እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ገማግም ሊብያ ብዘጋጠመ ምጥሓል ጃልባ ብውሑዱ 73 ስደተኛታት ሞይቶም
ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጃልባ ብውሑዱ 73 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ገሊጹ።
ካብቲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዘጋጠመ ሓደጋ ሸውዓተ ሰባት ብህይወት ከም ዝደሓኑ እቲ ትካል ሓቢሩ'ሎ።
"እቶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ካብቲ ሓደጋ ድሒኖም ዝተመልሱ ሸውዓተ ሰባት ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሆስፒታል" ይእለዩ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ካብቶም ብሓደጋ ዝጠሓሉ 73 ግዳያት፡ ክሳዕ ሕጂ 11 ሬሳታት ጥራሕ እዮም ተረኺቦም ዘለዉ።
እታ ትማሊ 14 ለካቲት ካብ ቃስር ኣልካኣር ዝተባህለ ቦታ ዝተበገሰት ጃልባ ኣስታት 80 ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩ ዝነበሩ ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት'ያ።
ብዛዕባ መንነት እቶም ዝደተኛታት ዛጊት ዝተገልጸ ነገር የለን።
ሊብያ መሰጋገሪ ኣፍደጋ ናይቶም ናብ ኤውሮጳ ክሰግረሉ ዝደልዩ ስደተኛታት እያ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ፈቲኖም ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣስታት 130 ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት የረድኡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን በቲ መስመር እቲ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት ልዕሊ 1,450 ሰባት ከም ዝሞቱ ሓደ ብዛዕባ ሃለዋቶም ዝጠፍአ ስደተኛታት ዝከተታተል (Missing Migrants Project) ይገልጽ።
"እቲ ኩነታት ክትጻወሮ ዘይክኣል'ዩ" ትብል ኣፈኛ ናይቲ ማሕበር ዝኾነት ሳፋ ምሰሒል።
"ናይ ዳህሳስን ምድሓንን ዓቕሚታት ንምብራኽን ንጹርን ውሑስን ናይ ምምላስ ከም ዝህሉ ምግባር፡ ከምኡ'ውን ሓደገኛ ጉዕዞታት ንምግታዕ ስሩዕ መስመራት ስደት ምኽፋትን" ንክህሉ ጻዕርታት ክግበር ኣለዎ ክትብል ምሰሒል ትምሕጸን።
ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጰያውያን፡ ሶማላውያንን ሱዳናውያንን ከም ዝርከብዎም ይፍለጥ።
ዛጊት ኩነታቶም ንዓመታት ዘይተረጋገጸ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ከም ዘለዉ'ውን ይግለጽ።
ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ክሰግሩ ዝተታሕዙ ብዙሓት ናብ ሊብያ ክምለሱ ጸኒሖም'ዮም።
ካብ 5 ክሳብ 13 ለካቲት ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ጥራይ 400 ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ከም ዝተመልሱ ጸብጻብ ኣይ-ኦ-ኤም ይሕብር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ኣስታት 25 ሽሕ ካብ ባሕሪ ተመሊሶም'ዮም።