ነፋዕ ወድ ዕትማን፡ ብኣሊፍ ዝጠፍአ ኮኾብ

ኣብ ኤርትራ፡ እንዳታት ትግረ ብፍላይ ከኣ መንሳዕ፡ ስም ‘ነፋዕ ወድ ዕትማን’ ብተደጋጋሚ ይጥቀስ’ዩ።

ጉስታቭ ኣረን፡ ብ1972 ብመካነየሱስ ዕላዊ ታሪኽ ምትእትታው ወንጌላውነት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኽጽሕፍ ዝተመዘዘ ተመራማሪ፡ ክልተ ቅጺ ዘለዎም ዓበይቲ መጻሕፍቲ ዘበርከተ ሽወደናዊ’ዩ።

ብዛዕባ ነፋዕ ወድ ዕትማን ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ኣስፊሩ ይርከብ።

“እቲ ብሚስዮናውያን ኣቢሉ እምነቱ ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና ዝለወጠ መንእሰይ፡ ንጉስታቭ ሱንድስትሮምን ኤኖ ሊትማንን ንዝተባህሉ ክልተ ዓበይቲ ተመራመርቲ ዝጸለወ - ብዛዕባ ህዝቢ መንሳዕ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ብሂል፡ ቋንቋ ይዅን ባህላዊ ውርሻኦም ዘፋለጠ ክኢላ ነበረ” እናበለ ብኣድናቘት ይገልጾ።

ኣቦ ነፋዕ ወድ ዕትማን፡ ብዘመኖም፡ ኣብ ዞባኦም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቅያዊ ቅኔ ዀነ መወድስ ዘስምዑ ማሰኛ፡ ከምኡ’ውን ብጅግንነት ኣበዋት መንሳዕ እናዜሙ ውዕዉዕ ስምዒትን ደስታን ዝቕስቅሱ ኣቦ ነበሩ።

ነፋዕ ብንእሽቶኡ እንከሎ፡ ንናይ ኣቦኡ ዛንታታት፡ ዜማታት ኰነ ማሰ ብተመስጦ እናሰምዐ ስለ ዝዓበየ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡን ባህሉን ዓቢ ፍቕሪ ሓደሮ። ነቲ ካብ ኣቦኡ ዝወረሶ ውርሻ፡ ማለት ካብ ወለዶ ንወለዶ ዝተሰጋገሩ፡ ንልቦናን ጅግንነትን ኣበዋት ዝትርኹ ግጥምታትን ዜማታታትን እናጽንዐ ከኣ ብጥንቃቐ ኣብ ሓንጎሉ ይምዝግቦም ነበረ።

ነፋዕ፡ ንሊትማን ከም ዝሓበሮ፡ ንኣቦኡ ኮፍ ኣቢሉ ነቲ ብሂል ክደግምሉን ነቶም ኣብ መዓልታዊ ቋንቋ ዘይዝውተሩ ስውያ ብምጥቃስ ‘ኣቦ እዚኣ ግለጸለይ’፡ ‘ኣቦ እቲኣ ድገመለይ’ እናበለ ንልቦናን ፍልጠትን ኣቦኡ ይጸምቝን የጽንዕን ነበረ።

ከምኡ እናበለ ኸኣ ነፋዕ ቅድሚ ናይ ቀለም ትምህርቲ ምጅማሩ ካብ ኣቦኡ ብዙሕ ፍልጠት ደለበ። ይዅን’ምበር፡ ካብ ፍቓድ ናይቶም ኣብ እምነት ምስልምና ሰሪቶም ዝነበሩ ስድራኡ ብምውጻእ ኣብ ገለብ፡ ኣብ ናይ ሚስዮን ቤት-ትምህርቲ ተመዝጊቡ ናይ ቀለም ትምህርቲ ተማህረ፤ ኣብኡ እውን እምነት ክርስትና ተቐበለን ተጠመቐን።

