መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክሊ ኣየር ሶማልያ ዘጋጠመ ኵነታት እንታይ ኢሉ?

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን፡ ክልተ ብክሊ ኣየር ሶማልያ ዝሓልፋ ዝነበራ ነፈርቲ መገዲታት ኣየር ኢትዮጵያን ቐጠርን ክላተማ ቀሪበን ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምውጽኡ ብዙሕ ከዘራርብ ቀንዩ ኣሎ።

እቲ እተን ነፈርቲ ‘ክጋጨዋሉ’ ቀሪበን ነይረን ዝተባህለ ክስተት፡ ብቐደም ኣቈጻጽራ ሰዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰዓት 4፡30 ድሕሪ ቀትሪ’ዩ ነይሩ።

እዚ ሓበሬታ፡ ኣቐዲሙ ብወገን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ክወጽእ እንከሎ፡ በዓል መዚ ኣቪየሽንን መዓርፎ ነፈርትን ሶማሊላንድ፡ “ኣብ መንጐ ክልቲአን ነፈርቲ -40 ሽሕ ጫማን 39 ሽሕ ጫማን - ዝነበረ ርሕቀት ዝተቐራረበ - ኣዝዩ ሓደገኛ- እዩ ነይሩ” ክብል ብፌስቡክ ጽሒፉ።

በዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ሶማልያን ግን፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ነፈርቲ ዝነበረ ርሕቀት ስግኣት ዝፈጥር ኣይኰነን ብምባል ነቲ ሓበሬታ ነጺግዎ’ዩ።

“ኣብ መንጐ ክልቲአን ነፈርቲ ዝነበረ ርሕቀት ሓደገኛ ኣይነበረን። ኣብ ንቡር ደረጃ ብራኸ እየን ነይረን" ክብል ዳይሬክተር እቲ ኣቪየሽን ኣሕመድ ሙዓሊም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ስለዚ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እንታይ ይብል?

ኣብዚ ጉዳይ ቢቢሲ ዝተወከሶ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ነፋሪቱ ኣብ ክሊ ኣየር ሶማልያ እንከላ ‘ካልእ ነፋሪት ትጽጋዕ ኣላ’ ዝብል ሓበሬታ ትራፊክ ካብ መገዲ ኣየር ሶማልያ ከም ዝበጽሖ ኣረጋጊጹ።

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትበረሉ ናብ ዝነበረት ርሕቀትን ከባብን ትጽጋዕ ኣላ ዝተባህለት ነፋሪት ድማ፡ ዋንነት መገዲ ኣየር ቐጠር እያ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ብዛዕባ እታ ነፋሪት ዝበጽሖ ሓበሬታ፡ ‘Data-link’ ናብ ዝበሃል መአከቢ ሓበሬታ ከም ዝበጽሐን “ክልቲአን ነፈርቲ ምግጫው ዝከላኸል‘’ (Traffic Avoidance Collision System) ዝበሃል ዘመናዊ ስርዓት ከም ዘለወንን ሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ፡ ህጹጽ መጠንቀቕታ ዝህብን ኣብ ተመሳሳሊ ብራኸ ካልእ ነፋሪት ከም ዘላ ዘመልክትን ስርዓት ከም ዝዀነ እቶም ትካላት ይገልጹ።

“ክልቲአን ነፈርቲ ምግጫው ዝከላኸል ‘TCAS’ ዝበሃል ዘመናዊ ስርዓት ኣለወን። ኣብ መንጐአን ዝነበረ ርሕቀት 13NM (Nautical Miles) ወይ ድማ ኣስታት 23 ኪሎ ሜትር ዝኸውን ርሕቀት’ዩ" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ክልቲአን ነበርቲ ብብራኸ ጥራይ ዘይኰነ ብጐኒ ዘለወን ርሕቐት ዝሕሉ ‘SLOP’ (Strategic Lateral Offset Procedure) ዝበሃል ካብቲ ዝበራሉ ዝነበራ ርሕቀት ከይወረዳ ኣንፈተን ክቕይራ ዝገብር ስትራተጂ ተግባራበዊ ይገብራ ከም ዝነበራ እቲ ብኢመይል ናብ ቢቢሲ ዝልኣኾ መግለጺ የመልክት።

