ሶማልያ፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኰይና ምምራጻ ዝፈጠሮ ተስፋ

ሶማልያ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘይቀዋሚት ኣባል ኰይና ምምራጻ፡ ነታ ኣብ ቀይቀይ ዘላ ሃገር ዓብዪ ዝላ ምዃኑ ተገሊጹ።

እታ ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመት ኣብ ኵናት ሓድሕድ ተጸሚዳ ዘላ ሶማልያ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዘይቀዋሚ ውክልና ክውሃባ ድሕሪ 1970ታት እዚ ናይ ፈለማ’ዩ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ግጭታት ከመይ ክፍታሕ ኣለዎ ዝውስን ንውሱናት ሃገራት ፍሉይ ስልጣን ዘውህብ ሓለፋ’ዩ።

ሶማልያ ዘይቀዋሚት ኣባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኰይና ምምራጻ፡ ነቲ ኣብ ሃገራ ምስ እስላማውያን ዕጡቓት ብዝተሓሓዝ ዘለዋ ጸገማት ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነኸተስምዕን ንምፍትሑ ክትጽዕርን ዓብዪ ዕድል ከም ዝፈጥረላ ተንተንቲ ይገልጹ።

ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዘይካ እተን ቀወምቲ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ዝዀና ኣሜሪካ፡ ፈረንሳ፡ ቻይና፡ ሩስያን ዓባይ ብሪጣንያን ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ኣብ ከክልተ ዓመት ዝቀያየራን ዘይቀወምትን ኣባላት ተባሂለን ይምረጻ’የን።

ሓንቲ ሃገር ኣብቲ ኣብ ዓለም ጸላዊ ዝዀነ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዘይቀዋሚ ኣባልነት [ሰድያ] ንክትረክብ ብውሕዱ ካብቶም ወከልቲ ሃገራት ኰይኖም ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝሳተፉ ክልተ መሰለስ ድምጺ ክትረክብ ኣለዋ።

ሶማልያ ከኣ ምስ ዴንማርክ፡ ግሪኽ፡ ፓናማን ፓኪስታን፡ ነዚ ድምጺ እዚ ስለ ዝረኸበት ካብ ዝመጽእ ጥሪ ጀሚራ ንክልተ ዓመት ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ኰይና ክትሰርሕ’ያ።

ሶማልያ ነቲ ንዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተሓዝአ ቦታ ንምሓዝ ካብ 193 ኣባላት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ካብ 179 ሃገራት ድምጺ ብምርካብ’ያ ክትሕረ ክኢላ።

ሶማልያ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘይቀዋሚ ኣባልነት ምስ ረኸበት ንልኡኽ ሶማልያ መሪሑ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተረኸበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣሕመድ ፋቂ ሃገሩ “ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ቦታኣ ሒዛ” ኢሉ።

እቲ ሚኒስተር ብምስዓብ “ኣብ ዓለም ሰላምን ጸጥታን ንምስፋን ዓቢ ግደ ንክህልወና ተዳሊና ኣለና” ኢሉ።

ሶማልያ ብመሓመድ ሰይድ ባረ ኣብ እትምርሓሉ ዝነበረት እዋን’ያ ኣብ 1991 ናብ ኵናት ሓድሕድ ኣትያ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ከኣ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ነታ ሃገር ሰላም ንኽሰፍናን ማእከላይ መንግስቲ እታ ሃገር ግቡእ ስልጣኑ ንኽሕዝን ዓብዪ ጻዕሪ ከካይዱ ጸኒሖም’ዮም።

ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ’ውን ነቲ ክሳብ ሕጂ ንዝሰፈሐ ክፋል እታ ሃገር ተቆጻጺሩ ዘሎ እስላማዊ ዕጡቕ ኣልሸባብ ንምምካት ኩሉ ዝክኣሎ ክገብር ጸኒሑ።

እቶም ምስ ኣልቒዒዳ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ኣልሸባብ ነቲ ማእከላይ መንግስቲ ዓልዮም ኣብታ ሃገር ብእስላማዊ ሕጊ ዝምራሕ መንግስቲ ንምምስራት’ዩ ዕላማኦም።

ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዝነበረ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ሰራዊት በብቁሩብ ካብታ ሃገር ይወጽእ ስለ ዘሎ፡ መንግስቲ ሶማልያ ንኣልሸባብ ብሰራዊቱ ክምክቶም ጀሚሩ ኣሎ።

ግዝያዊ ወኪል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ ጀምስ ስዋን፡ ሶማልያ ዘይቀዋሚት ኣባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኰይና ምምራጻ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ንዓለማዊ ሽግራት ንምፍታሕ ዘለዎ ድልውነት ዘርኢ ምዃኑ ሓቢሩ።

ጀምስ ስዋን ብምስዓብ “ሶማልያ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ሃገራት ሰላም፡ ጸጥታን ብልጽግናን ንኸተስፍን ነዊሕ ክትሰርሕ ጸኒሓ’ያ” ኢሉ።

ክኢላ ጸጥታ ሳሚራ ጋይድ ንኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ዋርፖድ ዝተባህለ ፖድካስት ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሶማልያ “ድሕሪ ሕጂ መርኣያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣይክትከውንን’ያ” ኢላ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓለም ንዝዋፈሩ ዓቐብቲ ሰላምን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ይኹን ውልቀሰባት ንዝንበር እገዳን ናይ ምውሳን ዝልዓለ ስልጣን ዘለዎ ባይቶ’ዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ እቲ ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ንነዊሕ ዓመታት ተነቢሩ ዝነብረ እገዳ ምሽማት ኣጽዋር ከም ዘልዓሎ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንዘይቀወምቲ ኣባላት ዝሕዛእ ሰድያ ብዞባታት ዝተኸፋፈለ ኰይኑ፡ እንተዀነ እተን ሓሙሽተ ብዘይቀዋምነት ዝምራጻ ሃገራት ልክዕ ከምተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ሃገራት ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰል [ቬቶ] የብለንን።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣፍሪቃ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክልተ ቀወምትን ክልተ ተወሰኽቲ ዘይቀወምትን ውክልና ክህልዎ ንነዊሕ ዓመታት ክሓትት ምጽንሑ ዝዝከር’ዩ።

እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ንኣፍሪቃ ሓንቲ ዘይቀዋሚት ውክልና ጥራይ’ዩ ተፈቂድዋ ዘሎ።