እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ገለብ፡ ኣብ ኤርትራ ጩራ ትምህርቲ ዘድመቐት ዓዲ
ኣብ1873 ኣባላት ሚስዮን ሽወደን ኣብ ገለብ ሓደ ማሕበረሰብ ምስ መስረቱ፡ ኣብ ዞባና ሓደ ኣገዳሲ ስራሕ ሰርሑ፤ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቀለም ዝሰረተ ጩራ ትምህርቲ ከተኣታትዉ ከም ዝኸኣሉ ኣብ ሰነዳት ወንጌላዊት ቤት-ክርስትያን (ከኒሻ) ተሰኒዱ ይርከብ።
ገለብ ካብ ከረን 47 ኪ.ሜ. (ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ገጻ ) ርሒቓ እትርከብ ብሚስዮናውያን ዝማዕበለት ገጠር’ያ።
ገለብ ቀንዲ ሰፈር መንሳዕ (ቤት-ኣብረሀ) ኰይና ብ1873 ንቀዳሞት ሚስዮናውያን ብምትእንጋድ ኣብ ዞባና ወንጌላዊ ሕብረተሰብ ክምስረት ዘኽኣለት ታሪኻዊት ቦታ’ያ።
ገለብ ንኣስላምን ክርስትያንን ደቃ ሓቚፋ ከም መርኣያ ትርአ ቦታ ነበረት ኰይና፡ ክንዮ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መናሃርያ ዝርጋሐ ወንጌል ከም ዝነበረት’ውን ሰነዳት ታሪኽ ይምስክሩ።
ናብ 1940 ምስ እንዘልል ድማ ገለብ ማዕረ ክልተ ሽሕ ነበርቲ ሒዛ ብስነ-ትምህርቲ ንቅድሚት ዝገስገሰት፣ ብ1970 ከኣ ብወትሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝተጠቕዐትን ዝነደደትን፡ እቶም ነባሮ ድማ ንከረን ብምህዳም ነብሶም ከድሕኑ ከም ዝኸኣሉ ክሳብ ሕጂ ዝንገር ዛንታ’ዩ።
መጥቃዕቲ 1970 ከይኣክል ገለብ ብ1975ን 1980ን ብተደጋጋሚ ምስ ተጠቕዐት ህዝባ ጸነተ፣ ብዙሓት ድማ ኣርሒቘም ንሱዳን ተሰደዱ።
ብ1988 ቅዝፈት ሽዕብ እንክፍጸም ገለብ ብክላስተር-ቦምብ ተደብደበት።
ብረታዊ ቃልሲ እንክውዳእ 200 ዝቝጽሮም ነባሮ ከም ዝተረፉ ይንገር።
ስለዚ፡ ካብዚ ዝሰኣልናዮ ስእሊ ገለብ ኣብ ግንባር ምጥፋእ መሃይምነትን ዝርጋሐ ወንጌልን ጥራይ ዘይኰነትስ ኣብ ግንባር ቅዝፈት ከም ዝነበረት'ውን ይግለጽ።
ቀሺ ዳዊት ኣማኑኤል (1862 - 1944)
ኣበርክቶ ገለብ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዀነ ኢትዮጵያ ንምርዳእ ብብሉጻት ደቃ ኣቢልና ምግላጹ ይሓይሽ ካብ ዚብል እምነት፡ መንነትን ስርሓትን ቀሺ ዳዊት ኣማኑኤል ክጥቀስ ይከኣል።
ቀሺ ዳዊት ኣማኑኤል (1862 - 1944) ምስ ታሪኽ መንሳዕን ገለብን ዝተኣሰሰር ኰይኑ ጽቡቕ ሓድጊ ገዲፎም ብምሕላፎም ኣብ ሰነዳት ቤተ-ክርስትያን ከኒሻ ሰፊሩ ይርከብ።
