ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም

ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ኢትዮጵያን ሜዳልያን ኣብ ሄልሲንኪ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር እዮም ተላልዮም።

ኣብዚ ፈላማይ ሻምፒዮና፡ ኢትዮጵያ ኣትሌት ከበደ ባልቻ ብዘመዝገቦ ዓወት ፈላማይ ሜዳልያ ብምርካብ ንኣፍሪቃ'ውን ፈላማይ ዝዀነ ሜዳልያ ከተምጽእ ክኢላ።

ኣትሌት ከበደ ሜዳልያ ብሩር ብምዕዋት፡ ድሕሪኡ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ መድረኻት ዓለም ንዘመዝግቡዎ ዓወታት ኣሰር ዝዀነት ሽግ ኣብሪሁዋ።

ይኹን’ምበር ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኢትዮጵያ ኣይተሳተፈትን። ኣብዚ በብክልተ ዓመት ዝካየድ ውድድር ብዙሕ ሜዳልያታት ብምእካብ ኣብ ጫፍ ኣመሪካ እትበጽሕ ሃገር የላን።

ጎረቤት ሃገር ኬንያ ድማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ።

ኢትዮጵያ ካብዚ ሻምፒዮና ክሳብ ሕጂ ብዝኣከበቶ ብዝሒ ሜዳልያ ካብ ዓለም ኣብ ሻብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።

ገዲም ጋዜጠኛ ስፖርት ተሾመ ቀዲዳ፡ እቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ኣመሪካ ኦሪገን ከይሓወሰ፡ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ 85 ሜዳልያታት ከም ዝረኸበት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“29 ሜዳልያ ወርቂ፣ 30 ብሩር፣ 26 ድማ ሜዳልያ ነሓስ፤ ብጠቕላላ 85 ሜዳልያ ኣለዋ”።

ካብዚ እቲ 40 ሜዳልያታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውድድራት 1500፣ 3000፣ 5000፣ 10 ሽሕ ሜትሮን ማራቶንን ዝረኸብኦ ሜዳልያ እዩ።

ኣብዚ ሻምፒዮና ኢትዮጵያ፡ ዝተፈለየ ታሪኽ እዩ ዘለዋ ዝብል እቲ ጋዜጠኛ፡ ከበደ ባልቻ ኣብዚ መድረኽ ብማራቶን ንፈለማ እዋን ሜዳልያ ብሪ ዘምጽአ ኣፍሪቃዊ ኣትሌት ምዃኑ ይጠቅስ።

ንፈለማ እዋን ኢትዮጵያ ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ እንከላ ኣትሌት ከበደ ባልቻ ኣብ ማራቶን ካልአይ ብምውጻእ ንኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ፈላማይ ሜዳልያ ኣምጺኡ” ብምባል ይገልጽ።

ንሱ ዝረኸባ ሜዳልያ ብሩር ብምሓዝ ድማ ኢትዮጵያ ኣብቲ ግዜ ካብ ዓለም መበል 15 ኰይና ውድድራ ዛዚማ። ሽዑ፡ ካብ ኢትዮጵያ ወጻእ ኣብ ሰደቓ ሜዳልያ ዝኣተወት ካልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣይነበረትን።

ኣብቲ እዋን፡ ምብራቕ ጀርመን ዝነበረት [ጀርመን ሓንቲ ሃገር ቅድሚ ምዃና] 19 ሜዳልያታት ብምእካብ ቀዳመይቲ ክትኸውን እንከላ፡ እታ ናይ ሕጂ ወነናኒት እቲ ሰደቓ ኣመሪካ ካልአይቲ ነይራ።

ኣብ ጥልያን ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ሻምፒዮና “ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣሰልጢኑ መሪሑ ዝኸይድ ሰብ ስለ ዘይተረኽበ ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር ኣይተሳተፈትን” ይብል ጋዜጠኛ ተሾመ።

ድሕሪኡ፡ ንኢትዮጵያ ፈላማይ ወርቂ ሜዳልያ ዘምጽአ ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሴ’ዩ።

ኣትሌት ፊጣ ባይሳ ድማ ካልአ ነሓስ ብምምጽኡ፡ ኢትዮጵያ ሰለስተ ሜዳልያታት ሒዛ ተመሊሳ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ክሳብ እቲ ኣብ ስዊድናዊት ከተማ ጉተምበርግ ዝተኻየደ ውድድር ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ኰይና እያ ውድድራታ ክትዛዝም ጸኒሓ።

