እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣዘራራቢ ምንኩስና ወራሲት ሃብቲ ኣልማዝ ዝዀነት ጓል ሸሞንተ ዓመት ደቫንሺ
ጓል ሸሞንተ ዓመት ደቫንሺ ሳንግቪ፡ ምስ ዓበየት ሚልዮናት ዶላራት ዘንቀሳቕስ ንግዲ ኣልማዝ ናይ ምክያድ ሓላፍነት እዩ ዝጽበያ ኔሩ።
እዛ ጓል ሓደ ሃብታም ህንዳዊ ነጋዳይ ኣልማዝ ግን ሕጂ፡ ካብ ብዙሕ ነገራት ዝተዓቀበ ናይ ኣገልግሎት ህይወት ትነብር ኣላ - ረጒድ ጻዕዳ ሳሪ [ባህላዊ ክዳን ህንዲ] ተኸዲና፡ ጥራይ እግራ ገዛ ንገዛ እናዘረት ምጽዋት ትልምን ኣላ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ክልተ ደቂ እቲ በዓል ሃብቲ (ዲሃነሽ ሳንግቪ) እታ ዝዓበየት ማለት ደቫንሺ፡ ንዓለም ብምኽሓድ ፈላሲት ኮይና።
እንዳ ሳንገቪ ካብቶም 4.5 ሚልዮን ዝኾኑ ተኸተልቲ እምነት ናይቲ ሓደ ካብ ዝጠንተው ሃይማኖታት ዓለም - ጃይኒዝም እዮም።
ጃይኒዝም ቅድሚ 2500 ዓመታት ኣብ ህንዲ ከምዝጀመረ ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ቁጽሪ ናይቶም ዓለማዊ ህይወት ዝምንኑ ጃይናውያን ብቕልጡፍ ይውስኽ ከም ዘሎ ሃይማኖታውያን ምሁራት ይዛረቡ።
ከም በዓል ደቫንሺ ብዕድመ ንኣሽቱ ክምንኑ ግን ልሙድ ኣይኰነን።
ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ጉጃራት ከተማ ሱራት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ደቫንሺ "ዲክሻ" ተቐቢላ - መነኮሳት ጃይንን ካልኦት ዓሰርተታት ኣሽሓት ዕዱማትን ኣብ ዝተረኸብሉ፡ ናብራ ዓለም ይዀነኒ ኢላ።
ብወለዳ ተዓጂባ፡ ብዕንቊታት ዝወቀበ ክዳን ተኸዲና ናብቲ ቦታ በጽሐት። ብኣልማዝ ዝተሸፈነ ኣኽሊል ድማ ኣብ ርእሳ ዓረፈ።
ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ምስ ካልኦት መነኮሳት ደው ኢላ፡ ነቲ ዝተላጸየ ርእሳ እውን ዝሽፍን ጻዕዳ ሳሪ ተኸዲና ነበረት።
ኣብቲ ዝተዘርግሐ ስእሊ ኣብ ኢዳ መኾስተሪ ሒዛ ተራእያ፤ እዚ ኣብ መገዳ ከይረኣየት ሓሸራታት ምእንቲ ከይትረግጽ ንምጽራይ እትጥቀመሉ እዩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ደቫንሺ ኣብ ኡፓሽራያ - ጃይናውያን መነኮሳትን ፈለስትን ዝነብሩሉ ገዳም - ክትነብር ጸኒሓ።
"ድሕሪ ደጊም ኣብ ገዛ ክትነብር ኣይትኽእልን እያ፤ ወለዳ’ውን ድሕሪ ሕጂ ወለዳ ኣይኰኑን፤ ሳድቪ [ፈላሲት] እያ" ይብል ፖለቲከኛን መሓዛ ስድራኣን ዝዀነ ነጋዳይ ኣልማዝ ኪርቲ ሻህ።
"ህይወት መነኮስ ጃይናውያን ብሓቂ ጽኑዕ እዩ። ሕጂ ኣብ ኩሉ ቦታ ብእግራ ክትከይድ ክትግደድ እያ፤ ዝኾነ ዓይነት መጓዓዝያ ክትጥቀም ኣይትኽእልን። እትድቅሰሉ’ውን ኣብ መሬት ዝተነጽፈ ጻዕዳ ኣንሶላ’ዩ፤ ድሕሪ ጸሓይ ዕራርቦ ከኣ ክትበልዕ ኣይፍቀዳን” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ወለዲ ደቫንሺ "ኣዝዮም ሃይማኖታውያን" ምዃኖም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ማዕከናት ዜና ህንዲ ንኣዕሩኽ እታ ስድራቤት ብምጥቃስ፡ እታ ቈልዓ "ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ናብ መንፈሳዊ ህይወት ዝንባለ ከም ዝነበራ" ገሊጸን።
