ንደቡብ ኣፍሪቃ ን30 ዓመታት ዝመርሐ ኤኤንሲ ንፈለማ እዋን ስልጣን ክማቓራሕ ክግደድ እዩ

መራሒ ኤኤንሲ ሲሪል ራማፎሳ ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስርት ክግደድ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መራሒ ኤኤንሲ ሲሪል ራማፎሳ ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስርት ክግደድ እዩ

ንደቡብ ኣፍሪቃ ን30 ዓመታት ዝመርሐ ሰልፊ ብሄራዊ ኮንግረስ ኣፍሪካ (ኤኤንሲ) ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ዝነበሮ ዓብላሊ ድምጺ ብምስኣቱ ስልጣን ክመራቓሕ ተኽእሎ ኣሎ።

መብዛሕትኡ ውጽኢት እቲ መረጻ ወግዓዊ ክኸውን እነከሎ፡ ጨቋኒ ስርዓት ኣፓርታይድ ብምእላይ ነታ ሃገር ክመርሕ ዝጸንሐ ኤኤንሲ መንግስቲ ንምምስራት ምስ ካልኦት ሰልፊታት ልፍንቲ ክፈጥር ክግደድ ከም ዝኽእል ተሓቢሩ።

መብዛሕትኡ፡ ኣብ ልዕሊ 91 ነቑታታት መረጻ ምቑጻር ድምጺ ክውዳእ እንከሎ፡ ኤኤንሲ ዝረኸቦ ድምጺ 40.25 ሚኢታዊት ጥራይ እዩ።

ዴሞክራቲክ ኣሊያንስ ድማ 21.7 ሚኢታዊት ድምጺ ረኺቡ ኣሎ። ሰልፊ ፕሬዝደንት ነበር ጄኮብ ዙማ ዝዀነ ኡምጆንቶ ዊሲዝዌ 14.7፡ ኣብታ ሃገር ሱር በተኽ ለውጢ ክመጽእ ይግባእ ዝብል ጁልየስ ማሌማ ዝመርሖ ሰልፊ ኢኤፍኤፍ ድማ 9.39 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ይስዕቡ።

ኣብቲ ብሮቡዕ ዝተኻየደ መረጻ፡ ዝተዋህበ ድምጺ ብጠቕላላ ተቘጺሩ ምስ ተወድአ ድማ ወግዓዊ ውጽኢት ከም ዝንገር ትጽቢት ይግበር።

ኤኤንሲ ግን፡ ንብሕቱ መንግስቲ ምምስራት ዘኽእሎ እኹል ድምጺ ባይቶ ንፈለማ እዋን ክስእን ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

ኤኤንሲ፡ እታ ሃገር ድሕሪ ኣፓርታይድ ንፈለማ እዋን ኣብ ዘካየደቶ መረጻ ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ፡ ድሕሪኡ ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር ኰይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰፊሕ ብልሽውና፣ ሽቕለት ኣልቦነትን ገበንን ስዒቡ ድጋፍ እቲ ሰልፊ ብዝለዓለ ደረጃ ነክዩ ይርከብ።

ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት ንኤኤንሲ ክትመርጽ ዝጸንሐት ሓንቲ ውልቀሰብ፡ ሕጂ ንዴሞክራቲክ ኣሊያንስ ከም ዝመረጸት ተዛሪባ።

ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕሰም ናብራን ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን ድማ ኤኤንሲ ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ስልጣን ክእለ ከም እትደሊ ንቢቢሲ ገሊጻ።

እቲ ምቑጻር ድምጺ ክዛዘም እንከሎ፡ ኤኤንሲ ክረኽቦ ዝኽእል ድምጺ 45 ሚኢታዊት ጥራይ ከም ዝኸውን ይግመት።

እቲ ሰልፊ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ምስ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ሰልፊታት ልፍንቲ ክፈጥር ይግደድ።

ኣቦ መንበር እቲ ሰልፊ ግዌዴ ማንታሼ፡ ምስቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝርከብ የማናዊ ሰልፊ ዴሞክራቲክ ኣልያንስ ልፍንቲ ናይ ምፍጣር ዕድሉ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ ክብል ተዛሪቡ።

ስምምዕ ልፍንቲ ክፍጽሙ ኣብ መንጐ ዝደልዩ ሓይልታት ፖለቲካ፡ ፖሊሲኦም ክጠዓዓም ክኽእል ኣለዎ ይብል።

ንኤኤንሲ፡ ኣብ እዋን ኣፓርታይድ ሰብኣዊ ክብሮም ዝተነፍጉ ከምኡ’ውን ቁጠባዊ ተጠቃምነት ዘይነበሮም ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ምብቃዕ “ዘይደራደረሉ” ፖሊሲ’ዩ ኢሉ።

ወሲኹ፡ ልፍንቲ ንምፍጣር ዝደሊ ኣካል በቲ ኣብ ቀረባ ዝጸደቐ ሃገራዊ መድሕን ጥዕና ክሰማማዕ ይግባእ ክብል ገሊጹ።

ዴሞክራቲክ ኣሊያንስ፡ ነዚ መድሕን ጥዕና ኰነ ፖሊሲ ምብቃዕ ጸለምቲ ከም ዝቃወሞ ይፍለጥ።