ቀሺ ዳዊት ኣማኑኤል ብ1877 ካብ መንሳዕ እቶም ቀዳማይ ወንጌል ዝተቐበሉ ኣማናይ ነበሩ።
ንሶም እስላማዊ ወለዶ ዘለዎም፡ ብሽወደናዊ ወንጌላዊ በንግት ፒተር ሉንዳል ኣብ ሩባ ገለብ ብጥልቃ ተጠመቑ።
ቅድሚ ኣብ ኣበርክቶ ቀሺ ዳዊት ምእታውና በቶም ከም መዓድን ኣርኣያን ኰይኖም ኣብ እምነት ክርስትና ዘእተዉዎም ወንጌላዊ ሉንዳል ሓበሬታ ምሃብ ኣገዳሲ ይኸውን።
ሉንዳል ንኣነሲሞስ ነሲብ - ኣብ ዞባና ታሪኽ ዝገደፉ ጐብለል - ተኸናኺኖም ዘዕበዩን ኣብ ዓቢ ቍም-ነገር ዘብጽሑን በዓል ጻማ ነበሩ።
ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሽውደናዊ ሉንዳል ኣብ ኤርትራ (ከምኡ’ውን ኣብ ሕብረተሰብ ኦሮሞ) ዓቢ ተራ ዝተጸወቱ ዓቢ መምህርን ጩራ ትምህርቲ ዘተኣታተዉ ወንጌላዊ ነበሩ።
ንድሕሪት ምልስ ኢልና ምስ እንርኢ
.... ቅድሚ 150-200 ዓመታት ኣውሮጳውያን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወንጌል ንክምህሩ ይፈታትኑ ነበሩ።
እቲ ቀዳማይ ዕላማኦም ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ንምድሪ ኦሮሞ ንምስጋር ነበረ፣ መደቦም ግን ኣይተሳኽዓሎምን።
እቶም ሚስዮናውያን ተስፋ ከይቈረጹ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኰይኖም ኣጋጣሚ ንክረኽቡ ብዓቕሊ ይጽበዩ ነበሩ። ብሚያዝያ 1866 ኣቶ ወልደጻድቕ ምራጭ፡ ኣብ ኣድያቦ ገዛኢ ዝነበሩ፡ ንሰለስተ ብባጽዕ ኣቢሎም ዝኣተዉ ሽወደናውያን ኣብ ምድሪ ኩናማ መደበር ንክተኽሉ ኣፍቀዱሎም።
ፍቓድ ይርከቡ’ምበር ንሳቶም’ውን ስርሖም ክሰልጦም ኣይከኣለን።
ሓደኦም ቋንቋ ኩናማ ክመሃር በቕዐ፤ እቲ ካልኣዮም ግን ኣይጸንሐን ብሕማም ምኽንያት ንሽወደን ክምለስ ተገደደ፣ እቲ ሳልሳዮም ከኣ በይኑ ዀይኑ ህርድግ ይብል ነበረ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት እቶም ሽወደናውያን ረዳት ክረኸቡ ከኣሉ። ኣብቲ ዞባ ግን ስኒት ስለ ዘይነበረ እቲ ስራሕ ከም ዝድለ ክሰልጥ ኣይከኣለን።
ብ1869 ሽወደን ትሽዓተ ተወሰኽቲ ረዳት ልኣኸት። ሓደ ካብኦም በዓል ቅያ ወንጌላዊ ሉንዳል ነበሩ።
ሉንዳል’ውን እንተዀኑ ከምቲ ዝወጠንዎ ኣብ ኢትዮጵያ (ምድሪ ኦሮም) መደቦም ክሳኽዓሎም ስለ ዘይከኣለ ኣብ ጥቓ ባጽዕ - ኣብ ገለብ - መደበር ተኸሉ።
ሚስዮናውያ ተበለሓትቲ ስለ ዝነበሩ በቲ ዘጓነፎም ዝሕታለ-ስራሕ ከይሰልከዩ ነቲ ትርፊ ግዜኦም ብግቡእ ይጥቀምሉ ነበሩ ክበሃል ይከኣል። ንሕብረተሰባት ገማግም ባሕርን ኩናማን ብግቡእ ንከጽንዕዎ ኸኣ ዕድል ረኸቡ።
