ፕረዚደንት ናሚብያ ሄግ ጌይንጎብ ኣብ 82 ዓመቱ ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ናሚብያ ሄግ ጌይንጎብ ኣብ ርእሰ ከተማ ናሚብያ ዊንድሆክ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን እናተገብረሉ እንከሎ ዓሪፉ።
ምክትል ፕረዚደንት ናንጎሎ ምቡምባ፡ እቲ ፕረዚደንት ሎሚ ሰንበት ወጋሕታ ከምዝዓረፈ ኣፍሊጡ።
እቲ ምክትል ፕረዚደንት ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ጐድኑ ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ሞኒካ ጌይንጎስን ደቁን ነይሮም" ይብል።
82 ዓመት ዝዕድመኡ ፕረዚደንት ናሚብያ ሄግ ጌይንጎብ፡ ሕማም መንሽሮ (ካንሰር) ከምዘለዎ ተረጋጊጹ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ብዛዕባ ውጽኢት ምርመራኡ ንህዝቢ ዕላዊ ገይሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ቤት ጽሕፈቱ ንሕክምና ናብ ኣሜሪካ ክገይሽ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ብዕለት 2 ለካቲት ግን ናብ ናሚብያ ተመሊሱ።
ሄግ ጌይንጎብ ኣብ 2015 እዩ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ፡ ንኻልኣይን ናይ መወዳእታን ዕድመ ስልጣኑ ድማ የገልግል ነይሩ።
ዝሓለፈ ዓመት ሕክምናዊ መጥባሕቲ ዝተገብረሉ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 2014 ድማ ካብ መንሽሮ ፕሮስቴት (ፍረ-ዘርኢ) ከምዝደሓነ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
ናሚብያ ኣብ ሕዳር ፕረዚደንታዊን ባይቶኣዊን መረጻ ከምእተካይድ ይፍለጥ።
ኣብ 1990 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ገዛኢ ሰልፊ ስዋፖ፡ ንወይዘሮ ናንዲ-ንዳይትዋህ ሕጽይቲ ፕረዚደንት ክትከውን መሪጹ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ምክትል ቀዳመይቲ ሚኒስተር’ውን ዝዀነት ወይዘሮ ናንዲ-ንዳይትዋህ፡ እንተተዓዊታ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት እታ ሃገር ክትከውን እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







