እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ላዕለዋይ ብዓልስልጣን መንግስቲ ተመሲሉ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ህንዳዊ ተቓሊዑ
ሓደ ከም ላዕለዋይ ሓላፊ ማእከላይ መንግስቲ ህንዲ ተመሲሉ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊሲ ህንዲ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ከምዝሰርሕ ተመሲሉ ከታልል ዝጸንሐ ኪራን ፓተል፡ ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ ናብ ሰሜናዊ ዞባ ካሽሚር "ወግዓዊ" ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዱ'ዩ ተቓሊዑ።
ናይ ስርቂ፡ ምትላል፡ ካልእ ሰብ ምምሳልን ምስናዕን ዝብሉ ክስታት ቀሪቦምሉ ከምዘለዉ ፖሊስ ገሊጹ'ሎ።
ፓተል፡ "ገንዘባዊ" ከምኡ'ውን "ዓይነታዊ ረብሓታት" ክረክብ ፈተነታት ከምዘካየደ'ውን እቲ ዝቐረበ ክስታት የመልክት።
ጉዳይ እቲ ወልቀሰብ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ቤትፍርዲ ምስቀረበ'ዩ ብህዝቢ ተፈሊጡ።
ዘለዎ ዝተረጋገጸ ወግዓዊ ናይ ትዊተር ኣካውንት፡ ኣባል ገዛኢ ሰልፊ ባሃራቲያ ጃናታ (ቢ-ጀይ-ፒ) ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ናብ ዞባ ካሽሚር "ወግዓዊ ምብጻሕ" ከምዘካየደ ንምግላጽ ብወተሃደራት ሓለውቲ ተዓጂቡ ዘርኢ ስእልታት ብምስናይ ኣውጺኡ ነይሩ።
'ፕረስ ትራስት ኢንዲያ' ዝተባህለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ከምዝበሎ፡ ናብቲ ዞባ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ካሽሚር ዝፈሪ ሜለ ዝዕድጉ ከናዲ ብመንግስቲ ከምዝተላእከ ኮይኑ'ዩ ቀሪቡ።
ኣብ ካልእ እዋን ናብቲ ፍሉጥ መዘናግዒ ምንሽርታት በረድ ጉልማርግ ብምብኻድ'ውን፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሆቴላት ዝመሓየሸሉን ዝሕደሰሉን ኩነታት ንምግምጋም ብመንግስቲ ከምዝተመዘዘ ብምምሳል ተንቀሳቒሱ።
ኣብቶም ዘካይዶም ዝነበረ ዑደታት፡ ብሰብመዚ እቲ ከባቢ ዝለዓለ ናይ ጸጥታ ሓለዋ ይግበረሉ ከምዝነበረን፡ ጥይት ክበሰዐን ብዘይክእል መካይን ይንቀሳቐስ ምንባሩን ተገሊጹ።
ብዘይካ'ዚ ኣብ ብዓል ሓሙሽተ-ኮኾብ ሆቴላትን መዕረፍ ኣጋይሽን ከምዘዕርፍ ይገብር ነይሩ።
ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝተላእከ ላለዋይ ብዓልስልጣን መሲሉ ይቐርብ ብምንባሩ ድማ ኣብ ተነቃፊ ኣኼባታት ላዕለዎት ሓለፍቲ ይሳተፍ ነይሩ።
ሰብመዚ ጸጥታ ዝተሰንዐ ካርድታት መንነት ከምዝረኸብሉ፡ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ሰነዳት ክሲታት የመልክት።