እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዓለምና እተን ብዕድመ ዝዓበያ ፈረንሳዊት ፈላሲት ዓሪፈን
ኣብ ዓለም እተን ብዕድመ ዝዓበያ ፈረንሳዊት ፈላሲት ሉሲል ራንዶን ኣብ መበል 118 ዓመት ዕድሚአን ዓሪፈን።
ኣብ 1944 መነኮስ ኣብ ዝኾናሉ እዋን ሲስተር ኣንድሬ ዝብል ስም ዝወሰዳ ሉሲል ራንዶን፡ ኣብ ፈረንሳ ቱሎን ኣብ ዝርከብ መእለዪ ኣረጋውያን ኣብ ድቃሰን እንከለዋ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየን።
ብ1904 ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ዝተወልዳ ሉሲል ራንዶን፡ ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ኣሕሊፈን፡ ዝበዝሕ ህይወተን ድማ ንካቶሊካዊ እምነተን ዝወፈያ'የን ነይረን።
ምስጢር ነዊሕ ዕድሚአን "እቲ ሕያዋይ ጎይታ ጥራይ እዩ ዝፈልጥ" ክብላ ንጋዜጠኛታት ተዛሪበን ምንባረን ይዝከር።
ውድድር ሳይክል ዙር ፈረንሳ ሓንሳብ ጥራይ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ዝተወልዳ እዘን ፈላሲት፡ 27 መራሕቲ ፈረንሳ እውን ርእየን'የን።
ወሃቢቃል እቲ መእለዪ ኣረጋውያን ዴቪድ ታቬላ፡ ዜና ሞተን ንጋዜጠኛታት ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ንሱ፡ "ዓቢ ሓዘን እዩ ግን... ምስቲ እትፈትዎ ሓዋ ክትጽንበር ድሌታ'ዩ ነይሩ። ንዓኣ ሓርነት'ዩ" ኢሉ።
ሲስተር ኣንድሬ ምስ ኣሕዋተን ጥቡቕ ርክብ ከም ዝነበረን ይንገር። ሓደ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ ሓበሬታ፡ ሓደ ካብቲ ጽቡቕ ተዘክሮአን፡ ኣሕዋተን ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ካብቲ ውግእ ብሰላም ምምላሶም ምዃኑ ገሊጸን ነይረን።
"ሳሕቲ ዝርአ ነገር እዩ ነይሩ" ዝበላ እተን ብልቲ ጸጋ ዕድመ "ኣብ ስድራቤታት መብዛሕትኡ ግዜ ክልተ ብህይወት ዝተረፉ ዘይኮነስ ክልተ ዝሞቱ እዮም ነይሮም።"
ሲስተር ኣንድሬ ዋላ እኳ ዓይነን እንተደኸመን ብዓረብያ ኣካለ-ጉዱኣት ይንቀሳቐሳ እንተነበራን፡ ንካልኦት ኣረጋውያን ይኣልያ ነይረን - ገለ ካብኣቶም ብዕድመ ካብአን ኣዝዮም ዝንኣሱ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ምስ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝገበርኦ ቃለ መሕትት፡ ሲስተር ኣንድሬ፡ "ሰባት ስራሕ ይቐትል ይብሉ፡ ንዓይ ግን ስራሕ ብህይወት ኣጽኒሑኒ፡ ክሳብ 108 ዓመተይ ይሰርሕ ነይረ" ኢለን።
ኣብ ተመሳሳሊ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ገነት እንተዝኾና ከም ዝሕሸን እኳ እንተገለጻ፡ ከም ቸኮሌት ምብላዕን ብርጭቆ ወይኒ ምስታይን ዝኣመሰሉ ምድራዊ ባህታታት ግን መዓልታዊ ምስትምቓር ይፈትዋ ነይረን።
ሲስተር ኣንድሬ፡ ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ኣውሮጳ እተን ዝዓበየ ዕድመ ዘለወን ሰብ ኮይነን ጸኒሐን እየን።
እንተኾነ፡ ሞት እተን 119 ዓመት ዝነበራ ካን ታናካ ዝተባህላ ጃፓናዊት ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ እተን ዝዓበያ ሰብ ተባሂለን ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ጊነስ ሰፊረን።
ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ጊነስ ክኣትዋ ንመጀመርታ ግዜ ኣይነበረን። ኣብ 2021 ካብ ኮቪድ-19 ዝሓወያ ዝዓበያ ሰብ ኮይነን ተመዝጊበን እየን።
ሲስተር ኣንድሬ ካብ ፕሮቴስታንት ስድራቤት ተወሊደን፡ ድሒረን ግን ናብ ካቶሊክነት ተቐይረን፡ ኣብ 26 ዓመተን ድማ ተጠሚቐን።
"ካብዚ ንላዕሊ" ክኸዳ ብዝነበረን ድሌት ተደሪኸን፡ ናብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክጽንበራ ድሕሪ ምውሳነን ኣስታት 15 ዓመት ምስ’ቲ ኣዋልድ ግብረ ሰናይ ብዝብል ዝፍለጥ ስርዓት መነኮሳት ተጸንቢረን።
ኣብ ቪቺ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተመዲበን ድማ ዝበዝሕ ናይ ስራሕ ህይወተን፡ ማለት ኣስታት 31 ዓመት ኣብኡ ኣሕሊፈን።
ኣብ ሓደ ካብቲ ናይ መወዳእታ ቃለ መሕትተን፡ "ሰባት ኣብ ክንዲ ንሓድሕዶም ዝጻልኡ፡ ክተሓጋገዙን ክፋቐሩን ይግባእ። እዚ ኩሉ እንተ ንካፈል ነገራት ኣዝዩ ዝሓሸ ምኾነ" ክብላ ንጋዜጠኛታት ተዛሪበን ነይረን።