እዚ ብ1882 ኣብ ገለብ ዝተወልደ ትኩር ሰብ፡ ኣብ 19 ዕድመኡ ከም መምህርን ወንጌላውን ተቘጺሩ ምስ መምህሩ ሱንድስትሮም ጽኑዕ ርክብ መስረተ።

ሽወደናዊ ጉስታቭ ሪቻርድ ሱንድስትሮም ብ1869 ኣብ ሽወደን ዝተወልደ፡ ብ1919 ከኣ ኣብ ከረን ዝሞተ ሚስዮናዊ ነበረ።

ኣብ ቅሽነት፡ ሕክምና፡ ምምህርናን ይዋፈርን፡ ቋንቋታትን ኣርኪዮሎጂን (ስነ-ጥንቲ) የጽንዕን ነበረ። ኣብ ገለብ (ን15 ዓመት) ኣብ ከረን ከኣ (ን6 ዓመት) ከም ዝተቐመጠ ከኣ ሰነዳት ጕዕዞኡ ይሕብሩ።

ሱንድስትሮም ዋላ’ኳ ኣብ ከረን ንስርሓት ሚስዮን እግሪ የትክሎ፡ ኣውራ በቲ ኣብ ቋንቋታት ዝነበሮ ተገዳስነት፡ ወይ ከኣ ዘካየዶም ዝነበረ መጽናዕትታት’ዩ ዝዝከር።

ስርሑ እናሰርሐ ብዛዕባ ህዝቢ መንሳዕ ናይ ባዕሉ መጽናዕቲ እናካየደ ሓያሎ ሓበሬታታት ይእክብ ነበረ።

ሱንድስትሮም ብሕማም መንሽሮ ብ1919 ምስ ሞተ ንተዛረብቲ ትግረ ዓቢ ክስራ ኣጋጠሞም። ዝዀነ ኰይኑ፡ ቅድሚ ስንብታኡ ስዋስው ትግረ፡ ከምኡ’ውን ትንቢት ኢሳያስ፡ ኦሪት ዘፍጥረት፡ ኦሪት ዘጽኣት ናብ ትግረ ተርጒሙ ኣረኪቡ ሓለፈ።

ኣብ ዘመን ሱንድስትሮም ቍጽሪ ምእመናን ኣብ ገለብ ካብ 67 (ብ1902) ናብ 309 (ብ1912) ደዪቡ ከም ዝነበረ ኣብ ሰነዳት ሃይማኖት ገዛ-ከኒሻ ይርከብ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ገለብ ቍጽሪ ተምሃሮ ደየበ።

ብ1906 ኣብ ገለብ 56 ኣወዳት፡ 22 ኣዋልድ ነበሩ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት እቶም ተመሃሮ ቍጽሮም ልዕሊ ዕጽፊ ኰነ። እዚ ከኣ ሱንድስትሮም ኣብ ስርሑ ክሳብ ክንደይ ትጉህ ከም ዝነበረ የርኢ ከኣ ይብሉ ጸሓፍቲ ታሪኽ።

ኣብ ዘመን ሱንድስትሮም፡ ኤኖ ሊትማን ዝተባህለ ጀርመናዊ ተመራማሪ ንኤርትራ ተላእከ። ንሱ ከኣ ምስ ሱንድስትሮም ሓቢሩ ክሰርሕ ጀመረ። ብስንዱስትሮም ዝተሰነደ ጽሑፍን ኣፋዊ ታሪኽን ሂስቶርዮግራፊ (ታሪኽ ናይ ታሪኽ) ብዛዕባ ህዝቢ ትግረ ከጽንዕ ጀመረ።

ነፋዕ፡ ምስ ሱንድስትሮም ንገለ ዓመታት ድሕሪ ምስራሕ፡ ምስ ሊትማን ጽቡቕ ገይሩ ተላልዩ ስለ ዝነበረ ኣብ ስርሓቱ ይተሓባበሮ ነበረ።

