወቨልገን ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ዝዀነ እዩ።

ዕዘይካ'ዚ፡ ብኣዳለውቲ ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ንተኸታተልቲ ሰለስተ ዓመታት ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ዝተሰመየ እንኮ ኣፍሪቃዊ ምዃኑ'ውን ይፍለጥ። እዝን ካልእን ክብርታት ዝሓዘ ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኸኣ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ካልእ ክብሪ ደሪዑ ኣሎ።

ቢንያም፤ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሻውዓይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ ሞንጎ ዝነበረት ነጥቢ ተውህብ ሕንጻጽ’ውን ካልኣይ ብምውጻእ ንደገፍቱ ኣለኹ ኢሉ’ዩ።

ኣብታ ሕንጻጽ ናይዛ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ሃዲሙ ዝውዓለ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣርክያ ሳምሲክ ጉሊለም ሳይሞን ቀዳማይ ብምውጻእ፡ 20 ነጥቢ ክወስድ እንከሎ፡ ቢንያም ኣብ ዓባይ ጕጅለ ዝነበሩ ኵሎም ቮላቺስታታት - ክኢላታት ቅጽበታዊ ውድድር - ብምስዓር 17 ነጥቢ ሓፊሱ።

ኣብዚ ሎሚ ዝተኻየደ ካብ ማውንተው ዲ ማርሳና ናብ ቦርዶክስ 169.9 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ጐላጕል ዝዓብለሎ ሻውዓይ መድረኽ፡ ውድድሩ ብ3 ሰዓት 46 ደቒቕን 28 ካልኢትን ዛዚሙ 50 ነጥቢ ክወስድ ክኢሉ'ሎ።

ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣልፐችኒ ጃስፐር ፍሊፕሰን ካብ ሻውዓተ መድረኻት ኣብ ሰለስተ ቀዳማይ ብምውጻእ ድሙቕ ዓወት ሒዙ ይግስግስ ኣሎ።

ጃስፐር፡ ኣብ ቀጠልያ ማልያ 215 ነጥቢ ኣዋህሊሉ ዓቂብዋ ኣሎ፤ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኮፊደስ ብርያን ብ127 ነጥቢ ካልኣይ ክኸውን እንከሎ፡ ቢንያም ኣብ ውድድር ንቀጠልያ ማልያ ደረጃኡ ብሽዱሽተ ክብ ኣቢሉ ብ74 ነጥቢ ናብ ታሽዓይ ደይቡ ኣሎ።

ብጫ ማልያ ኣብ ዝባን እቲ ትማሊ ዝተረከባ ተቐዳዳማይ ክለብ ካምቦ ቪዝማ ጆናስ ቪንገጋርድ ኣላ፤ ታደይ ፖጋቻር 25 ካልኢት ካብኡ ተፈንቲቱ ካልኣይ ኰይኑ ይስዕቦ።

ቢንያም ግርማይ ኣብዚ ናይ ሎሚ ቅጽበታዊ ውድድር ኣብ ሮታ ናይ ፍሊፕስን ስለዝተዓገተ ከም መርኣያ ዘይዕግበቱ ኢዱ እናነጸገ’ዩ ሰጊሩ።

ኣብ ራብዓይ መድረኽ'ውን ኣብ ናይ መወዳእታ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር በቲ ንፍሊፕሰን መሪሑ ዝወጽእ ዝነበረ ቫንደርፑል ተጎኒጹ ናህሩ ስለዝነከየ፡ ድሕሪ ጸወታ ዳንነት እቲ ውድድር ንቫንደርፑል ብነጥቢ፡ ብገንዘብን ብደረጃን ብምቕጻዕ ቢንያም ደረጃኡ ካብ 21 ናብ 19 ክብ ከምዝብል ገይሮም'ዮም።

ጽባሕ ዝካየድ ሻሙናይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ንከም በዓል ቢንያም ግርማይ ዝኣመሰሉ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ተቐዳደምቲ 'ተርብሕ መድረኽ ኰይና፡ ካብ ሎቢርን ናብ ሊሞገስ ዝዝርጋሕ 200.7 ኪሎሜተር ክትሽፍን’ያ።

ካብተን 21 መድረኻት ሳልሰይቲ፡ ራብዓይቲ፡ ሻውዓይቲ፡ ሻሙናይቲ፡ ዓስረይቲ፡ መበል ዓሰርተ ሓደ፡ ዓሰርተ ክልተ፡ ዓሰርተ ሸሞንተ፡ ዓሰርተ ትሽዓት ከምኡ ከኣ ኣብ መወዳእታ ትካየድ መበል 21 መድረኽን ኣብ ጎልጎልን ሓውሲ ጎልጎልን ዝዛዘማ መድረኻት ኰይነን፡ ቢንያም ክዕወተለን፡ ብሞያውያን ልዑል ግምት ተዋሂብወን ዝጸንሓ እየን።

ብፍላይ ሳልሰይቲ፡ ራብዓይቲ፡ ሻውዓይቲ፡ መበል 11፡ መበል 19 ከምኡ ከኣ መዛዘሚት መድረኽ እተን ንቢንያም ዝያዳ ዝመችኣ መድረኻት ምዃነን’የን ዝግለጻ።