ሕቶ ስርዓት ተኽህኖ፡ ሕቶ ተራ ኣቕሺሽትን ድያቆናትን ተዋህዶ መጽናዕቲ ዘድልዮም ጕዳያት ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ሚስዮናውያን ስርዓታውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ግዝኣታውን ኵነታት ኤርትራ ንኸጽንዕዎ ተበገስሉ።
ሉንዳል ምስ ብጾቶም ኰይኖም ኣብያተ-ጸሎት፡ ትምህርቲ፡ ክሊኒክ ድሕሪ ምህናጽ ትጉሃት ደቀባት ክምህሩን ክምልምሉን ተዋፈሩ። ሓደ ካብኦም ዳዊት ኣማኑኤል ነበሩ።
ዳዊት ኣማኑኤል (1862-1944) ሓደ ካብ ዓንድታት ቤተ-ክርስትያን ሚስዮን ኰይኖም ከገልግሉ ዝጀመሩ ኣብ ገለብ’ዩ።
ኣብ እምኩሉ ከም ወንጌላዊ ኰይኖም ድሕሪ ምግልጋል (1888-1889) ካብኡ ሰጊሮም ኣብ ገለብ ንነዊሕ እዋን ኣገልገሉ።
ብድሕሪኡ ድማ ከም ካህን ኰይኖም ንቤተ-ክርስትያኖም ብእምነት ዘገልገሉ ሰብ ነበሩ።
ዳዊት ኣማኑኤል መባእታዊ ትምህርቶም ኣብ ትሕቲ ሉንዳል ኰይኖም ተማህሩ።
ብጎበዞም፡ ኣብ ዓሰርተ-ሓሙሽተ ዕድመኦም ምዃኑ’ዩ - ንሶም ወንጌል ክቕበሉ፡ ኣቦኦም ድማ (ኣቦይ ኣማኑኤል) ሃይማኖት ምስልምና መረጹ ይበሃል።
ንሶም ኣውራ ዝፍለጥሉ ምኽንያት ንመጽሓፍ ቅዱስ - ሓዲስ ኪዳን - ምስቶም ኣብ ክልን ስርሓት ሚስዮንን ዝና ዝነበሮም ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን ኰይኖም ናብ ቋንቋ ትግረ ኣብ ምትርጓም ዝተጻወትዎ ዓቢ ተራ ነበረ።
ተራ ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን፡ ደጊምና ክንጠቕሶ፡ ኣዝዩ ግዙፍ ነበረ። ንሶም ኣብ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ዲያቆን ዝነበሩ፡ ናብ ገለብ ብ1876 ብምጕዓዝ ኣብ ትምህርቲ ምስዮን ኣተዉ።
ብትምህርቶም ኣዝዮም ንፉዕ ስለ ዝነበሩ በቲ ዘመን’ቲ ቲዮሎጂ ንክምሃሩ ንሃገር ሽወደን ክበጽሑ ዕድል ዝረኸቡ ሰብ ነበሩ።
ቀሺ ተወልደመድህን ብ1887 ካብ ሽወደን ተመሊሶም ኣብ ብርክት ዝበሉ ቦታታት ተመዲቦም ዘገልገሉ (እምኩሉ፡ ሕርጊጎ፡ ገለብ፡ በለዛ፡ ጸዓዘጋ፡ ኣስመራ)፡ ብ1909 ድማ ክህነት ዝተቐብኡ ምኩር ኣገልጋልን መራሕን ነበሩ።
ብ1926 ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ምስ ተመስረተት ከኣ ከም ቀዳማይ ኣላዪ ማሕበር ኰይኖም ዘገልገሉ በዓል ታሪኽ’ዮም።
ናብ ቀሺ ዳዊት ኣማኑኤል ክንምለስ
ሉንዳል ንመምሃሪ ቋንቋ ኣድላይነት ቋንቋ ትግረ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ - ምናዳ ኣብ ከባቢ ባጽዕ ምዃኑ ተረድኦም።