ብ1907 ከኣ ነፋዕ ብመንፍዓቱ ንሊትማን ኣሰንዩ ንጀርመን ተጓዕዘ። ኣብኡ ንሊትማን ሓበሬታ እናስነቐ ኸኣ ኣብ ስርሑ ብዕቱብ ተሓባበሮ።

ሱንድስትሮም ብሸነኹ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ (ካብ ብሉይ ኪዳን) ናብ ቋንቋ ትግረ ይትርጕም ነበረ። መጽሓፍ ስዋሱው ትግረ ዀነ ትግረ/ጣልያን መዝገበ-ቃላት ኣብ ምድምዳሙ ከኣ በቕዐ።

ብተወሳኺ ብትግረ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ሽወደን ብምትርጓም ይነጥፍ ነበረ። ኣብ ትግረ ዝነበሮ ተገዳስነት ልዑል ስለ ዝነበረ፡ ግጥምታት፡ ምስላታት፡ ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ያታታት፡ ታሪኻዊ ባህልታት ኣብ ዲስኮ ቀዲሑ ይዓቝሮ ነበረ።

ካብቲ ስርሓቱ ከኣ ኣብ ኣስመራ ቤተ-መዘክር ዝተዓቝሩ ብርክት ዝበሉ ሰነዳት ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

መብዛሕትኡ ጽሑፋቱ ብቋንቋ ሽወደን ኰይኑ ብእንግሊዘኛ ዝመዝገቦም’ውን ኣለዉ። ብዛዕባ ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት’ዩ ጽሒፉ፤ ብዛዕባ ታሪኽ ቢለን፡ ክልቲኦም መንሳዕ፡ በጁክ፡ ዓድተማርያም፡ ዓድተክሌስ፡ ዓዲሸኽ፡ ሕዳርብ፡ በለው ከምኡ’ውን ዘመን ቱርኪ።

ኤኖ ሊትማን ድማ ሕልፍ ዝበለ ተመራማሪ ነበረ። የኔታ ናይ ኵሉ ጨናፍር ሴማዊ መጽናዕቲ ከም ዝነበረ ሰነዳት ታሪኽ ይምስክርሉ’ዮም።

ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ - ታሪኽን ባህልን ዘጠቓለለ - ውህሉል ፍልጠት ነበሮ። መሰረታዊ ዓረብኛ፡ ጣልያንኛ፡ ፐርዥያን ... ወዘተ. ባዕሉ ዝተማህረ ሊቅ ነበረ።

ፍሉይ ኣትኵሮኡ ግን ኣብ ትግረ ነበረ። ብ1896 ዘቕረቦ ናይ ፒ.ኤች.ዲ. ወረቐቱ ብዛዕባ ቋንቋ ትግረ (ብፍላይ ብክፍሊ ስዋስው) ነበረ።

ኣብ ፕሪንስተን ዝተባህለ ዓቢ ዩኒቨርሲቲ ኣሜሪካ ኸኣ ቀንዲ መምህር/ተመራማሪ ሴማዊ ቋንቋታት ኰይኑ ተመዘዘ። ብሓልዮት ፕሪንስተን ከኣ ኣብ ፈቐድኡ ምርምር የካይድ ነበረ።

ብ1905 ሊትማን ንፈለማ ጊዜ ንኤርትራ ተጓዕዘ። ብቐረባ ምስ ሱንድስትሮምን ነፋዕ ወድ ዕትማን ከኣ ክሰርሕ ጀመረ። ኣይጸንሐን ብዛዕባ ትግረ ኣርባዕተ ቅጺ ዘለዎም መጻሕፍቲ ብቋንቋታት ጀርመንን እንግሊዘኛን ኣሕተመ።

ካብኡ ዝዓቢ ድማ ኣብ ኣኽሱም ምስ ካልኦት ብጾቱ ዘካየዶ ፕሮጀክት ነበረ። ፕሮጀክቱ ብዛዕባ ኣርክዮሎጂ - ኣብ ኣኽሱም ስነ-ጥንታዊ ዝርከቡ ቍሳቝስ ስርሓት-ኢድ ንምፍታሽ እዩ ነይሩ።

