ሓቅነት ክስታት ብልሽውና ሕጹያት ፕረዚደንት ኬንያ ክሳብ ክንደይ'ዩ?

ቀዳማይ ሚኒስትር ኬንያ ነበር ራይላ ኦዲንጋ፡ ስልጣን ካብ ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ ንምውሳድ ሓያሎ ጐስጓስ መረጻ ክገብር ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ ኵሎም መድረኻት ጐስጓሳትን ዘረባታትን ክኣ፡ ቀንዲ ትዅረቱ ብልሽውና ገይሩ ክዛረብ ይስማዕ።

መነሓንሕቱ ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ’ውን ኣብዚ ምርጫ ከዐውቱዎ ዝኽእሉ ሓሳባት ከልዕል ጸኒሑ።

ብፍላይ ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተኻየደ ፈላማይ ክትዕ ተሌቪዥን ፕረዚደንታዊ ተነሓናሕቲ፡ ሽቕለት ኣልቦነት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ኣልዒሉ ነይሩ።

ኦዲንጋ እንታይ ይብል?

‘ሩቶ፡ ሕጹይ ምኽትል ተወዳዳሪ የብሉን፤ ምኽንያቱ [ሪጋቲ ጋቻጓ]. . . ኣብዛ ሃገር ብዝተፈጸሙ ከበድቲ ገበናት ቍጠባ ገበነኛ ተባሂሉ’ዩ’

ቤት ፍርዲ ብ28 ሓምለ ኣብ ዝነበሮ መጋብኣያ፡ ምኽትል ፕሬዝደንት ዊልያም ሩቶ ንምዃን ዝጕስጕስ ዘሎ ሪጋቲ ጋቻጓ 200 ሚልዮን ሽሊንግ [1.7 ሚልዮን ዶላር] ካበይ ከም ዝረኸቦ ከብርህ ስለ ዘይከኣለ ናብ መንግስቲ ክመልሶ ኣለዎ ኢሉ ነይሩ።

ንሱ [ሪጋቲ]፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐርብ ዘሎ ጉዳይ ንኽቃወም ዕድል ከም ዘይተዋህቦ ብምግላጽ ይግባይ ክብል ምዃኑ ገሊጹ’ዩ።

ራይላ ኦዲንጋ ግን፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኬንያ “ብገበን እንተ ተጠርጢርካ ንፕረዚደንታዊ መረጻ ኰነ ሕጹይ ምኽትል ኴንካ ክትወዳደር ኣይትኽእልን” ስለ ዝብል፡ ጋቻጓ ካብቲ ውድድር ክትወጽእ ኣለካ ክብሎ ጸኒሑ።

“ይግባይ ክብል’የ ይብል፤ ግን ከኣ ተፈሪዱዎ’ዩ፤ ብዝቐረበሉ ክሲ ገበነኛ ተባሂሉ’ዩ” ይብል።

ይዅን’ምበር፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጋቻጓ ዝቐርብ ዘሎ ጉዳይ ብብልሽውና ዝተረኽበ ገንዘብ ናይ ምምላስ ሓላፍነት ብዘለዎ ኤጀንሲ መንግስቲ ዝቐረበ ጉዳይ ሲቪላዊ ጉዳይ እምበር ገበናዊ ጕዳይ ኣይኰነን።

እቲ ሕገ መንግስቲ፡ ዝዀነ ውልቀሰብ ፕረዚደንት ወይ ምኽትል ፕረዚደንት ኰይኑ ዘይቀርበሉ ምኽንያት፡

  • ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተኣሲሩ እንተነይሩ
  • ከምኡ’ውን ስልጣን መንግስቲ ብዘይኣግባብ ተጠቒሙ እንተነይሩ’ዩ ይብል።

እንተዀነ፡ “ዕድላት ሕቶ ይግባይ ወይ ውሳነ ቤት ፍርዲ ተጸንቂቘም እንተዘይተወዲኦም” ካብቲ ውድድር ወጻኢ ኣይትኸውንን ይብል።

በዓል ሞያ ሕጊ ቦቢ ምካንጊ፡ እዚ “እቲ መስርሕ ይግባይ ኣብ መስርሕ [ከይዲ] እንከሎ” ዝዀነ ውልቀሰብ ኣብቲ ምርጫ ንኽወዳደር የፍቅደሉ’ዩ ኢሉ።