በዚ መሰረት ኣብረርቲ ክልቲኦም መገዲታት ኣየር፡ ዝነበሮም ብራኸን መስመርን ሓልዮም ጉዕዝኦም ከም ዝቐጸሉን ብሰላም ከም ዝዓረፉን ገሊጹ።

እቲ ዝበረሉ ዝነበረ ብራኸ ክውስኽ ተገይሩ'ዩ ዝተባህለ መገዲ ኣየር ቀጠር ብወገኑ፡ እቲ ክስተት ዝምልከት ንዝምልከቶም ኣካላት ሪፖርት ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።

"ኣብቲ እዋን፡ ምስ ኣሰራርሓ መገዲ ኣየር ቀጠር ብዝጠዓዓም መልክዑ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ምላሽ ሂቦምሉ'ዮም። እቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ድሕነት ተጉዓዝትን ሰራሕተኛታትን ኣብ ሕቶ ዘእቱ ነገር ኣይገጠሞን" ይብል።

ነዚ ብዝምልከት በዓል ስልጣን ኣቪየሽን ሶማልያ፡ ካብ ስርዓት ጸረ-ምግጫው ነተን ነፈርቲ ዝተወሃበ መልእኽትታት መጠንቀቕታ ሓደጋ ዘይኰነስ ምኽሪ ምዃኑ ገሊጹ። እንተዀነ እቲ ኣብ መንጐአን ዝነበረ ርሕቀት ሓደገኛ ኣይኰነን ብምባል ነቲ ስግኣት ይነጽጐ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቲ ሓበሬታ ክበጽሕ እንከሎ፡ ኣብረርቲ ክልቲን መገዲ ኣየራት እቲ ዝነበሩሉ ብራኸ ክዕቅቡን ናብ መዕረፊኦም ብደሓን ክበጽሑን ዘኽእሎም ‘ውሑስ ርሕቀት’ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ቀጻሊ ‘ናይ መአረምታ’ ስጕምታት ንኽውሰዱ ተወሳኺ ምጽራይ ንኽካየድ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ሶማልያን ከም ዘፍለጠ ገሊጹ።

እታ ዋንነታ መንገዲ ኣየር ቐጠር (Qatar 6U) ዝዀነት ነፋሪት ቅድሚ ብ40 ሽሕ ጫማ ክትበርር ሓበሬታ ዝበጽሓ፡ ኣብ 38 ሽሕ ጫማ ናብ ዩጋንዳ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ እያ ትበርር ነይራ።

ቍጽሪ በረራ ET602 ዝዀነት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ብ39 ሽሕ ጫማ ናብ ዱባይ ትበርር ነይራ።

ቅድም ኢሉ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ናብ ርእሰ ከተማ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝዀነት ሃርጌሳ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ክሊ ኣየር ሶማልያ ቅድሚ ምእታዋ ንድሕሪት ከም ዝተመልሰት ይዝከር።

እታ ቍጽሪ በረራኣ ET8372 ዝዀነት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ሶማልያ ፍቓድ የብላን ብዝብል ብ17 ጥሪ 2024 ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሳ ክትዓልብ ከም ዝተገደደት ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

ኢትዮጵያን ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን፡ ድሕሪ ዝፈረመቶ ስምምዕ ምርድዳእ፡ ኣብ መንጐ ኣዲስ ኣበባን ሞቓድሾን ወጥሪ ዓሲሉ ምህላው ይፍለጥ።

እዚ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊላንድ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብን ኢትዮጵያ ድማ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባን ዝብል ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ሶማልያ እዚ ኣብ ልኡላውነታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምዃኑ ብምግላጽ ተቓዊማቶ’ያ።

እዚ፡ ኣብቲ ዞባ ዲፕሎማስያዊን ፖለቲካውን ወጥሪ ፈጢሩ ይርከብ።