ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ልዑል ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ዘሎ ተቐዳዳማይ

ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ሓያለ ቅድሚ ሕጂ ተበጺሖም ዘይፈልጡ ዓወታት ብሽሙ ከመዝግብ ዝኽኣለ ተቐዳዳማይ ክኸውን በቒዑ'ሎ፤ ወዲ 23 ዓመት ቢንያም ግርማይ።

  • ኣብ ግራንድ ቱር [ጂሮ ዲ ኢታሊ ]ንመጀመርታ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ተቐዳደማይ
  • ኣብ 2022 ኣብ ክላሲክ ውድድር ገንት ወቨልገን ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ናይ መጀመርታ ተዓዋቲ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ
  • ብኣዳለውቲ ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ንተኸታተልቲ ሰለስተ ዓመታት ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ዝተሰመየ እንኮ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ።

እዝን ካልእን ክብሪታትን ብምስባር’ዩ ቢንያም ግርማይ ናብቲ ካብ 1 ክሳብ 23 ሓምለ ንመበል 110 ዓመቱ ዝካየድ ቱር ዲ ፍራንስ 2023፡ ንጋንትኡ ቤልጁማዊት ክለብ ኢንተርማርች መሪሑ ንመጀመርታኡ ኣብቲ ውድድር ክሳተፍ።

ቢንያም፡ኣብቲ 23 ከምኡ ከኣ 25 ሰነ ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኤርትራ ዘይተሳተፈሉ ምኽንያት ድማ ነዚ ውድድር ኣብ ጽዑቕ ልምምድ ስለ ዝርከብ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

እዚ ኸኣ ንቱር ዲ ፍራንስ ክሳብ ክንደይ ብዕቱብ ሒዙ ይዳለወሉ ከም ዘሎ ዘርኢ’ዩ።

ቢንያም፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ‘ቮላቺስታታት’ ምስቶም ኣዝዮም ተፈራሕቲ’ዩ ተመዲቡ ዘሎ።

ኣብዚ ቀዳም ዝጅምር ቱር ዲ ፍራንስ ከኣ፡ ካብተን 21 መድረኻት ሳልሰይቲ፡ ራብዓይቲ፡ ሻውዓይቲ፡ ሻሙናይቲ፡ ዓስረይቲ፡ መበል ዓሰርተ ሓደ፡ ዓሰርተ ክልተ፡ ዓሰርተ ሸሞንተ፡ ዓሰርተ ትሽዓት ከምኡ ከኣ ኣብ መወዳእታ ትካየድ መበል 21 መድረኽን ኣብ ጎልጎልን ሓውሲ ጎልጎልን ዝዛዘማ መድረኻት ኰይነን፡ ቢንያም ክዕወተለን ልዑል ግምት ተዋዊብወን ዘሎ እየን።

ብፍላይ ሳልሰይቲ፡ ራብዓይቲ፡ ሻውዓይቲ፡ መበል 11፡ መበል 19 ከምኡ ከኣ መዛዘሚት መድረኽ እተን ንቢንያም ዝያዳ ዝመችኣ መድረኻት ምዃነን’የን ዝግለጻ።

ቢንያም፡ ንቱር ዲ ፍራንስ ዝገብሮ ዘሎ ምድላዋት ኣመልኪቱ ምስ ኢሮ ስፖርት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ “ሓቂ ክዛረብ እንዀይነ፡ ንእሽተይ እንከለኹ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ክወዳደር’የ ዝብል ሕልሚ ኣይነበረንን፤ ምኽንያቱ እቲ ውድድር ንኣውሮጳውያንን ንጸዓዱን ጥራይ ዝተሓዝአ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ።

"ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን [ኣብ 2015] ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝተወዳደሩ ቀዳሞት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ምስ ኮኑ ግን ኣነ’ውን ክበጽሖ ኣለኒ ዝብል ሓሳብ ሓዲሩኒ” ይብል።

ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ’ዮም ክወዳደሩ ክኢሎም።

ዳንኤል ተኽለሃይማኖት 2015ን 2016ን፡ መርሃዊ ቅዱስ 2015፡ ናትናኤል ብርሃነ ከኣ ኣብ 2016 ከምኡ ከኣ ኣብ 2019።

ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ኣብዚ ቱር፡ ኣብ ክልተ መድረኻት ሻውዓይ ኮይኑ ዝኣተዎ እቲ ዝበለጸ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ቱር ዲ ፍራንስ ዘመዝገብዎ ውጽኢት’ዩ።

በዚ ኸኣ ዳንኤል ኣብ ታሪኽ እቲ ውድድር ናይ ክብሪ ማልያ ክለብስ ዝኸኣለ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ’ዩ።

ዳንኤል ኣብ 2015 ማልያ ኣንበሳ ዓቐብ ተኸዲኑ ኣብ መጀመርታ 3 መድረኻት ክጻወት ክኢሉ’ዩ።

መርሃዊ ቅዱስ’ውን ኣብ 2015 ምስ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ብምዃን እቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝተቐዳደመ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ክኸውን ክኢሉ’ዩ።