ጋቻጓ፡ ካልእ ክሲ ገበን ብልሽውና'ውን ቀሪብሉ ኣሎ፤ ንሱ ግን እቶም ክስታት ይነጽጐም።

'ዊልያም ሩቶ፡ ልዕሊ ደሞዙ ንመድረኻት ኣታዊ መአከቢ የውጽእ'

ኦዲንጋ፡ ብ21 ሓምለ ኣብ ዝተመሓላለፈ ቃለ መጠይቕ፡ ዊልያም ሩቶ ደሞዙ ክልተ ሚሊዮን ሽሊን ኬንያ ኰይኑ እናሃለወ ንመድረኻት እቶት ምትእኽኻብ [ሃራምቤ] ኣብ ወርሒ ኣስታት 100 ሚሊዮን ሽሊን [840 ሽሕ ዶላር] ዝጽጋዕ ወጻኢ ይገብር ኢሉ።

እንተዀነ፡ ብኸመይ ኣብዚ መጠን'ዚ በጺሑ ኣይንፈልጥን።

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ሩቶ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ምትእኽኻብ እቶት ተሳቲፉ’ዩ። ግን ክኣ ኣብ ኬንያ ዝዀነ ለጋሲ ብዛዕባ ዝህቦ መጠን ገንዘብ ወግዓዊ ክገብር ዘገድድ ሕጊ የለን።

ጐስጓስ ምርጫ ምስ ተጀመረ ግን፡ ዝዀነ ሕጹይ ኣብ ተመሳሰልቲ መድረኻት ክሳተፍ ኣይፍቀደሉን።

ሩቶ፡ ወጻኢ ገይርዎ ብዛዕባ ዝተባህለ ሃራምቤ ግን ንቤት ጽሕፈት ኦዲንጋ ሓቲትና፤ ምላሽ ኣይሃበን።

ጋዜጣ ኬንያ ድማ፡ ወርሓዊ ደሞዝ ሩቶ 1.2 ሚሊዮን ሽሊንግ [10 ሽሕ ዶላር] ከም ዝዀነ ይገልጽ።

ብተወሳኺ ሩቶ፡ ካልኦት ምንጪ እቶት ዝዀኑ ንግድን ወፍርን ከም ዘለውዎ ይፍለጥ፤ እንተዀነ ካብዚኦም ክንደይ ኣታዊ ይረክብ ዝብል ብወግዒ ዝፍለጥ ነገር የለን።

‘ኣብ ዘመነይ ዝተነቕፈ በዓል ስልጣን የለን’

ኦዲንጋ፡ ካብ 2008 ክሳብ 2013 ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።

ኣብ 2010፡ መንግስቲ ድጐማ ዝገብረሉ ናይ ዕፉን ፕሮግራም ብልሽውና ተፈጺሙ።

ኣብቲ እዋን፡ ክልተ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝሰርሑ ሰባት ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሰበ ስልጣን መንግስቲ መርመራ ክግበረሎም ዝሕብር ጸብጻብ ወጺኡ።

ኮሚሽን ጸረ-ብልሽውና ኬንያ፡ ናይ ባዕሉ ምጽራይ ድሕሪ ምክያድ ኣብ ልዕሊ እቶም ክልተ ዝተመልከቱ ሰባት መረዳእታ ክረክብ ከም ዘይክኣለ ብምግላጽ እቲ ጉዳይ ክዕጾ ኣለዎ ኢሉ።

እቶም ሰራሕተኛታት ድማ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ስርሖም ተመሊሶም።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ሽቕለት ኣልቦነት ንምቅላስ ዝቐንዐ ብባንኪ ዓለም ዝሕገዝ ፕሮጀክት ዝተሓሓዝ ክትዕ ተላዒሉ።

ኣባላት ባይቶ ግን፡ ምሕደራ እቲ ፕሮጀክት ዝምልከት ነቐፌታ ከቕርቡ እንከለው፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዝርከቡ ሰብ መዚ ተመዝሚዙ’ዩ ኢሎም።

