ወተሃደራዊት መርከብ ቱርኪ ስለ ምንታይ ናብ ሞቓድሾ መጺኣ?

ብሰሉስ፡ ገዛፍ ወተሃደራዊት መርከብ ቱርኪ ናብ ሶማልያ ሞቓድሾ ከም ዝኣተወት ይፍለጥ።

እዚ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈረመ ሓድሽ ወተሃደራዊ ስምምዕ ዝጽንብል ከም ዝዀነ ይግለጽ።

እቲ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ብዝብል ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ድሕሪ ዝፈረመቶ ኣካታዒ ሰነድ ስዒቡ ዝመጽአ ምዃኑ ይዝከር።

ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ሃገሩ "ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእተወ ተግባር’ዩ" ብምባል ነቲ ስምምዕ ክቃወሞን ክነጽጐን ጸኒሑ ኣሎ።

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ሶማልያ ዓለምለኻዊ ደገፍ ንምርካብን ወተሃደራዊ ሓይላ ንምጥንኻርን ሰፋሕቲ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ክትሰርሕ ጸኒሓ እያ።

ወተሃደራዊት መርከብ ቱርኪ ኣብ ሞንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወተሃደራዊ ምምትሕብባር ንምርኣይ፡ ብ23 ሚያዚያ 2024 ኣብ ሞቓድሹ ክትኣቱ እንከላ ዝተፈላለዩ ሰብ መዚ ክልቲአን ሃገራት ተረኺቦም።

ኣብቲ እዋን ፕሬዝደንት ሓሰን ሸኽ ሞሓሙድ፡ “ሓይሊ ባሕሪ ሶማልያ ምሉእ ምቁጽጻር ማያት ዘረጋግጸሉ እዋን ርሑቕ ኣይኸውንን፤ መስርሕ ምስ ህዝቢ ቱርኪ ዝፈረምናዮ ሕውነታዊ ስምምዕ ምክልኻል ስለ ዝጀመረ’የ ንህዝቢ ሶማል ነዊሕ ከም ዘይወስድ ክሕብሮ ደልየ” ክብል ተዛሪቡ።

ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ሶማልያ ኣልፐር ኣክታስ ብወገኑ፡ ምብጻሕ እታ ወተሃደራዊ መርከብ ኣካል እቲ ክልቲአን ሃገራት ዝፈረምኦ ስምምዕ ምክልኻልን ቁጠባን ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ "እዚ ምሕዝነትና ሕውነትናን ምስ ሶማልያ እንካፈሎ ሓበራዊ ራእይን ክንደየናይ ዝደልደለ ምዃኑ ዘርእይ’ዩ" ኢሉ።

“ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉእላውነትን ሶማልያ ንምክልኻል ኵሉ ዝክኣለና ገይርና ኢና፤ ክንቅጽሎ’ውን ኢና። ድሕነት ሶማልያ ድሕነት ቱርኪ’ዩ” ክብል ገሊጹ።

እቲ ስምምዕ፡ ጸጥታ ባሕሪ ሶማልያ ኣብ ምዕባይ ዓቢይ ስጕምቲ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

ን30 ዓመታት ኣብ ኲናት ሓድሕድን ዘይምርግጋእን ዝጸንሐት ሶማልያ ምስ ቱርኪ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ስምምዕ፡ ንግብረሽበራ፡ ሽፍትነት፡ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳን ካልእ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ዞባ ዘጋጠመ ስግኣታትን ንምምካት ዓቕሚ ከም ዝህባ ድማ ይንገር።

ተንታኒ ፖለቲካ ማእኸላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓብዱልራሕማን ሰይድ ኣቡ ሓሽም ትማሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ፡ ምምጻእ ወተሃደራዊት መርከብ ቱርኪ ናብ ሶማልያ፡ ክልትኣዊ ዝምድና እተን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ይዓቢ ከም ዘሎ ዘርኢ ምዃኑ ገሊጹ።

ብተወሰኺ፡ ኣብዚ እዋን፡ ሶማልያ ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ እናሓርፈፈ፡ ምስ ቱርኪ ዘለዋ ርክብ ድማ እናማዕበለ ይመጽእ ምህላው፡ ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪ ናብ ሶማልያ ምምጽኡ ነዚ ዘንጸባርቕ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ ይብል።

“ሶማልያ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኣለዋ’ዩ፤ እዚ፡ ጠንካራ ኰይኑ ንሶማልያ ክቆጻጽር’ኳ ንእተዘይክኣለ፡ ንዕኡ እናጠናኸረት ምስ ቱርክን ካልኦት ሃገራትን ብምትሕብባር ሓይሊ ኣየርን ካልእን ንምውዳብ ዘኽእላ ዓቕሚ ክትሃንጽ ትኽእል እያ” ኢሉ።

