ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ፡ 1200 ስደተኛታት ኢጣልያ ኣትዮም

ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት፡ ብውሕዱ 1200 ስደተኛታት ብጃልባ ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

እቶም ስደተኛታት ካብ ኤስያ፡ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ተበጊሶም ናብ ወደብ ሲሺልያ ከምዝኣተዉ እቶም ሰብ ስልጣን ኣብሪሆም።

ብመሰረት'ቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ 674 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ካላባርያ ካብ ምጥሓል ዝደሓኑ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብታ ተሳፊሮማ ዝነበሩ ጃልባ መግፈፊት ዓሳ፡ ሓሙሽተ ሬሳታት ተረኺቡ።

እቶም ኣብ ካልኣይቲ ጕጅለ ዝነበሩ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ 15 ጀላቡ ዝተሳፈሩ፡ 522 ካብ ምጥሓል ድሒኖም ብቐዳም ናብ ላምፔዱሳ ዝኣተዉ’ዮም።

እተን ናብ ላምፔዱሳ ዝኣተዋ ንኣሽቱ ጀላቡ፡ ካብ ሊብያን ቱኒዝያን ዝተበገሳ እየን።

ላምፔዱሳ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ካብ ሃገራት ቱኒዝያን ሊብያን ተበጊሶም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝደልዩ ስደተኛታት ከም መርግጺ እግሪ ዝጥቀሙላ ደሴት እያ።

እቶም ካብ ምጥሓል ዝደሓኑ ስደተኛታት ዜጋታት ኣፍጋኒስታን፡ ፓኪስታን፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ምዃኖም’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣንሳ ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኢጣልያ፡ እቲ ስደተኛታት ንግዚኡ ዝዕቈብሉ ኣብ ሲሺልያ ዝርከብ ማእከል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ልዑል ቍጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ይቕበል ከምዘሎ ገሊጻ።

ብመሰረት እታ ማዕከን ዜና ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ግዝያዊ መዕቈብ ስደተኛታት፡ 350 ሰደተኛታት ጥራይ ክሕዝ ዓቕሚ ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብዚ ስዓት ግን 1184 ስደተኛታት ኣዕቍቡ ኣሎ።

ወተሃደራት ሓለዋ ባሕሪን ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ዝነጥፉ ዘይመንግስታውያን ትካላትን፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዓመታዊ ኣማኢት ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ከምዝድሕኑ ይፍለጥ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጽካ ዝግበር ጕዕዞ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ መስመር ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ 2021 ጥራይ ኣብዚ መስመር እዚ ኣስታት 3231 ስደተኛታት ሃለዋቶም ከምዝጠፍአ፣ ወይ’ውን ሞይቶም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ እቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ኣብ ጕዕዞ እንከለዉ ጀልባ ምስ እትበላሸዎም፡ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ጃልባ ገዲፈሞም ከምዝኸዱ ይግለጽ’ዩ።

እዚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዑል ቍጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ናብ ዓዲ ጣልያን ምእታዎም፡ ነቶም ኣብ እዋን ጐስጓስ ንምርጫ ኢጣልያ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቍጽጻር ቃል ዝኣትዉ ዘለዉ ሕሉፋት የማናውያን ከኽስቦም ከምዝኽእል ይግለጽ።

መራሒት እቲ ሰልፊ ጆርጅያ መሎኒ፡ ንዋሕዚ ስደተኛታት ምሉእ ብምሉእ ክትገትኦ ምዃና’ያ ትመባጻዕ ዘላ።