ይኹን’ምበር፡ ኣብ ውድድር ጉተምበርግ፡ ኬንያ ጸብለልታ ኣርእያ። ኣብዚ ውድድር፡ ኬንያ ክልተ ወርቂ ሜዳልያ ሓዊሱ ሽዱሽተ ሜዳልያታት ብምእካብ ሽማ ሓፍ ኣቢላቶ።

ድሕሪኡ፡ ኣብ ሞንጐ እዘን ሃገራት ዝርኣይ ንሕንሕ ክሕይል ጀሚሩ። ብ2003፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ እዚ ውድድር ኢትዮጵያ 3 ወርቂ፣ 2 ብሩርን 2 ነሓስን ብምምጻእ ካብ ዓለም ራብዐይቲ ኰይና ዝወድኣትሉ መድረኽ ኣብ ታሪኽ ዝርሳዕ ኣይኰነን ይብል ጋዜጠኛ ተሾመ።

ኣብ ፊንላንድ፡ ከተማ ሄልሲንኪ መበል 10ይ ዙር መድረኽ እዚ ውድድር ክካየድ እንከሎ ግን፡ እቲ ኣጋጣሚ ኣዝዩ ዝተፈለየ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ውድድር፡ ንኣመሪካን ሩስያን ስዒባ ብሰለስተ ወርቂ፣ ኣርባዕተ ብሩርን ክልተ ነሓስን ካብ ዓለም ሳልሰይቲ ኰይና ውድድራ ዛዚማ።

እዚ ውድድር ሄልሲንኪ፡ “ሓምለዋይ ውሑጅ” ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። ሓምለዋይ ውሑጅ፡ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተኸታቲሎም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምእታው ኣብ ዓለም ዓብዪ ታሪኽ ዝሰርሑሉ ዘመን እዩ።

ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ክልተ ወርቂ ዝተዐወተትሉ እዚ ውድድር፡ ኣትሌታት መሰረት ደፋር፣ ብርሃኔ ኣደሬን እጅጋየሁ ዲባባን ኣርማ ውድድር ሓምለዋይ ውሑጅ ብምኻን ኣብቲ ውድድር ዝነበረን ተሳትፎ ዝርሳዕ ኣይኰነን።

ብደቂ ተባዕትዮ’ውን ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ቀነኒሳ በቀለን ስለሺ ስህንን ተኸታቲሎም ብምእታው ኣብ ሄልሲንኪ ዝነበረ ውድድር ንከይርሳዕ ገይሮምዎ እዮም።

ድሕሪ ክልተ ዓመታት፡ ጃፓን ኣብ ኦሳካ ኣብ ዘተኣናገደቶ ውድድር ግን ኬንያውያን ጸብለታኦም ኣርእዮምሉ።

ኬንያ ኣብዚ ሻምፒዮና ሓሙሽተ ወርቂ ዝርከቦ 15 ሜዳልያታት ተዓዊታ።

ድሕሪኡ ኣብ ዝነበሩ ውድድራት በርሊን፣ ዴጉ፣ ሞስኮ፣ ቤጂንግ እናበለ ክሳብ ዶሃ ኣብ ዘለው ውድድራት ኬንያ ብብዝሒ ሜዳልያ ንኢትዮጵያ ትመርሓ ኣላ።

ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ደራርቱ

ደራርቱ ቱሉ፡ ብ1991 ኣብ ቶኪዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር እያ ንፈለማ እዋን ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ተሳቲፋ።

ዋላ'ውን ኣብቲ ግዜ ብ10 ሽሕ ሜትሮ ጎይያ ሜዳልያ እንተዘይኣምጽአት፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ባርሲዮሎና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ግን ሜዳልያ ወርቂ ረኺባ።

ብተደጋጋሚ ሽማን ሽም ሃገራን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዓለም ዘጸውዐት ሎሬት ኮሎኔል ደርርቱ፡ ፕሬዝደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኰይና ካብ እትምረጽ ንድሓር ብዙሕ ለውጢ መጺኡ እዩ።

እንተዀነ፡ ኣብቲ ፌደሬሽን ዘሎ ባይታ ኩሉ ንዕኣ'ውን ዝምች'ዩ ማለት ኣይኰነን።

እቲ ሽሙ ኣብ ዓለም ግኑን ዝዀነ ኣትሌት ሃይሌ ገብረስላሴ ካብ ፕሬዝደንትነት እቲ ፌደሬሽን ብፍቓዱ ክወርድ እንከሎ፡ እቲ ሓላፍነት ቀሊል ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ ነይሩ።