ሶማልያ ነዊሕ ገምገም ባሕሪ ስለዘለዋ ኣብኡ ድማ ነዳድን ካልኦት ጸጋታት ባሕርን ስለ ዘለው ነዚኦም ንምሕላው ሓይሊ ባሕሪ ከም ዘድልያ ተንታኒ ዓብዱልራሕማን የረድእ።

ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝፈጠሮ ቁጥዐ

ኢትዮጵያ፡ ብሓደ ጥሪ 2024 ዓ.ም፡ ምስ ሶማሊላንድ ወደብ ባሕሪ ክትረክብ ዘኽእላ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ከም ዝተፈራረመት ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ስምምዕ ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊላንድ ኣስታት 20 ኪሎ ሜተር ወደብ ክትረክብ እያ።

ሶማሊላንድ ድማ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወይ ኢትዮ ቴሌኮም ዝተወሰነ ብጽሒት ከም እትረክብ መንግስቲ ገሊጹ እዩ።

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ይዅን ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍልጦ ዘይተወሃባ ሶማሊላንድ ካብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ኣፍልጦ ክትረክብ ትኽእል እያ ዝብል ሓሳብ እኳ እንተቐረበ፡ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዝተባህለ ነገር የለን።

ንሶማሊላንድ ከም ኣካል ግዝኣታ እትቘጽራ ሶማልያ፡ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ፕረዚደንት ሙሰ ቢሂን ዝተኸተመ ስምምዕ ብምቅዋም ኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ስሒባ’ያ።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት ድማ፡ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ካብ ሃገራ ክወጽእ ኣዚዛ።

ብድሕሪ'ዚ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ "ዝነጽግ" ሕጊ ፈሪሙ ኣጽዲቑ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ምስ ፕረዚደንት ግብጽን መራሒ ቐጠርን ብተሌፎን ከም ዝተዘራረበን፡ ግብጺ እውን ብወግዒ "መሬታዊ ሓድነት ሶማልያ ክሕሎ ኣለዎ" ከም ዝበለትን ይዝከር።

ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን፡ " ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ክሕሎ ኣለዎ" ክብሉ ርእይቶ ክህቡ እንከለዉ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዘሎ "ወጥሪ" ክለዝብ ጸዊዑ እዩ።

ኬንያ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተፈጥረ ወጥሪ ንምህዳእ ክሕግዝ ይኽእል’ዩ ዝበለቶ ዞባዊ ስምምዕ ኣጠቓቕማ ኣገልግሎት ገምገም ባሕሪ ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ።

እዚ ሓሳብ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ብመሰረት ስምምዕ ንግዲ ኣገልግሎት መተሓላለፊ ባሕሪን ጥቕምን ዝረኽባሉ ዕድል ዝፈጥር’ዩ ተባሂሉ።

እንተዀነ፡ ሶማልያ ብወገን ኬንያ ዝቐረበ ኣማራጺ ሓሳብ የለን ክትብል ነጺጋቶ'ያ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ፡ ዲየታ ዓሊ ዑመር ባላድ ብ4 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም [ግ] ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝምልከት ጸብጻባት ስምምዕ ፍጹም መሰረት ዘይብሎም'ዮም። ሶማልያ ብጉዳይ ግዝኣታዊ ሓድነታ ኣይትዋገን" ብምባል፡ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ትኹረት ክግበር ጸዊዑ።

ኢትዮጵያ፡ ምስታ ሶማልያ ከም ኣካል ግዝኣታ እትቘጽራ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ሃያል ቁጥዐ ፈጢሩ ከም ዘሎ ዝጠቅስ ተንታኒ ፖለቲካ ማእኸላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓብዱልራሕማን ሰይድ ኣቡ ሓሽም፡ሶማልያ ኢትዮጵያ ውሳንኣ ዳግመ ግምት ክትገብረሉ ከም እትደሊ ይሕብር።

ክሳብ ሕጂ፡ "ኢትዮጵያ ይቕሬታ ክትሓትት ወይ ካብቲ ስምምዕ ከተንሳሕብ ኣይተራእየትን። በዚ ምኽንያት ሶማልያ ኣብ ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ዓቕማ ብዙሕ ክትሰርሕ ቀንያ ኣላ" ብምባል ምምጻእ ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪ ኢትዮጵያ ውሳንኣ ክትሓስበሉ ዘዘኻኽር'ዩ ይብል።