ምስ ዳዊት ኣማኑኤል ብስራሕ ክተኣሳሰሩ መረጹ። ብመጀመርታ ኸኣ ወንጌል ማርቆስ ንክትርጕሙ መዘዙዎም።
ነቶም ብግእዝን ኣምሓርኛን ቋንቋ ሽወደንን ዝተሓትሙ መጻሕፍቲ ወንጌል ተወኪሶም ድማ ናይ ምትርጓም ስርሖም ጀመሩ።
ኣብ ላዕሊ ከም ዝተጠቕሰ ድማ ቀሺ ተወልደመድህን፡ ዋላ’ኳ ተዛረቢ ትግርኛ ይንበሩ፡ ኣብ ምትርጓም ዝነበሮም ሰፊሕ ተሞኵሮን ፍልጠትን እጃሞም ንኸበርክቱ ተመዘዙ።
እቲ ናይ ምትርጓም ስራሕ ኣብ ራብዓይ ወንጌል ምስ በጽሑ ቀሺ ተወልደመድህን ንትምህርቲ ንወጻኢ ተላእኩ። ዳዊት ኣማኑኤል ግን ብዕቱብ ስርሖም ቀጸሉ። ብግንበት 1890 ከኣ ንሓዲስ ኪዳን ብምልኡ ንክትርጕሙ በቕዑ።
ካርል ቪንክዊስት፡ እቶም ፍሉጥ ሓኪም እምኩሉን በለዛን ዝነበሩ ሽወደናዊ ወንጌላዊ ድማ ንዳዊት ኣማኑኤል ብዙሕ ተሓባበሩዎም፤ መዝገበ-ቃላትን ቅርጽን ሰዋሱውን ትግረ ንኸጽንዑን፡ ከምኡ’ውን ናይ ትግረ ዛንታታትን ያታን ዜማን ድጕዓን ብሂልን ምስላን ንኽእክቡን ኣተባብዕዎም።
ዳዊት ኣማኑኤል ድማ ተጊሆም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ገጻት ኣከቡ። ንፕሮጀክት ተመራማሪ ኢኖ ሊትማን’ውን ብዙሕ ኣስተዋጽኦ ከም ዝገበሩ ኸኣ ይንገረሎም።
ኤኖ ሊትማን ዝተባህለ ተመራማሪ ምብራቓውነት (ማህደረ ትምርቲ ምብራቓውያን ወይ ከኣ ኦሬንታሊስት) ካብ ዳዊት ኣማኑኤል ዝረኸቡዎ ዳታ ተጠቒሞም ብዛዕባ ባህልን ዜማታት ትግረን ብዙሕ ጽሒፎም’ዮም።
ካርል ቪንክዊስት ምስ ዳዊት ኣማኑኤል ብምትሕብባር ነቶም ኣብ ከባቢ ባጽዕ ዝነበሩ ዓድታት - ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ዝኣምኑ ዓድታት - ይበጽሕዎም ነበሩ።
ሓያሎ ካብ ደቃቶም ድማ ኣብ ኣሕዳሪ ቤት-ትምህርቲ ሚስዮን ብምእታው ወንጌል ዝተማህሩ ነበርዎም፤ ትምህርቶም ምስ ኣጠናቐቑ ድማ ኣገልገልቲ ኰይኖም ኣብቲ ከባቢ’ቲ ዞባ ተመደቡ።
ንኣብነት፡ ካብኦም ጢሞቴዎስ ፋዑድ (ዮሃንስ)፡ ዮሰፍ ሓምድ፡ ናትኒኤል ነጋሲ፡ ሳሙኤል ዒትማን፡ ኣብራሃም ዒተል ጂምዕ ... ኵሎም ካብ እስላማዊ ቤተሰብ ዝመጹ ነበሩ፣ ኰይኖም ድማ ኣብ ምሕላብ፡ እምኩሉ፡ ገለብ ተመዲቦም ዘገልገሉ ወንጌላውያን’ዮም።
መቕርቦም ንዳዊት ኣማኒኤል - ኣልኣዛር ሕመድ (1871-1964) - መካይድን ተሓባባርን ዳዊት ኰይኖም ዝሰርሑ፡ ካብ እስላማዊ ስድራ ዝሞበቆሎም ትጉህ ናይ ሚስዮን ተምሃራይን ኣገልጋልን ነበሩ።
ንሶም ምስ ዳዊት ኣማኑኤል ሓቢሮም ናብቶም ኣብ ከባቢ ዝነበሩ መዓስከራት በደዊን ብተደጋጋሚ ብምብጻሕ ብተስፋ ክርስትና ይምህሩ ከም ዝነበሩ ይዝንቶ።