ደራርቱ ቱሉ፡ ብታሕሳስ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ፕሬዝደንት እቲ ፌደሬሽን ኰይና ተመሪጻ።

ድሕሪኡ፡ ኣብ ኣትሌቲክስ ዝመጽአ ለውጢ እንታይ’ዩ ዝብል ንምርኣይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝተሳተፉሎም ውድድራት ምርኣይ እኹል እዩ።

ንሳ፡ ነቲ ፌደሬሽን ምምራሕ ካብ እትጅምር ንድሓር ክልተ ጊዜ ኣብ ሻምፒዮና ዓለም፣ ሓደ ግዜ ኣብ ኦሎምፒክ፣ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ውድድራ ውሽጢ ገዛ ተሳቲፋ እያ።

ብ2019፡ ኣብ ቀጠር ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ዓለም ድማ፡ ኢትዮጵያ ክልተ ወርቂ፣ ሓሙሽተ ብሩርን ሓደ ንሓስን ሒዛ እያ ተመሊሳ።

ኣብዚ ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝፍለጥሉ ውድድር ነዊሕን ማእከላይን ርሕቐት፡ እቲ ዝለመደቶ ሜዳልያ ወርቂ’ኳ እንተዘይተዓወተት ተስፋ ዝግበረሎም ኣትሌታት ምህላዎም ግን ተራእዩ እዩ።

ኣብዚ መድረኽ፡ ኢትዮጵያ ሸሞንተ ሜዳልያ ብምእካብ ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ ነይራ።

ድሕሪኡ፡ ደራርሩ ዝመርሓቶ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብቲ ዓብዪ መድረኽ ኦሎምፒክ ዓለም ኣምሪሑ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ኣርባዕተ ሜዳልያ ጥራይ እያ ኣኪባ። እዚ ውጽኢት እቲ ዝተሓተ ዝብሃል እዩ።

ነዚ ስዒቡ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ገዛ ውሽጢ ኣትሌቲክስ ብምስታፍ፡ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ጐሊሆም ተራእዮም።

ኣብዚ ኣርባዕተ ወርቂ፣ ሰለስተ ብሩርን ክልተ ነሓስን ብምእካብ ንኣመሪካ ስዒባ ኣብ ዓለም ነጊሳ።

ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ኣመሪካ ኦሪገን ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ዓለም እዚ ዓመት ድማ፡ ኢትዮጵያ ዝንኣድ ውጽኢት ከተርኢ ክኢላ ኣላ።

ዳግም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዓወት ምጽንባሎም ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።

ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ሻምፒዮና ዓለም

ኢትዮጵያን ኬንያን ዶብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሜዳልያታት ዝዕደለሉ መድረኽ ኣትሌቲክስ'ውን እዩ ዘራኽበን።

ብፍላይ ኣብ ውድድር ነዊሕ ርሕቐት፡ ክልቲአን ሃገራት ክሳድ ንክሳድ ክተሓናነቓ ምርኣይ ልሙድ ኰይኑ እዩ።

ኣትሌት ሃይሌን ፖልቴርጋን፡ ብሚሊ ሜትሮ ተቐዳዲሞም ዝኣተውሉ ውድድር ዝርሳዕ ኣይኰነን።

ቀነኒሳን ኪፕቾጌን’ውን ብክልተ ካልኢታት ኣፈላላይ ጥራይ ዝዓተሩዎ ክብረወሰን ማራቶን እውን ካልእ መርኣያ እዩ።

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማእኸላይ ርሕቐት ማለት 5 ሽሕን 10 ሽሕን ሜትሮ፡ ኬንያ ድማ ኣብ ሓጺርን ማእከላይን ርሕቐት ውድድራት 800 ሜትሮ፣ 1500 ከምኡ’ውን 3000 ነጊሶም ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ይኹን’ምበር፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ኬንያውያን ኣብ ማእከላይ ርሕቐት’ውን ምስ ኢትዮጵያ ክነሓንሑ ርኢና።

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ድማ ኣብ 1500ን 3000ን ሜትሮ ውድድራት መሰናኽል ንኬንያ ክፍትኑዋ ተራእዮም።

ንኣብነት፡ ብ20119 ኣብ ዶሃ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ዓለም፡ ብ3 ሽሕ ሜትሮ መሰናኽል ኬንያዊ ኪፕሩቶ ንኢትዮጵያ ሌሜቻ ግርማ ብሚሊ ሜትሮ ጥራይ በሊጹ ሜዳልያ ወርቂ ወሲዱ እዩ።

