እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ኣውስትራልያ ከይዳ ዝተሸርበት ስዑዳዊት ኣበይ ኣተወት?
ሎሊታ ዝብል ስም ጥራይ’ያ ትጥቀም፤ ብ2022 ናብ ኣውስትራልያ ከይዳ።
ሽዑ፡ ካብ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ኰይና ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተመርዓወቶ ሰብኣይ’ያ ትሃድም ነይራ።
ብተደጋጋሚ ኣብ ሆስፒታል ክትኣቱ ካብ ዝገብራ ዝነበረ ቀጻሊ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝሃደመት ንገለ መመሳጥርታ ተዛሪባ ነይራ።
ናብ ኣውስትራልያ ካብ እትኣቱ ሓደ ዓመት ድሕሪ ዘይመልእ ግዜ ግን ጠፊኣ።
ሓደ መሓዛኣ፡ ጸላም መኪና ዝሓዙ ስዑዳውያን ደቂ ተባዕትዮ ካብ ገዛኣ ክወስዱዋ ከም ዝርኣየ ይዛረብ።
እዛ ኣብ 30ታት ዕድመ እትርከብ ጓል ኣንስተይቲ፡ ናይ መጀመርታ ስማ ጥራይ እያ ትጥቀም።
ኣብ ግንቦት 2023፡ ካብ መልበርን ናብ ኩላላምፑር ኣብ ጕዕዞ ነይራ።
ጠበቓኣ፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ተመሊሳ ከም ዝተኣሰረት ትኣምን።
ይዅን’ምበር፡ ሎሊታ ብትኽክል ዘላትሉ ቦታን ድሕነታን -ብህይወት ኣላ ድያ የላን- ኣይፍለጥን።
"እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ዝገብሮ፡ ምስ ገለ ካልኦት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ስዑዳውያን ዝጠፍኣ... ወይ ሞይተን ዝተራእያ ክነጻጸር እንከሎ፡ ምስክር ምህላው’ዩ” ትብል ጠበቓ ኣሊሰን ባቲሰን።
ኣብ ካንቤራ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ርእይቶ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኰነን።
ይዅን’ምበር፡ ፈደራላዊ ፖሊስ ኣውስትራልያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰነ ተፈጺሙ ዝበሃል ጭውያ “ሓበሬታ” ከም ዝረኸበን፡ “ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ህጹጽ መርመራታት ክገብር ከም ዝጀመረን” ገሊጹ።
ተጣበቕቲ ጉዳይ ሎሊታ ኣካል ናይቲ ኣብ ኣውስትራልያ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዝንባለ ምዃኑ ይሰግኡ፤ እዚ ድማ ሰራሕተኛታት ጸጥታ ካልኦት ሃገራት ንወጻእተኛታት ብዘይ ፍቓድ ይከታተልዎም፡ የሰራጥዩዎምን መጥቃዕቲ የብጽሑሎምን ምህላዎም’ዩ።
መንግስቲ እታ ሃገር፡ ኵሉ መልክዓት ክግለጽ ዝኽእል ምትእትታው ወጻእተኛታት “ዝዓበየ” ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ምዃኑ ብምግላጽ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ’ዩ።
ኣሊሰን ባቲሰንን ካልኦት ተጣበቕቲ መሰላትን ግን ካብ ዓመጽ ትሃድም ከም ዘላ ንሰበስልጣን ኢሚግሬሽን ዝነገረት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብኸመይ ካብ ገዛኣ ክትውሰድ ትኽእል ኢሎም ይሓቱ።
ተራእያ - ጠፊኣ
ሎሊታ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ግንቦት 2022 ናብ መልበርን ከም ዝኣተወት ሰነዳት በረራታት ይሕብሩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ንብሕታ ምዃን እትመርጽ እኳ እንተነበረት፡ ምስ ሓደ ሰነድ ዘይብሉ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብር ዝነበረ ሱዳናዊ ምሕዝነት ጀሚራ ነይራ።
ኣብዚ ዛንታ ዓሊ ብዝብል ኢና ክንጽውዖ፤ ንሎሊታ ምስ ጠበቓ ኣሊሰን ባቲሰን ኣራኺቡ፣ እታ ጠበቃ ንዕኡ’ውን ዕቝባ ንኽረክብ ትሕግዞ ዘላ እያ።
ምስ ሎሊታ ብተደጋጋሚ ትዛራረብ ዝነበረት ኣሊሰን፡ ህይወታ ንምድሓን ቈራጽነት ዝነበራን “ልእምቲ”ን ነይራ ብምባል ትገልጻ።
ይዅን’ምበር፡ ካብ ሎሊታ “ዘይልሙድ” ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ምስ በጽሓ፡ ካብ ግንቦት እቲ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ዝነበረን ርክብ ተቛሪጹ።
ኣሊሰን፡ እቲ መልእኽቲ 'ኵነታት ቪዛይ ከመይ ኣሎ?’ ዝብል ከም ዝነበረ ትዛረብ።
ሎሊታ፡ ኣብ ሃገሮም ስግኣት ንዘለዎም ሰባት ዝወሃብ ‘ናይ መከላኸሊ ቪዛ’ ዝበሃል እያ ሓቲታ ነይራ፤ እዚ ሕቶኣ ተነጺጕ ስለ ዝነበረ ድማ እታ ጠበቓ ነቲ ውሳነ ይግባይ ሓቲታ ትካትዓላ ነይራ።
"ሕጂ እቲ መልእኽቲ ካብቶም ንሎሊታ ዝወሰዱ ሰባት ከም ዝመጽአ እየ ዝኣምን” ትብል።
