ናሚብያ፡ ፕረዚደንት ሄጅ ገይንጎብ ንካልኣይ ግዜ ተዓዊቱ

ፕረዚደንት ሄጅ ገይንጎብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ሄጅ ገይንጎብ

ኮሚሽን ምርጫ ናሚብያ፡ ፕረዚደንት ሄጅ ገይንጎብ ንካልኣይ እብረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከም ዝተዓወተ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሄጅ ገይንጎብ 56.3 ሚኢታዊት ብምርካብ ነቲ 29.4 ሚኢታዊት ጥራይ ዝረኸበ ተቐናቓኒኡ ብገፊሕ ኣፈላላይ ብምስዓር'ዩ ንኻልኣይ እብረ ነታ ሃገር ንክመርሓ ተመሪጹ።

ፕረዚደንት ሄጅ ገይንጎብ እዚ ኣብዚ ናይ ሕጂ ዝረኸቦ ብዝሒ ድምጺ፡ ምስቲ ኣብ 2014 ክምረጽ እንከሎ ረኺብዎ ዝነበረ 87ሚእታዊት ብምንጽጻር ካብ ህዝቢ ዘለዎ ደገፍ ይጎድል ምህላዉ እዩ ዘርኢ።

ፕረዚደንት ሄጅ ገይንጎብ ህዝቢ ናሚብያ ንኻልኣይ ግዜ ስለ ዝመረጾ ምስጋንኡ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ገሊጹ።

እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ስዎፖ፡ ሃገረ ናሚብያ ካብ ካብ ደቡብ ኣፍሪቓ ናጽነታ ምስ ረኸበት ነታ ሃገር ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ዝመርሓ ዘሎ ዓብላሊ ሰልፊ'ዩ።

ኣድመጽቲ ብረቡዕ ኣብ ባይቶ ንዝውክልዎም እውን መሪጾም እዮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣድመጽቲ ብረቡዕ ኣብ ባይቶ ንዝውክልዎም እውን መሪጾም እዮም