እዚ ኣብ መንጐ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝርአ ዘሎ ወጥሪ ክትዓረቕ ዝኽእል ድማ፡ ብሸነኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክውሰድ ዝኽልእ ስጕምቲ ዝድረኽ ምዃኑ ይኣምን።

"እዚ ኽኣ ካብቲ ምስ ክልል ሶማሊላንድ ዝገበሩዎ ስምምዕ ክስሕቡ ኣገዳሲ እዩ። ንመንግስቲ ሞቓድሾ'ውን ብወግዒ ይቕሬታ ክሓቱዎ ነቲ መገዲ ከርሕዎ ይኽእል እዩ፤ ስምምዕ ተጠቃምነት ባሕሪ’ውን ብወግዓዊ ንመንግስቲ ሶማልያ ገይሮም ክሓትሉ ይኽእሉ’ዮም"።

ቱርኪ፡ ምስ ኢትዮጵያ ንዓመታት ዝዘለቐ ርክባት ቁጠባ፣ ንግዲ፣ ፖለቲካን ዲፕሎማስን ከም ዘለዋ ይፍለጥ።

ኣብ ሶማልያ'ውን፡ ብቐንዱ ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕናን ትሕተ ቕርጽን ከምኡ'ውን ኣንጻር ግብረ-ሽበራን ቅርሰና ባሕርን ዝግበር ቃልሲ ቀንዲ ተሓባባሪትን ኣውፋሪትን ልምዓት ሶማልያ ኰይና ጸኒሓ እያ።

ኢትዮጵያ ንዓለምለኻዊ ሕጊ ዓለም ጥሒሳ ምስ ሶማሊላንድ ስምምዕ ገይራ ምህላዋ፡ ካብ መንግስታት ዓለም ተቓውሞ ኣስዒቡላን ከም ዘሎ ዝገልጽ ዓብዱልራሕማን፡ "ኲናት እንተተላዒሉ ቱርኪ ምስ ሶማልያ ምስላፋ ኣይተርፍን" ኢሉ።

ይኹን'ምበር፡ "ቱርካውያን ኣተሓሳስብኦም ስትራቴጂካዊ ስለ ዝዀነ፡ (ኢትዮጵያን ሶማልያን) ናብኡ ቅድሚ ምእታወን ብርክት ዝበሉ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪታት ክገብሩ’ዮም ኢለ ይግምት" ክብል ኣብሪሁ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ቀረባ ንበዓል ዒድ-ኣልፈጥር ኣመልኪቱ ኣብ ዘሕለፎ መልእክቲ፡ ኢትዮጵያ "ንሉኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ሓደጋ እያ" ብምባል ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ድርድር ከም ዘይህሉ ገሊጹ።

"መራሕቲ ኢትዮጵያ ናብ ልቦም ክምለሱ ኣለዎም" ዝበለ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ጐንጺ ትጽሕትር ዘላ ኢትዮጵያ እምበር ሶማልያ ከም ዘይኰነት ንዓለም የፍልጥ ከም ዘሎ ሓቢሩ'ዩ።

“ንሕና ዝዀነ ክፋል ኢትዮጵያ ንደሊ ኣይበልናን።ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ኣይንህቦን ኣይበልናን፤ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ስምምዕ ተዘይፈጸምና ኣይበልናን” ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ኵነታት ንምዝሕሓል ብዝመስል መገዲ ሃገሩ ንሶማልያ ንምጕዳእ ዋላ ሓንቲ ድልየት ከም ዘይብላን እቲ ወጢናቶ ዘላ ሓፈሻዊ መደብ ከኣ ነቲ ዞባ ዝጠቅም ከም ዝዀነን ገሊጹ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሃገሩ ምስ ሶማልያ ናብ ኲናት ክትኣቱ ከምዘይትደሊ ይግለጽ ደኣ እምበር ክሳዕ ሕጂ ክልተኤን ሃገራት ተቐራሪበን ጸገማተን ንምፍታሕ ዝጀመራኦ ተግባር ከምዘየለ’ዩ ዝግለጽ።

ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ኣትያቶ ዘላ ዲፕሎማሲያዊ ዘይምቅዳው ከይዱ ከይዱ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ኣመዝጊባቶ ዝነበረት ልዕልና ንድሕሪት ክመልሶ ከምዝኽእል ብዙሓት ሻቕሎቶም ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።

ኢትዮጵያ ነቲ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝዋጋእ ዘሎ መንግስቲ ሶማልያ ደጊፋ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራታ ካብ እተዋፍር ዓመታት ኣሕሊፋ እያ።