"ደቫንሺ ቴለቪዥንን ፊልምታትን ርእያ ወይ ናብ ሞላትን ቤት መግብታትን ከይዳ ኣይትፈልጥን። ደቫንሺ ካብ ንእስነታ ኣትሒዙ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ክትጽሊ ጸኒሓ'ያ። ጾም’ውን ጓል ክልተ ዓመት እንከላ’ያ ጀሚራ” ክትብል ጋዜጣ ታይም ኦፍ ኢንዲያ ጸብጺባ።
እታ ህጻን ቅድሚ ምምናና፡ እቶም ስድራቤት ኣብ ሱራት ዓቢ ናይ ጽምብል ሰልፊ ኣዳልዮም ነይሮም። ኣግማል፡ ኣፍራስ፡ ዓረብያ ብዕራይ፡ ከበሮ ዝወቅዑን ካልኦት ሰባትን ኣሰሊፎም ድማ ኣብ ጎደናታት ምርኢት ገይሮም።
ደቫንሺን ስድራኣን ኣብ ሓንቲ ብሓርማዝ እትስሓብ ዓረብያ ተሰቒሎም እንትሓልፉ፡ ብዙሓት ሰባት ዕምባባታት ጽጌረዳ ይልግሱሎም ነበሩ።
ኣብ ሙምባይን ኣብታ ኣቡኣ ዝነግደላ ከተማ ቤልጅየም ዝዀነት ኣንትወርፕን’ውን ተመሳሳሊ ስነ ስርዓት ተገይሩ።
እዚ ተግባር፡ ዋላ'ኳ ካብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ጃይን ድጋፍ እንተሃለዎ፡ ተቓውሞ ከየስዓበ ግን ኣይተረፈን።
ብዙሓት፡ ስድራቤት እታ ቈልዓ ኣብ ክንድኣ ኮይኖም ከምዚ ዓይነት ምርጫታት ካብ ዝገብሩ ንምንታይ ናብ ዓቕመ ሄዋን ክሳብ እትበጽሕ ክጽበዩዋ ዘይክኣሉ ዝብል ሕቶ የቕርቡ ኣለው።
ፖለቲከኛ ኪርቲ ሻህ፡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዲክሻ ተዓዲሙ’ዩ፤ ግን ሓደ ቆልዓ ንዓለም ክምንን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ምቾት ስለ ዘይሃቦ "ዝዀነ ሃይማኖት ህጻናት መነኮሳት ክዀኑ ክፈቅድ የብሉን" ክብል ኣትሪሩ ተዛሪቡ።
"ቆልዓ እያ፡ እዚ ኩሉ እንታይ ይርድኣ?" ኢሉ ክሓትት እንከሎ፡ "ህጻናት ክሳብ 16 ዓመት ዝመልኡ ኣብ ኮሌጅ እንታይ ከጽንዑ ከም ዘለዎም’ውን ክውስኑ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ፡ ብዛዕባ ምሉእ ህይወቶም ዝጸሉ ነገር ከመይ ጌሮም ክውስኑ ዝኽእሉ?" ኢሉ።
ኣብ ሙምባይ ኣማኻሪት ሓለዋ ህጻናት ፕሮፌሰር ኒሊማ ሜህታ "እታ ህጻን እትሓልፎ ጸገምን ሕርመትን ዘይተኣደነ'ዩ። ህይወት መነኮስ ጃይናውያን ኣዝዩ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ" ትብል።
ብዙሓት ካልኦት ኣባላት ማሕበረሰብ እውን፡ ሓንቲ ህጻን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንኡስ ዕድሚኣ ካብ ስድራኣ ክትፍለ ምዃና ከምዘየቕሰኖም ገሊጾም።
እቲ ዜና ካብ ዝዝርጋሕ ንደሓር ድማ ብዙሓት ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወጺኦም ነታ ስድራቤት ብምንቃፍ፡ ሳንግቪስ መሰል ውላዶም ይጥሕሱ ኣለው ኢሎም ይኸሱ።
ፖለቲከኛ ኪርቲ ሻህ፡ መንግስቲ ኣብዚ ኢዱ ክሕውስን ነዚ ተግባር ደው ከብሎን ኣለዎ ይብል።
ኣብዚ ጉዳይ ንሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ኮሚሽን ሓለዋ መሰላት ህጻናት (NCPCR) ፕርያንክ ካኑንጎ ሓቲትና፤ እቲ ቤት ጽሕፈት ግን፡ እቲ ጉዳይ "ተኣፋፊ" ስለ ዝዀነ ርእይቶ ክህብ ከም ዘይደሊ ገሊጹ።
ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግን መሰል ደቫንሺ ከም ዝተጋህሰ ይዛረቡ ኣለው።
እታ ህጻን በፍታዋ ሃይማኖታዊት ትኸውን ከምዘላ ንዝገልጹ ኣመልኪታ ፕሮፌሰር ኒሊማ ሜህታ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ "ሓደ ህጻን ፍቓደኛ ስለዝኾነ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ፍቓደኛ እዩ ማለት ኣይኮነን" ትብል።