ብዛዕባኡ ከኣ ብ1913 ኣርባዕተ ቅጺ ዘለዎ ጽሑፍ ኣሕትመ። መጽናዕቱ ብዛዕባ ምድረ ሓበሻ ንነዊሕ እውን ቀጸለ፣ ብዙሕ ከኣ ጸሓፈ። መጽናዕቲ ዓረብ (ኵሉ ሸነኻቱ ኮታ ... ቋንቛ/ባህሊ/ብሂል/) ወሰኸሉ።

ሊትማን፡ ድሕሪ’ቲ ዅሉ መጽናዕቱ ዘይሩ-ዘይሩ ናብ መጽናዕቲ ኢትዮጵያ ተመልሰ - ብፍላይ ከኣ መጽናዕቲ ትግረ። ኣብቲ ኣጋ ዝሞተሉ እዋን ከኣ ምስ ሓንቲ ማሪያ ሄፍነር ዝተባህለት ተመራማሪት ብጸይቱ ኰይኑ መዝገበ ቃላት ትግረ-ጀርመን-እንግሊዘኛ ኣብ መደምደምታኡ ብምብጻሕ ዘስተንክር ኣበርክቶ ገበረ።

ነፋዕ ወድ ዕትማን ንሊትማንን ሱንድስትሮም እቲ ዝነበሮ ሓበሬታ ጓሕጒሑ ከም ዝሃቦም ካብ ዘለዉ ሰነዳት ክንርዳእ ንኽእል።

ይዅን እምበር ነፋዕ በቲ ኣብ ስርሓት‘ዞም ክልተ ዓበይቲ ተመራመርቲ ዘበርከቶም ሓበሬታ እቲ ዝግብኦ ንያት ወይ ከኣ እኹል ኣፍልጦ ኣይረኸበን ዝብሉ ጸሓፍቲ ኣለዉ። ጻዕሩ ብግቡእ ክምስክርሉ ምተገብአ፤ ምኽንያቱ ብዘይ ምትሕብባር ነፋዕ እቶም መጻሕፍቲ ክቐርቡ ኣይምኸኣልን ዝብል ምጉት ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ ንነፋዕ ወድ ዕትማን እንታይ ኣጓነፎ?

ቀሺ/ፕሮፈሰር እዝራ ገብረመድህን ምስ ካርል ዮሃን ሉንድስትሮም ሓቢሮም ዝደረስዎ፡ ‘ከኒሻ’ ዘርእስቱ መጽሓፍ ብዛዕባ ነፋዕ ዘስፈርዎ ሕጡባት ኣለዉ።

ንምዃኑ፡ ካርል ዮሃን ሉንድስትሮም ኣብ ወንጌላዊት ቤት-ትምህርቲ (ኣስመራ) ከም ሓለቓ ኰይኑ ዘገልገለ መምህር’ዩ። እቶም ብዛዕባ ነፋዕ ዝተጠቕሱ ሕጡባት ከኣ ከምዚ ዝስዕቡ ይንበቡ።

“ነፋዕ ብዛዕባ ባህሉን ቋንቋ ትግረን እምነታት ህዝቢ መንሳዕ መስተንክር ዝዀነ ፍልጠት ዝነበሮ ሰብ ነበረ። ኣብታ ሊትማን ኣብ ሕትመት ዘብጽሓ “Publication of the Princeton Expeditions to Abyssinia” እትብል መጽሓፉ፡ ነፋዕ ብዙሕ’ዩ ኣበርኪቱ። ብድሕሪኡ ነፋዕ ኣብ ሽወደን ትምህርቱ ንኽቕጽል ሕልሚ ነበሮ” ይብሉ ቀሺ እዝራ።

