ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣፍጋኒስታን፡ ኣማኢት ሰባት ሞይቶም ከይኰኑ ተሰጊኡ

ኣብ ምዕራብ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተሰጊኡ።

እቲ 6.3 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ካብ ምዕራባዊት ከተማ ሄራት ኣስታት 40 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢራን ከም ዘጋጠመ ዳህሳስ ጂኦሎጂ ኣሜሪካ ዝሓበረ ዀይኑ፡ ኣስታት 12 ቁሸታት ዓንየን ተባሂሉ።

ብርክት ዝበሉ ህንጻታት ከም ዝተሃስዩን ሰባት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ከም ዝተደበዩን ሰበስልጣን ኣፍጋኒስታን ገሊጾም።

ብተወሳኺ ነቲ ናይ መጀመርታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስዒቡ እንተወሓደ ሰለስተ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ’ዩ።

"ሃንደበት እቲ ህንጻ ክናወጽ ከሎ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈትና ኔርና። መንደቕ ተሰንጢቑ፡ ገለ መናድቕን ክፋላት ናይቲ ህንጻን ፈሪሱ" ክብል ነባሪ ሄራት በሽር ኣሕመድ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

"ምስ ስድራይ ክራኸብ ኣይከኣልኩን፡ ኔትወርክ ተቛሪጹ። ኣዝየ ተጨኒቐን ፈሪሐን ኣለኹ፡ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ" ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።

ልዕሊ 70 ዝቖሰሉ ሰባት ኣብ ሆስፒታል እታ ከተማ ሕክምና ይግበረሎም ከም ዘሎ ሓደ በዓል ስልጣን ጥዕና ሓቢሩ።

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድሕሪ ምጅማሩ ካብ መምሃሪ ክፍሉ ብሰላም ዝወጸ ናይ መወዳእታ ተማሃራይ እድሪስ ኣርሳላ፡ "እቲ ኵነታት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ፡ ከምዚ ዓይነት ነገር ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን" ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ሄራት ካብ ዶብ ኢራን ንምብራቕ 120 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ኰይና፡ ከም ባህላዊት ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን’ያ ትቑጸር።

ኣብታ ክልል፡ 1.9 ሚልዮን ዝግመቱ ነበርቲ ከም ዘለዉ ባንኪ ዓለም ኣብ 2019 ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።

ኣፍጋኒስታን ብተደጋጋሚ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ትጥቃዕ’ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ፡ ኣብ ግዝኣት ፓክቲካ ዘጋጠመ 5.9 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስዒቡ ልዕሊ 1000 ሰባት ከም ዝሞቱን ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ድማ ብዘይገዛ ከም ዝተረፉን ይዝከር።