ክልተ ግዜ ቻምፕዮን ኤርትራ ዝዀነ መርሃዊ ቅዱስ እቲ ዝበዝሐ [ትሽዓት ግዜ] ኣብ ግራንድ ቱራት ዝተወዳደረ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ’ውን እዩ።

ኣብ ዙር ፈረንሳ ሓንሳብ፡ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ክልተ ግዜ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ከኣ ሽዱሽተ ግዜ።

ኣብ 2016 ምስ ዳይመንሽን ዳታ ከምኡ ከኣ ኣብ 2019 ምስ ጋንታ ኮፊደስ ኰይኑ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝተወዳደረ ናትናኤል ብርሃነ’ውን ኣብዚ ውድድር ናቱ ታሪኽ ዝሰነደ ኤርትራዊ ተቐዳደማይ’ዩ።

ናትናኤል፡ ኣብ 2019 ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ ሓደ መድረኽ ብዘርኣዮ ድንቂ ብቕዓት ናይቲ መድረኽ ዝበለጸ ምፍኽኻር ዘርኣየ ተቐዳዳማይ ተባሂሉ ክሽለም ክኢሉ’ዩ።

ናትናኤል፡ ኣብ ዙር ፈረንሳ ክልት ግዜ ኣብ ጂሮ ኢታሊ ሰለስተ ግዜ፡ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ከኣ ሰለስተ ግዜ ብምውድዳር ንመርሃዊ ተኸቲሉ ኣብ ግራንድ ቱራት ብብዝሒ ዝተሳተፈ ካልኣይ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ’ዩ።

ቢንያም ከኣ ነዚ ሰንሰለት እዚ ንምቕጻልን ካብኡ ዝበልጽ ውጽኢት ከመዝግብ ምዃኑን’ዩ ብኣጋኡ ግምት ተዋሂብዎ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ስሒቡ ዝርከብ።

ቢንያም ምስ ኢሮ ስፖርት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት “ንዝሓለፈ ታሪኽ ምልስ ኢልና እንተርኢናዮ፡ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ዝዕወቱ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣይነበሩን፤ ንሳተፍ ጥራይ ኢና ነይርና። ሕጂ ግን ኣብ ክላሲክን ኣብ ዎርልድ ቱርን ዓወታት ይምዝገብ ኣሎ፤ እዚ ከኣ ኣዝዩ’ዩ ዘሐብነኒ፡ ካልእ ታሪኽ ንኽሰርሕ’ውን ኣዝዩ’ዩ ዘተባብዓኒ” ኢሉ።

“ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዙሓት ንኣሽቱ ተቐዳደምቲ ኣለዉ። ካብ ማእከሎም ዝመጽአ ኣብ ዓቢ ውድድራት ዓወት ከመዝግብ ክርእዩ እንከለዉ ክበጽሕዎ ከምዝኽእሉ ዘበራትዕ’ዩ፡ ልክዕ ከምቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ንዓይ ኣብነት ዝዀነኒ፡ ኣነ ኸኣ ንኻልኦት ንኣሽቱ ኣፍሪቃውያን ኣብነት ክኸውን ተስፋ እገብር” ኢሉ።

ኣብዚ ንመበል 110 ግዜ ዝካየድ ቱር ዲ ፍራንስ፡ 22 ጋንታታት ነፍሲ ወከፈን ሸሸሞንተ ተቐዳደምቲ ሒዘን [ብድምር 176 ተቐዳደምቲ] ክወዳደራ’የን።

ካብዚኦም ክልተ ጥራይ’ዮም ኣፍሪቃውያን፤ ቢንያም ግርማይን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ መንትጀስን።

ቢንያም ከኣ እቲ እንኮ ጸሊም ኣፍሪቃዊ።

ተቐዳደምቲ ኣብ መንጐ ንኽልተ መዓልታት ጥራይ ብምዕራፍ፡ ካብ 1 ክሳብ 23 ሓምለ ን21 መድኻት ብምሽፋን 3404 ኪሎ ሜትሮ ክዝውሩ’ዮም።

ቢንያም ነታ ብነጥቢ ትወሃብ ማልያ ክዕወተላ ከም ዝኽእል’ዩ ግምታት ዝወሃብ ዘሎ።

ምስኡ ከኣ ማርክ ካቫንድሽ፡ ማትዮ ቫን ደር ፑል፡ ካሌብ ኢዋን፡ ዎንት ቫን ኣርት፡ ማድስ ፔደርሰን፡ ክሪስቶፍ ላፖርተን ክዕወቱ ግምታት ተዋሂብዎም ኣሎ።

ቢንያም ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘይድፈር ዝመስል ዝነበረ ዓወታት ዝተጐናጸፈ፡ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ሓድሽ ታሪኽዶ የመዝግብ ይኸውን ኣብ ዝብል እቶም ዕሉላት ኣፍቀርቲ ብሽክልታ ዝዀኑ ኤርትራውያን፡ እቶም ብቢንያም ጥራይ ተወኪሎም ዘለዉ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያውን ብዓቢኡ ከኣ ኵሎም ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽክለታ ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ዘለዉ’ዩ።