ሽወደን ጥጡሕ ሚስዮን ኣብ ሃገርና ምስ መስረቱ፡ ካብ ደቂ ዓዲ መሪጾም ንትምህርቲ ይልእኩ ነበሩ። ነፋዕ ግን ምስቲ ኵሉ ንምዕቡል ትምህርቲ ዝነበሮ ጽምኡ ከይሰለጦ ተረፈ።

ምኽንያቱ ብ1901 ሽወደን ንደቀ’ባት ንትምህርቲ ናብ ሽወደን ምልኣኽ ደው ኣበሉ። ንፕሮፈሰር ሊትማን ንኽተሓባበሮ ንጀርመን ተጓዒዙ ከብቅዕ ግን ንሽወደን ክሰግር ተኸልከለ።

እቲ ናይ ጀርመን ተልእኾኡ ምስ ወድአ ከኣ ንዓዲ ክምለስ ስለዝነበሮ፡ ኣብ ጀነዋ - ኢጣልያ ንባጽዕ ትብገስ ዝነበረት መርከብ ተሰቕለ።

ኰይኑ ድማ ብዕለት 16 ሚያዝያ 1909 እታ መርከብ ኣብ መንጐ ናፖሊን ካታንያን ዝተባህላ ዓድታት እንከላ ምሸት ምድሪ ነፋዕ ወድ ዕትማን ኣብዚኣ ኣትዩ ከይተባህለ ኣብታ መርከብ ከሎ ጠፍአ።

ሓለፍቲ ናይቲ ኩባንያ ጕዕዞ፡ እታ ምሸት እቲኣ እቲ ባሕሪ ህዱእ ከም ዝነበረ መስከሩ። ኣብ መርከብ እንከሎ ብገለ ከተርቲ ተዓሚጹ ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል ግምት ከኣ ተጻባእቱ ቀቲሎም ንባሕሪ ደርብዮሞ ክዀኑ ይኽእሉ ክብሉ ግምቶም ኣቕረቡ።

ነፋዕ ወድ ዕትማን ብምጥፍኡ ኣብ ምድሪ-ትግረ ዝካየድ ዝነበረ ስርሓት ሚስዮን ኣዝዩ ከም ዝተሃስየ ቀሺ እዝራ ይዅን ጉስታቭ ኣረን ኣብ መጻሕቶም ኣስፊሮም ኣለዉ።

ንተወሳኺ ትምህርቲ ኣዝዩ ብቝዕ ዝነበረ፡ ኣብ መጻኢ ህይወቱ ክንደይ ተስፋ ዝነበሮ ሰብ ኣብ መበል 27 ዓመት ዕድመኡ ኣብዚኣ ኣተወ ከይተባህለ ጠፍአ።

ትምህርቱ ተዀልፈ፡ ተዛረብቲ ትግረ ምሉእ ዕቝር ዓቕሙ ከይከሰቡ፡ ስድራኡ ኸኣ ሬሳ ውሉዶም ከይተረከቡ ተረፉ። እቲ ብዙሕ ተስፋ ተነቢሩዎ ዝነበረ ነፋዕ ወድ ዕትማን ህይወቱ ብኣሊፍ ሓለፈት።

ኤርትራዊ ተመራማሪ ታሪኽ ዳዊት መስፍን፡ እቶም ምስ ሊትማንን ሱንድስትሮምን ኰይኑ ዝጸሓፎም መጻሕፍቲ ብግቡእ ተኣኪቦም፡ ተተርጒሞም ንመምሃሪ ታሪኽ ህዝቢ መንሳዕ ኰነ ተዛረብቲ ትግረ ምስ ዝቐርቡ ጥራይ’ዩ ህይወት ናይዚ በሊሕ ሰብ ቍውም ነገር ዝርከቦ ይብል።

“ተዘክሮታትን ኣበርክቶን ሓደ ከም ነፋዕ ዘኣመሰለ ብርቂ ዝባህርያቱን መዘና-ኣልቦ ሰብን ህያው ኰይኑ ክተርፍ ይግባእ” ክብል ድማ ይድምድም።