"ሓደ ሰብ ብግሉ ክውስን እንተኾእኑ ዕድሚኡ 18 ዓመት ክመልእ ኣለዎ፤ ክሳብ ሽዑ ንዓኣ ወኪሉ ዝውሰድ ውሳነ ብዓቢ ሰብ - ከም ወለዳ - ንረብሓኣ ድዩ ኣይኰነን ኣብ ግምት ከእቱ ኣለዎ።
"እቲ ውሳነ ድማ ነታ ቆልዓ ካብ ትምህርትን መዘናግዕን ዝኣልያ እንተዀይኑ፡ ምግሃስ መሰል'ዩ ማለት'ዩ" ኢላ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ሙምባይ መምህር ፍልስፍና ጃይኒዝም ዶክተር ቢፒን ዶሺ ግን "ኣብ መንፈሳዊ ዓለም፡ ሕጋዊ መትከላት ክትትግብር ኣይትኽእልን ኢኻ" ይብል።
"ገሊኦም ሓደ ቆልዓ ከምዚ ዓይነት ውሳነታት ክወስድ ኣይበሰለን ይብሉ ኣለዉ፤ እንተዀነ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ካብ ዓበይቲ ኣዝዮም ዝበልሑን ዓበይቲ ክበጽሕዎ ዘይኽእሉ ደረጃታት ዝበጽሑን ህጻናት ኣለዉ። ብተመሳሳሊ መንፈሳዊ ዝንባለ ዘለዎም ህጻናት ኣለዉ፤ ስለዚ መነኮሳት እንተዀኑ እንታይ’ዩ ጸገሙ?" ኢሉ ይምጉት።
ንሱ ወሲኹ ደቫንሺ ብዝኾነ መገዲ ከምዘይትህሰ ይገልጽ።
"ካብቲ ባህላዊ መዘናግዒ ክትሕረም ትኽእል እያ፤ ግና እዚ ንኹሉ ሰብ ኣድላዪ ድዩ? ከምኡ'ውን ፍቕሪ ወይ ትምህርቲ ክትሕረም'ያ ዝብል ኣይሰማማዕን'የ - ካብ ጉጅለኣ ፍቕሪ ክትቅበል እያ፡ ቅንዕና ድማ ክትመሃር እያ። እዚ ኣይሓይሽን ድዩ?" ይብል።
ደቫንሺ ድሒራ ሓሳባ እንተቐይራ እሞ "ጌጋ ውሳነ ወሲደ’የ" ኢላ እንተሓሲባ፡ ናብቲ ዓለማዊ ህይወት ክትምለስ ከም እትኽእል'ውን ይዛረብ።
እሞ ንምንታይ ምስ ዓበየት ዘይትውስን ብምባል ፕሮፌሰር ሜህታ ትሓትት።
"ኣእምሮ ንኣሸቱ ጦብላሕታታት ዝፈጥሩ እዮም፤ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ድማ እዚ ትደልዮ ህይወት ከም ዘይኰነ ክትሓስብ ትኽእል እያ" ትብል፤ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ዓበያ ሓሳባተን ዝቕይራሉ ኩነታት ከም ዘሎ ብምብራህ።
ፕሮፌሰር ሜህታ፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ንጉዳይ ሓንቲ ተሸቢራ ካብቲ ማእኸል ዝሃደመት መንእሰይ መነኮስ ጃይን ብኣብነት ተልዕል።
ካልእ ኣብ ትሽዓተ ዓመት ዕድሚኣ ዝመንኰሰት ጓል፡ ኣብ 2009 ጓል 21 ዓመት ምስ ኰነት ሃዲማ ንኣፍቃሪኣ ከም ዝተመርዓወት ጠቒሳ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን እዚ ንክቕየር ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡ ጥርዓናት እኳ እንተነበሩ፡ ከምዚ ዓይነት ማሕበራዊ ጉዳያት ብሰንኪ ዘለዎም ተኣፋፍነት ዓብዪ ብድሆ ከም ዝዀነ ፕሮፌሰር ሜህታ ተረድእ።
"እዚ ኣብ ሞንጎ ጃይናውያን ጥራይ ዘሎ ኣይኰነን፤ ኣዋልድ ሂንዱ ምስ ኣማልኽቲ ተመርዕየን ዴቫዳሲስ ይዀና [ዋላ'ኳ እቲ ተግባር ኣብ 1947 ብሕጊ እንተተኸልከለ] ንኣሽቱ ኣወዳት ድማ ናብ ኣካዳስ [ሃይማኖታዊ ማእከላት] ይጽንበሩ፣ ኣብ ቡድሂዝም’ውን ህጻናት ከም መነኮሳት ኣብ ገዳማት ክነብሩ ይለኣኹ።"
"ህጻናት ኣብ ትሕቲ ኩለን ሃይማኖታት ይሳቐዩ’ዮም ዘለው፤ ንዕኡ ምፍታሽ ግን [ነቲ ሃይማኖት] ጸርፊ'ዩ" ትብል።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ስድራቤታትን ኩሉ ሕብረተሰባትን "ቆልዓ ንብረትካ ኣይኰነን" ዝብል ትምህርቲ ክወሃቦም ከም ዘለዎ ትዛረብ።