ለሜቻ ግርማ፡ ብ3000 መሰናኽል ንኢትዮጵያ ሜዳልያ ዝረኸበ ፈላሚ ወዲ ተባዕታይ ኣትሌት እዩ። ብ2013 ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ኣትሌት ሶፊያ ኣሰፋ በዚ ርሕቐት ተሳቲፋ ዝረኸበቶ ሜዳልያ ነሓስ ብሕታዊ ሜዳልያ ኢትዮጵያ ነይሩ።

ኣብዚ ሎሚ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ዓለም’ውን እዚ እዩ ተራእዩ። ለሜቻ ግርማ፡ በዚ ርሕቐት ካልኣይ ብሩር ኣምጺኡ ኣሎ።

ጉዳፍ ጸጋይ ድማ፡ ብ1500 ሜትሮ ሜዳልያ ብሩር ረኺባ። ኬንያዊት ፌዝ ኪፕየጎን ክኣ ንሃገራ ብሕታዊት ሜዳልያ ወርቂ ዘምጽአት ኰይና ኣላ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ኣብ መድረኽ ሻምፒዮና

ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኦሪገን ዝካየድ ዘሎ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ሰንበት ብዝተኻየዱ ውድድራት ክዛዘም እዩ።

ኣብዚ ውድድር ኢትዮጵያ ካብ 800 ሜትሮ ክሳብ ማራቶን ኣብ ዘለው ውድድራት ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተሳቲፋ እያ።

ኣብዚ ውድድር ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ወርቂ ሜዳልያ፣ ኣርባዕተ ብሩርን ሓደ ነሓስን ብምርካብ ንኣመሪካ ስዒቡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ። ሰንበት ኣብ ዝካየዱ ውድድራት 800ን 5 ሽሕ ሜትሮን ድማ ትጽቢት ይግበሩ።

ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ውድድር ዝረኸበቶም ሸሞንተ ሜዳልያታት እቶም ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ዘምጽኡዎም’ዮም።

እዚ ውድድር ካብ 1983 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ በብክልተ ዓመት ክካየድ ዝጀመረ ውድድር ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ብፍሉይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ውድድራር 5 ሽሕን 10 ሽሕን ደሚቓን ጐሊሓን እትወጽእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኰይና ጸኒሓ እያ።

ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ናይ 10 ሽሕ፣ 5 ሽሕ ሜትሮን ፍርቂ ማራቶናትን ሰለስተ ክብረወሰናት ዓለም ዝሓዘት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፡ ኣብ ኦሪገን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ተዓዋቲት ሜዳልያ ወርቂ ኰይና እያ።

ለተሰንበት ድሕሪ እቲ ውድድር ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃበቶ ቃል “ኣብዚ ውድድር ንክዕወት ዓብዪ ዕላማ ነይሩኒ፤ ሕልመይ ነይሩ። እዚ ዓወት ክኣ፡ ንዓይ ካብቲ ክብረወሰን ንላዕሊ እዩ፤ ሕጉስቲ’የ” ኢላ።

ኣትሌት ጎተይቶም ገብረስላሰ፡ ካልእ ኣብ ውድድር ማራቶን ሜዳልያ ወርቂ ንሃገራ ከተምጽእ እንከላ፡ ነዚ ውድድር ንምውዳእ ብዘመዘግበቶ ሰዓት ክብረወሰን ዓለም ሰይራ።

ኢትዮጵያ፡ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ካብ ዝጅመር ብደቂ ኣንስትዮ ሜዳልያ ወርቂ ክትረክብ እዚ ንኻልኣይ ግዝኣ እዩ። ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌት ማሬ ዲባባ ሜዳልያ ወርቂ ኣምጺኣ ነይራ።

ኢትዮጵያ ብፍላይ ካብ 1999 ክሳብ 2007 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዘለው ዓመታት፡ ብውድድራት 10 ሽሕን 5 ሽሕን ሜትሮ ዘሳተፈተን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ብተኸታታሊ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኰይነን ነቲ መድረኽ ክዐወታሉ ተራእየን እየን።

ኣብቲ ግዜ፡ ከም በዓል ኣትሌት ጌቴ ዋሚ፣ ደራርቱ ቱሉ፣ ወርቅነሽ ኪዳኔ፣ ጥሩነሽ ዲባባ፣ ብርሃኔ ኣደሬ፣ ኣልማዝ ኣያና ዝበላ ኣትሌታት ኣብቲ መድረኽ ሽመንን ሃገረንን ኣጸዊዐን።