እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሳዲዮ ማነ፡ ኮዀብ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ 2022 ኰይኑ ተሸሊሙ
ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ኣብዚ ዝመጽእ ዓመተ ስፖርት ምስ ባየር ሙኒኽ ዝስለፍ ሰኔጋላዊ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ሳዲዮ ማነ፡ ኮዀብ ተጻዋታት ኣፍሪቃ 2022 ክብል ሸሊምዎ።
ማነ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ኣፍሪቃ ብፍጹም ቅላዕ ዘቝጸራ ሸቶ፡ ሃገሩ ንግብጺ ስዒራ ንፈለማ እዋን ዋንጫ ኣፍሪቃ ክትዓትር በቒዓ እያ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንሰለስተ ዓመታት ዛሕቲሉ ዝጸንሐ እዚ ሽልማት፡ ትማሊ ኣብ ራባት ርእሰ ከተማ ሞሮኮ ተኻይዱ ኣሎ።
ብደቀንስትዮ'ውን፡ ናይጄሪያዊት ኣሲሳት ኦሾኦላ ነቲ ብ2019 ዝዓተረቶ ሽልማት ብልጽቲ ተጻዋቲት ኣብዚ ዓመት’ውን ደጊማቶ።
ማነ፡ “ነዚ ሽልማት ብምብቅዐይ ኣዝየ ሕጕስ'የ” ኢሉ።
ብተወሳኺ ማነ፡ “ንሰኔጋላውያን አመስግን፤ እዚ ሽልማት መዘከርታ መንእሰያት ሃገረይ ክኸውን እየ ዝደሊ” ኢሉ።
ንሱ፡ ንኣባል ሃገራዊት ጋንታኡን ሓላዊ ልዳት ቸልሲን ዝዀነ ኤድዋርድ መንዲን፡ ኣብ ሊቨርፑል ወዲ ጋንታኡ ዝነበረ መሓመድ ሳላሕን በሊጹ እዩ ኮዀብ ተጻዋታትይ ተባሂሉ ዝሽለም ዘሎ።
ማነ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ ዝመዝገቦ ዓወት፡ ምስታ ካብ 2016 ኣትሒዙ ክጻወተላ ዝጸንሐ ክለብ ሊቨርፑል ክልተ ዋናጩ ብምውሳድ ንውድድር እዚ ዓመት ከም ዝዛዘሞ ይዝከር።
ኣብ ምድብ ደቂ ተባዕትዮ ዝነበሩ ሸውዓተ ሽልማታት ብሓፈሻ፡ ነቶም ሓሙሽተ ሴኔጋላውያን ተዓዊቶምሎም ኣለው።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ኣሊዩ ሲሴ፡ ብሉጽ ኣሰልጣኒ እዚ ዓመት ክኸውን እንከሎ፡ ጋንታኡ ድማ ብልጽቲ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ተባሂላ።
ፓፕ ሳር ድማ፡ ኮዀብ መንእሰይ ተጻዋታይ እዚ ዓመት ተባሂሉ ኣሎ። ካልእ፡ ምስ ክለብ ሲምባ - ታንዛንያ ተሰሊፉ ዝጻወት ሰኔጋላዊ ተጻዋታይ ፓፕ ዑስማን ሳኮ፡ ብርእሱ ዘቝጸራ ሸቶ፡ ኣመዝጋቢ ብልጽቲ ሸቶ እዚ ዓመት ኰይኑ ተረቝሑ።
“ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምውሳድ ብዙሕ ዓመታት ተጸቢና ኢና” ዝበለ ፕረዚደንት ፈደሬሽን ኵዕሶ እግሪ ሰኔጋል ኣውገስቲን ሴንጎን “እዚ ዋንጫ ክሳብ ሕጂ ንዘይወሰዳ ጋንታታት ጽቡቕ ኣብነት ክንከውን ኢና” ኢሉ።
