ኣመሪካ ንሓደ ሓላፊ ዕጡቕ ጉጅለ ዘለዎ ንዝሓበረ ሰብ 5 ሚልዮን ዶላር ክትህብ ምዃና ገሊጻ

ኣመሪካ ንሓለፊ እቲ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝንቀሳቕስ ዕጡቕ ጉጅል ንኽትሓዝ ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ 5 ሚልዮን ዶላር ሞቕሽሽ ክትህብ ምዃና ገሊጻ።

እዚ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝድለ ዘሎ ሴካ ሙሳ ባሉኩ ዝተብሃለ ሓላፊ፡ ኣብ ምብራቕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብብዝሒ ዝንቀሳቐስ ‘ኣላይድ ዴሞክራቲክ ፎርስ’ ንዝተባሃለ ዕጡቕ ጉጅል ዝመርሕ ሰብ’ዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ እቲ ጉጅለ ምስ ኣይኤስ ዝተብሃለ እስላማዊ ዕጡቕ ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ቐቲሉ፣ ኣካላት ደቂ ሰባት ቖሪጹ፣ ጾታዊ ዓመጽ ይፍጽምን ህጻናት ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ጨውዩን ብዝብል’ዩ ዝኸሶ።

ኣመሪካ ኣብ 2021 ነቲ ‘ኣላይድ ዴሞክራቲክ ፎርስ’ ዝተብሃል ጉጅለ፡ ኣብ መዝገብ ግብረሽበራውያን ጉጅለታት ከምዘስፈረቶ ዝዝከር’ዩ።

መራሒ ‘ኣላይድ ዴሞክራቲክ ፎርስ’ ዝኾነ ሴካ ሙሳ ባሉኩ መበቖሉ ኡጋንዳዊ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 1990ታት’ውን ኣብ ልዕሊ መበቖል ሃገሩ መጥቃዕትታት ይፍጽም ነይሩ’ዩ።

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሜሴቬኒ ኣብ ልዕሊ እስላም ኡጋንዳውያን በደላት ይፍጽም ኣሎ ብምባል ዝተበገሰ እዚ ‘ኣላይድ ዴሞክራቲክ ፎርስ’ ዝተብሃለ ጉጅለ፡ ምስ ግዜ ናብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብምስጋር ነቲ ‘ጅሃዳዊ’ ተግባራቱ ይፍጽም ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ ኡጋንዳ ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ድሕሪ ምንቅስቓስ፡ ብወተሃደራት ኡጋንዳ ስዕረት ምስ ኣጓነፎ ናብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ጎንጎ ሰጊሩ ኣብ ሰሜን ክፍለ ግዝኣት ኪቩ ዓስኪሩ’ዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ።

ኣብ 2015 መራሒ እቲ ጉጅል ዝነበረ ኣብ ትሕሪ ቁጽጽር ድሕሪ ምእታዉ፡ ሴካ ሙሳ ባሉኩ ካብ ዝሓለፈ 8 ዓመታት ጀሚሩ ነቲ ጉጅለ ኣብ ምምራሕ ይርከብ።

ሕቡራት ሃገራት እቲ ብሴካ ሙሳ ባሉኩ ዝምራሕ ጉጅለ፡ ንልዕሊ 200 ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ከምዝቐተለን ጠንቂ ምምዝባል ልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት ከምዝኾነን ይገልጽ።