ብኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝተኣሰሩ ኣባላት ባይቶ ደሃዮም ኣይፍለጥን - ጠበቓታት

ምንጪ ስእሊ, HOPR/FB
ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወልዐ ጎንፂ ብዝተሓሓዝ ንዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ስዒቡ ዝተኣሰሩ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተታሒዞምሉ ኣብ ዝነበረ ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ከም ዘየለውን ዘለውሉ ቦታ ክፈልጡ ከም ዘይክኣሉን ጠበቓታቶም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ኣካቢ ቀዋሚ ጉዳያት ምምሕዳርን ቁጽጽርን እቲ ባይቶን ኣቶ ክርስቲያን ታደለ ከምኡ’ውን ኣባል ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ካሳ ተሻገር ሎሚ ሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርቡ ንቤተሰቦም ተሓቢርዎም ከም ዝነበረ ግን ድማ ከይቀረቡ ምትራፎም ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ክሳብ ሕጂ ስድርኦም ኰነ እቶም ጠበቓታት፡ እቶም እሱራት ዘለውሉ ቦታ ከም ዘይፈልጡ ጠበቓ ሄኖክ ኣክሊሉ ተዛሪቡ።
“ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርቡ ካብ ቤተሰቦም ሰሚዕና ነይርና፤ ኣይቀረቡን። ድሓር ግን ብዝገበርናዮ ምጽራይ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ከም ዘየለውን ንግዚኡ ክረጋግጾ ናብ ዘይከኣልኩ ካልእ ቦታ ከም ዝተወሰዱን ፈሊጥና” ኢሉ።
እቶም ኣባላት ስድራታት ነቶም እሱራት ክኸውን ኢሎም ዘምጽኡሎም ነገራት ናብ ገዝኦም ክመልስዎ ምስ ተነግሮምን “ብሓዘን ስምዒቶም ተሰይሩን” እዩ ክብል ኣረዲኡ።
ገለ ስድራቤታት ኣብ ልዕሊ እቶም ውልቀሰባት ስጉምቲ ክውሰድ’ዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም ዝዛረብ ጠበቓ ሄኖክ፡ “ወጋሕታ 11፡00 (ኣቆጻጽራ እታ ሃገር) እዮም ወጺኦም፤ ‘ናብ ኣዋሽ ተወሲዶም’ ካብ ዝብል ዘይተተረጋገጸ ሓበሬታ ወጻእ ድሃዮም ኣይንፈልጥን” ይብል።
ብኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተጠርጢሮም ኣብ ማእሰርቲ ካብ ሞንጐ ዝነበሩ ካልኦት ውልቀሰባት ሎሚ 15 ነሓሰ 2015 ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ከም ዝነበሩ ዝገልጽ ጠበቓ ሄኖክ፡ ፖሊስ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርቡ ነጊሩዎም ከም ዝነበረ እዩ ዝዛረብ።
ኣቶ ክርስቲያን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጥረ ጸገም ጸጥታ ስዒቡ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ካብ ዝድንግግ ንድሓር፡ ብ28 ሓምለ 2015 ምሸት 3፡30 ካብ መንበሪ ገዝኡ ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተወስደ ኣባላት ስድራቤቱ ምግላጾም ይዝከር።
ኣባል ባይቶ ኣዲስ ኣበባ ዝዀነ ዶክተር ካሳ’ውን፡ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ ዝተደንገገሉ ዕለት ፍርቂ ለይቲ “ፖሊስ ኢና ዝበሉ ሰባት ለይቲ ናብ ገዛይ መጺኦም ‘ክፈት’ ይብሉኒ ኣለው” ዝብል መልእኽቲ ኣብ ፌስቡክ ድሕሪ ምጽሓፉ ከም ዝተኣሰረ እዩ ዝግለጽ።
ቢቢሲ ካብ ፖሊስ ፌደራል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ክልቲኦም ኣባላት ባይቶታት ወከልቲ ህዝቢ “ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ከይተልዓለ” ከሎ ከም ዝተኣሰሩ ዝሓበረ ጠበቕኦም ሄኖክ፡ ሕዚ ድማ ሓበሬታ ከይሃብካ ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ምውሳድ ግቡእ ከም ዘይኰነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቦርድ መርመራ ኣፈጻጽማ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ፡ ብዓርቢ ናብቶም ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጥርጡራት በጺሑ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰሎም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘሎ እኳ እንተገለጸ፡ ብዙሓት እሱራት ሃለዋቶም ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተፈልጠን፡ ምስ ስድርኦምን ጠበቓታቶምን ክራኸቡ ከም ዘይከኣሉን ይግለጽ ኣሎ።
ብመሰረት ጠበቓ ሄኖክ፡ ኣብ እዋን ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ እቲ ፈጻሚ ኣካል ነቶም ጥርጡራት ናብ ቤት ፍርዲ ናይ ምቕራብ ግዴታ የብሉን።
ይኹን እምበር ኣብ ቤት ፍርዲ ይቕረቡ ኣይቕረቡ ብዘየገድስ ክሳብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ብጠበቓን ስድርኦምን ክብጽሑ መሰል ኣለዎም ይብል።
"እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ምስ ጠበቓታቶም ከይራኸቡ ተኸልኪሎም'ዮም። ስድርኦም ይኹን ጠበቓታቶም ደሃዮምን ኩነታቶምን ኣይንፈልጥን ኢና። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝርከቡ ሰባት ብዘይ ኣፍልጦ ናብ ካልእ ቦታ ምስግጋር ዘይሕጋዊ'ዩ" ኢሉ።
ናይ ዘይምኽሳስ መሰል እቶም ኣባለት ባይቶ እንከይተልዓለ ምእሳሮም ሕጋዊ ኣይኰነን ብምባል ክሲ መስሪቶም ከም ዘለው ዝዛረብ ጠበቓ ሄኖክ ደሃይ እቶም እሱራት ንምፍላጥ ነቲ ቦርድ ከም ዝሓቱ ሓቢሩ።
መርማሪ እዚ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጥረ “ጐንጺ ንምግዳድ ልኡኽ ከተማ ብምውሳድ ፋይናንሳውን ሎጀስቲካውን ድጋፍ ብምግባር ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ይፍጽሙ ነይሮም” ዝበሎም 23 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዝውዓሉ ገሊጹ።
ካብዚኦም ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ክርስቲያን ታደለን ኣባል ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ካሳ ተሻገርን ይርከብዎም።
ይኹን እምበር፡ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስድራቤታትን፡ ሓይልታት ጸጥታ ጃምላዊ ማእሰርቲ ይፍጽሙ ከም ዘለውን ቁጽሪ ናይቶም ዝተኣስሩ ሰባት ድማ ካብቲ ዝተገልጸ ንላዕሊ ምዃኑን ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