ኣብ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ ጸወታ ጥራይ ዝተሰለፈ ሳር፡ ነቲ ንዝነኣሰ ተጻዋታይ ዝወሃብ ሽልማት ንምርካብ ምስ ኣይቮሪያዊ ካሪም ኮናቱን ቱኒዝያዊ ተጻዋታይ ማንችስተር ዩናይት ሃኒባል መጅብሪን እዩ ተወዳዲሩ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ከም ዳኒኤል ኣሞካቺ፡ ሉካስ ራደበ፡ ጀይ ጀይ ኦካቻ፡ ጀርሚ ንሂታፕ፡ ኤል ሓጂ ዲዩፍን ካሊሉ ፋዲጋን ዝኣመሰሉ ገዳይም ከዋኽብቲ ተጻወትቲ ኣፍሪቃ ተረኺቦም’ዮም።
ኣብ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ስጳኛ ዝበዝሐ ሸቶታት ዘቝጸረትን ሽልማት ፒቺቺ ዝወሰደት ኣሲሳት ኦሾኦላ፡ ሓሙሽተ ሽልማታት ዝወሰደት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ ኰይና ኣላ።
ኦሾኦላ፡ “እዚ ንዓይ ጥራይ ዘይኰነ ኣፍሪቃ’ውን ክብረወሰን ዝሰበረትሉ’ዩ። ሎሚ ሓሙሽተ ሽልማት ረኺበ ኣለኹ” ኢላ።
ደቡብ ኣፍሪቃዊት ዲዛየር ኤሊስ ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመት ብልጽቲ ኣሰልጣኒት ደቂ ኣንስትዮ ኰይና ተሸሊማ።
ብልጽቲ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ 'ዚ ዓመት'ዚ፡ ድሕሪ'ቲ ዝመጽእ ቀዳም፡ ኣብ መንጐ ጋንታታት ደቡብ ኣፍሪቃን ኣአንጋዲት ሞሮኮን ዝካየድ ናይ ፍጻመ ጸወታ ክትፍለጥ እያ።
ተዓወትቲ ሽልማት ካፍ 2022
ብሉጽ ተጻዋቲ [ደቂ ተባዕትዮ]፡ ሳዲዮ ማነ [ሰኔጋል/ ባየርሙኒኽን]
ብልጽቲ ተጻዋቲት [ደቂ ኣንስትዮ]፡ ኣሲስት ኦሾኦላ [ናይጀሪያ/ ባርሴሎናን]
ብሉጽ ኣሰልጣኒ [ደቂ ተባዕትዮ]፡ ኣሊዩ ሲሴ [ሰኔጋል]
ብልጽቲ ኣሰልጣኒት [ደቂ ኣንስትዮ]፡ ዲዛየር ኤሊስ [ደቡብ ኣፍሪቃ]
ብልጽቲ ሃገራዊት ጋንታ [ደቂ ተባዕትዮ]፡ ሰኔጋል
ብልጽቲ መንእሰይ ተጻዋቲት [ደቂ ኣንስትዮ]፡ ኤቭሊን ባዱ [ጋናን ሴኮንዲ ሃሳካስ ሌዲስ/አልቫልድስነስን]
ብሉጽ መንእሰይ ተጻዋቲ [ደቂ ተባዕትዮ]፡ ፓፕ ማታር ሳር [ሰኔጋል/ ቶተንሃም ሆትስፐርን]
ብልጽቲ ጋንታ እዚ ዓመት [ደቂ ኣንስትዮ]፡ ማሜሎዲ ሰንዳውንስ [ደቡብ ኣፍሪካ]
ብልጽቲ ጋንታ እዚ ዓመት [ደቂ ተባዕትዮ]፡ ዋይዳድ አትሌቲክ ክለብ [ሞሮኮ]
ብሉጻት ተጻወትቲ ኢንተር ክለብ እዚ ዓመት [ደቂ ኣንስትዮ]፡ ኤቭሊን ባዱ [ጋናን ሴኮንዲ ሃሳካስ ሌዲስ/አልቫልድስነስ]
ብሉጻት ተጻወትቲ ኢንተር ክለብ እዚ ዓመት [ደቂ ተባዕትዮ]፡ መሓመድ ኤል ሼናው [ግብጺ/ ኣል ኣህሊ]
ብልጽቲ ሸቶ እዚ ዓመት፡ ፓፔ ኦስማን ሳኮ [ሴኔጋል/ሲምባን]