ኣብቲ እዋን፡ ባንኪ ዓለም ምስ ምሕደራ እቲ ፕሮጀክት ብዝተሓሓዝ ዘለዎ ስግኣት ዘልዓለ ኰይኑ፡ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተጠፋፊኡ ዝተባህለ 33 ሚሊዮን ሽሊን [277 ሽሕ ዶላር] ኣበይ ከም ዝወዓለ መብርሂ ክህብ ሓቲቱ ነይሩ።

ብወግዒ ግን በዚ ምጥፍፋእ ዝኸሰሶም ሰብ መዚ የለውን።

ድሕሪኡ ኦዲንጋ፡ “ኣብ ትሕቲ እቲ ፕሮግራም ዝጠፍአ ታዕሪፋ'ውን የለን” ክብል ንባይቶ ተዛሪቡ።

ዊልያም ሩቶ ኸ እንታይ ኢሉ?

ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብቲ ሕጹያት ተነሓናሕቲ ፕረዚደንት ክቐርብሉ እዮም ተባሂሉ ትጽቢት ተገይሩ ዝነበረ ናይ ተሌቪዥን ክትዕ ንበይኑ’ዩ ተረኺቡ።

ኣብ ክልተ ቃለ-መጠይቓት ብዛዕባ ዘልዓሎም ጉዳያት ክንጠቅስ።

‘ሓሙሽተ ሚልዮን ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ኣለውና’

እዚ ቝጽሪ ካብቲ መንግስቲ ዝህቦ ወግዓዊ ቝጽሪ ንላዕሊ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ስታቲስቲክ፡ ዕድመኦም ካብ 15 -64 ዝዀኑ 2.5 ሚሊዮን ኬንያውያን ካብ ስራሕ በዂሮም ኣለው ይብል።

ብመሰረት እቲ ብ2019 ዝተኻየደ ቈጸራ ህዝቢ፡ ዕድመኦም ካብ 18 ክሳብ 34 ዝዀኑ 1.6 ሚሊዮን መናእሰይ ሸቕለት ኣልቦ ነይሮም።

ብ2015 ዝወጽአ ጸብጻብ ድማ፡ ኣብ ኵሉ ዕድመ ዝርከቡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ክሰርሕ ዝኽእል ዓቕሚ ሰብ፡ ስራሕ የብሉን ወይ’ውን “ትሕቲ ግቡእ ዝተቘጽረ” እዩ ይብል። እዚ ማለት፥

  • እቲ ዝሰርሕሉ ሰዓት እዅል ኣይኰነን
  • ዓቕሞም/ ክእለቶም ብዝግባእ ኣብ መዓላ ኣይወዓለን
  • ክንድ’ቲ ከፍርዩዎ ዝግባእ ውጽኢታዊ ኣይኰኑን

’ኣስታት 80 ሚእታዊት ልቓሕ ውሽጣዊ’ዩ’

ሩቶ፡ ኬንያ ካብ ውሽጢ እያ ትልቃሕ ዘላ ብምባል፡ “እዚ ማለት ንሃገርለኸ ኢንተርፕራይዛት’ውን ኢና ንጐድእ ዘለና” ኢሉ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ማእከላይ ባንኪ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግን፡ ጠቕላላ ልቓሕ መንግስቲ 8.2 ትሪሊዮን ሽሊን፡ ውሽጣዊ ልቓሕ 4 ትሪሊዮን፡ ካብ ደገ ዝተረኸበ ልቓሕ ድማ 4.2 ትሪሊዮን ሽሊን ከም ዝዀነ የመልክት።

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘውጽኦ ጸብጻብ’ውን፡ ካብ ደገ ዝመጽእ ልቓሕ ብ2013 ካብ ዝነበሮ 44.5 ሚእታዊት ብ2020 ናብ 52.5 ሚእታዊት ዓብዩ ይብል።

ኣብ ፈላሞት ኣርባዕተ ዓመታት ስልጣን ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ [ካብ 2013 ክሳብ 2017] ግን፡ ካብ ደገ ዝመጽእ ልቓሕ ቅድሚ ምውሳኹ ውሽጣዊ ልቓሕ ኣዝዩ ዝለዓለ ነይሩ።