በዚ ኣቢሎም፡ ሎሊታ ቀዋሚ ቪዛ እንተሃልይዋ ንምፍላጥ ይጽዕሩ ነይሮም ኢላ ትግምት። እዚ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ተመሊሳ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ቆንስል ኣውስትራልያ ሓገዝ ክትሓትት መሰል ክህባ ዝኽእል እዩ ነይሩ።
ድሕሪኡ ግን፡ ደሃይ ሎሊታ ክትረክብ ኣይክኣለትን፤ ዓሊ’ውን ክትረኽቦ ኣይክኣለትን።
ኣብ መወዳእታ ዓሊ ተመሊሱ ደሃይ ምስ ገበረ፡ ሎሊታ ከም ዝተወስደትን እዚ ድማ ንገዛእ ስድራኡ ክሰግእ ስለ ዝገበሮ ከም ዝተሓብአ ሓቢሩዋ።
ምስ ሎሊታ ዝነበሮ ናይ መወዳእታ ዕላል ኣውጊዑዋ፤ ሽዑ ካብዞም ናብ ስዑዲ ዓረብ ክወስድዋ ዝሓሰቡ ጕጅለ ደቂ ተባዕትዮ ሓለዋ ክትረክብ ትምሕጸኖ ነይራ።
ስእሊ ናይቶም ተገዲዳ ዝዓሸገቶም ሳናጡ’ውን ልኢኻትሉ።
ዓሊ ተጻዲፉ ናብ መንበሪ ገዛ ኣሊሰን ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ሓደ ውልቀሰብ ብቋንቋ ዓረብ ኣፈራሪሑዎ።
ንሱ፡ ካብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ዝተላእኸ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝኣምን።
ምስ ሓደ መሓዛኡ ብምዝርራብ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ክኸይድን ድሃይ ሎሊታ ክገብርን ሓቲቱዎ፤ ንሳ ግን ኣይተራእየትን።
ጠበቓ ኣሊሰን፡ “ከም ዝተወሰደት ንምርግጋጽ ዓመት ወሲዱለይ” ትብል።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምፍላጥ ሰነዳት ከተተኣኻኽብ ዝጸንሐት ኰይና፡ “ስግኣት ከም ዝሓደራ ክትዛረብ እንከላ ዘርእዩ ዝርርባትን መልእኽትን ተሌፎን ኣለና። ብሰንኩ ክኣ ገዛ ትቐያይር ነይራ’ያ” ትብል።
ኣብ ቀረባ ድማ፡ ሓደ ዘመዳ ዝሃቦ ምስክርነት ኣሎ።
“ሎሊታ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወይ መዳጐኒ ማእከል ስዑዲ ዓረብ” ከም ዘላ እዮም ዝፈልጡ ኢላ።
ኣብ 2017 መራሒ ስዑዲ ዓረብ ዝዀነ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ብገለ ሸነኻት ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበረ ገደባት ብምፍዃስ እታ ሃገር ንምዝማን ጻዕሪ ክገብር ተራእዩ እዩ።
እቲ ወሳኒ ነገር ግን፡ ሕጂ’ውን ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክወጽኣ ወዲ ተባዕታይ ኣላዪ ዝጥለብ ምዃኑ እዩ።
ሎሊታ ክትርከብ እንተዀይና ድማ፡ እቲ ሃዲማ ገዲፋቶ ዝኸደት በዓል ቤታ ክህሉ ኣለዎ።
ሎሊታ ናብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝመጸትሉ እዋን፡ እታ ሃገር ሚስጢራዊ ሞት ካልኦት ክልተ ስዑዳውያን ደቂ ኣንስትዮ ንምፍታሕ ጻዕሪ ትገብር ነይራ።
ኣብ ሰነ 2022፡ ዝበስበሰ ሬሳታት ኣስራን ኣማል ኣልሰህሊን ዝተባህላ ክልተ ኣሕዋት ኣብ ምዕራባዊ ሲድኒ ኣብ ዝነብራሉ ዝነበራ ገዛ ተረኺቡ።
ብኸመይ ከም ዝሞታ ኣይፍለጥን፤ ፖሊስ ግን ነቲ ጉዳይ “ዘጠራጥርን” “ዘይልሙድን" ክብል ገሊጽዎ'ሎ።
ባህሪያት እዚን ኣብ 2017 ካብ ስዑዲ ዓረብ ዕቝባ ንምሕታት ናብ ኣውስትራልያ ዝመጽኣ ኣሕዋት ዝተዓዘቡ ሰባት ግን፡ ብፍርሒ ተሸሚመመን ይነብራ ከም ዝነበራ ይዛረቡ።
ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ዕቝባ ዝሓተታሉ ሃገር ሞይተን ወይ’ውን ብኣስገዳድ ናብ ስዑዲ ተመሊሰን ከም ዝተረኽባ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ሓረግ ቻይና፡ ኢራን፡ ህንዲ፡ ካምቦድያን ሩዋንዳን ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ኣውስትራሊያውያን እውን፡ መንግስታት እተን ሃገራት ኣዋፊሮምዎም ዝተባህሉ ሰባት ይከታተሉዎም፡ የጋፍዑዎም ወይ መጥቃዕቲ ይፍጽምሎም ከም ዝነበሩ ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።
ሓላፊ ስለያ ኣውስትራልያ፡ ሕጂ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር “ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ” ብዙሓት ሰባት “ብሰለያን ምትእትታው ወጻእተኛታትን” ዒላማ ይዀኑ ከም ዘለው ገሊጹ።
“ኣውስትራልያውያን እቲ ስግኣት ሓቂ ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም። ስግኣት ኣሎ’ዩ፤ እዚ ድማ ካብቲ እትግምቶ ንላዕሊ ዝዓሞቐን ዝሰፍሐን እዩ” ክብል ማይክ በርገስ ተዛሪቡ።