ቪንክዊስት ንዳዊትን ኣልኣዛርን ክምስክሩሎም ከሎዉ “እዞም ሰባት ንሃይማኖት ምስልምና ብቐረባ ስለ ዝፈልጥዎ ንስራሕና ምስ ማሕበረ-ሰባት ኣስላም ከቀራርቦ ክኢሉ” ይብሉ። በቲ ዝተፈጥረ ቅርርብ ዝኣክል ቪንክዊስት ባዕሎም ንቁርኣን ከጽንዕዎ ጠቐሞም፣ ነቶም ካልኦት መሳርሕቶም’ውን ቁርኣን ኣንቢቦም ክርድኦም ይቕስቡዎም ነበሩ ይበሃል።
ከምኡ እናበለ ስርሓት ሚስዮን እናዓበየ ከደ፣ ስርሓት ዳዊት ኣማኑኤልን መሳርሕቶምን ከኣ እናዓዘዘ ከደ። ንኣብነት፡ ቍጽሪ ምእመናን ገለብ እናወሰኸ ከደ - ካብ 67 (ብ1902) ን309 (ብ1912) ክብ ከምዝበለ ሰነዳት ይሕብሩ።
እምበኣርከስ ገለበታይ ዳዊት ኣማኑኤል ብሒደት ቃላት ምስ እንገልጾም ንተዛረብቲ ቋንቋ ትግረ ሓዲስ ኪዳን ዘበርከቱን ዓቢ ሓድጊ ዝገደፉን ዓቢ መምህር ነበሩ ክንብል ንኽእል።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምብርካት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መዝገበ-ቃላት ትግረ’ውን ኣስተዋጽኦ ኣለዎም ይበሃል።
ኰይኑ ግን ነቲ ዞባ ግብጻውያን የመሓድርዎ ስለ ዝነበሩ እቲ ዕላማ ሚስዮን ኣብ ገለ-ገለ ሸነኹ ዕንቅፋታት የጓንፍዎ ነበሩ። ካርል ቪንክዊስት ግን ክኢላ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ሕክምና ድማ ኣጸቢቘም ይነጥፉ ስለ ዝነበሩ (ብዙሓት ሕሙማት ንክሕከሙ ይመጹዎም ስለ ዝነበሩ)፡ ግብጻውያን ኣመሓደርቲ ንስርሓት ሚስዮን ዕሽሽ ከም ዝብልዎ ይገብሩ ነበሩ።
በዚ ምኽንያት ድማ’ዮም በዓል ዳዊት ኣማኑኤል ምስቶም ምኩር መምህር፡ ቀሺ ሰሎሙን ዓጽቁ ዀኑ ካልኦትን ሓቢሮም ከም ወንጌላዊ ኰይኖም ንከገልግሉ ዝበቕዑ።
ንምዃኑ ቀሺ ሰሎሙን፡ ሉንዳል ንሽወደን ተመሊሶምሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ብሄንድስትሮም ተቘጺሮም ኣብ ገለብ ካብ 1874 ጀሚሮም ይሰርሑ ነበሩ።
ምስኦም ከኣ ከም መምህር ሰጊድ ዘሙይ (ዓይነ-ስዉር መምህር፡ ወዶም ንከንቲባ ዘሙይ በዓል ጸዓዘጋ) ሓቢሮም የገልግሉ ነበሩ።
ከምኡ እናበለ’ዩ ሕመረት ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን በዞም ወንጌላውያን ተመስረተ።
በቲ ዘመን’ቲ ሓደስቲ ገዛእቲ (ጣልያን) ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ስለ ዝኣተዉ ጸቕጢ ግብጻውያን ተኣልየ፤ ዝርጋሐ ወንጌል ከኣ ብመደብ ክሰላሰል ጀመረ።
ቀሺ ዳዊት ኣማኑኤል ዕድመ ጸጊቦ ኣብ 82 ዕድመኦም ካብዛ ዓለም ተሰናቢቶም።