እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምትፍናን ኢትዮጵያን ሶማልያን ናበይ ከምርሕ ይኽእል?
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ጎረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዝተራእየ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ሶማልያ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ኣባሪራ ክልተ ቆንስላታት እውን ክዕጸዋ ኣዚዛ ኣላ።
ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ “ውሽጣዊ ጉዳያታ” ኢዳ ኣእትያ ብዝብል ክሲ፡ ኣምባሳደራ ካብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ን“ኵለመዳያዊ ምምኽኻር” ከምዝጸውዐት ኣፍሊጣ’ያ።
ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ልኡላውነት ሶማልያ ጥሒሳ ዝብል ክሲ ነጺጋቶ'ኳ እንተነበረት፡ ክሳዕ ሕጂ ሶማልያ ንዝወሰደቶም ስጕምትታት ግን ግብረ መልሲ ኣይሃበትን።
ጠንቂ’ቲ ወጥሪ እንታይ’ዩ?
ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ዝተለዓለሉ ምኽንያት፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ምስታ ንባዕላ ሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ኢላ እትጽውዕ ዝፈጸመቶ ስምምዕ ወደብ እዩ።
ብመሰረት እቲ ብሕጊ ቀያዲ ዘይኰነን ንመጻኢ ውዕል መንገዲ ዝጸርግን ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ 20 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ተኻሪያ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ትኽእል እያ።
እዚ ድማ ነታ ንሶማሊላንድ ከም ኣካል ግዝኣታ እትቘጽራ ሶማልያ ኣቘጢዕዋ። ነቲ ስምምዕ ተግባር መጥቃዕቲን ዕንቅፋት ሰላምን ምዃኑን ድማ ገሊጻ።
ኣብቲ እዋን’ቲ ሰበ-ስልጣን ሶማሊላንድ፡ ብኣምሳያኡ ኢትዮጵያ ከም ልኡላዊት ሃገር ኣፍልጦ ዝሃበታ ቀዳመይቲ ሃገር ከምእትኸውን ይዛረቡ ነይሮም።
ሶማሊላንድ ቅድሚ ኣስታት 30 ዓመታት ካብ ሶማልያ ዝተነጸለት እኳ እንተዀነት፡ ነጻነታ ግን ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ይዅን ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ኣይረኸበን።
ሰብመዚ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ከምዝህቡ ብግልጺ ኣይተኣመኑን። የግዳስ ኣብ ከም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ኣታዊ ዘለወን ኩባንያታት ብጽሒት ከምእትረከብ እዮም ገሊጾም።
ነቲ ወጥሪ ንምቅላል ዝተገብሩ ጻዕርታት ኣለዉ ድዮም?
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣመሪካን ካልኦት ሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ክኽበር ኣብ ዝጸውዓሉ እዋን፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ነቐፌታ ኣስዒቡ’ዩ።
ዞባዊ ደገፍ ንምእካብ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ብምክያድ ናብ ኤርትራን ግብጽን ተጓዒዙ’ዩ።
እቲ ወጥሪ ንምቅላል ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ተኻይዱ’ኳ እንተነበረ፡ ሶማልያ ነቲ ስምምዕ ብዕሊ ክስረዝ ዘቕረበቶ ጠለብ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣይተማልአን።
ኢትዮጵያ ንምንታይ እያ ኣፍደገ ባሕሪ እትደሊ?
ኣስታት 120 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዓለም ኣፍደገ ባሕሪ ካብ ዘይብለን ሃገራት ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ቅድሚት’ያ ትስራዕ። ልዕሊ 90 ሚእታዊት ዓለምለኻዊ ንግዳ ብተዛማዲ በታ ንእሽቶ ጐረቤታ ጅቡቲ ኣቢሉ እዩ ዝካየድ። ሰበስልጣን ኣዲስ ኣበባ እዚ ቀጻሊ ከምዘይኰነ እዮም ዝርእይዎ።
ስምምዕ ሶማሊላንድ ቅድሚ ምፍራሙ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሃገሩ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረከብ ናይ “ህላወ” ጉዳይ’ዩ ኢሉ ነይሩ። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረከብ ዘኽእላ ሰላማዊ መገዲ ክትድህስስ ምዃና ግን ድማ “እዚ እንተዘይተዓዊቱ ሓይሊ ክንጥቀም ኢና” ዝብል ዘረባኡ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ፈጢሩ’ዩ።
ኢትዮጵያ፡ ዋላ'ኳ ኣፍደገ ባሕሪ እንተዘይሃለዋ ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽ ግን ተሃንጥያ’ያ። ኣብ 2018 ኣብይ ኣዲስ ኣበባ ምስ ናይ ኣየርን ምድርን ሓይልታታ ማዕረ ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት ኣለዋ ኢሉ ነይሩ።
እዞም ዳሕረዎት ምዕባለታት እንታይ ጽልዋ ኣለዎም?
ሶማልያ ዲፕሎማሰኛታት ኢትዮጵያ ምስጓጓ፡ እቲ ወጥሪ ምብራኹ ዘመልክት እዩ።
እዚ ስጕምቲ ዝተገልጸ፡ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሓውሲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማልያ ዝዀነት ፑንትላንድ ዝመጹ ሰበስልጣን ምእንጋዳ ስዒቡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ’ዩ።
ፑንትላንድ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምምሕያሻት ቅዋም ብዝምልከት ምስ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ምስሕሓብ ኣጋጢምዋ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፈደራላዊ ባይቶ ሶማልያ፡ ቀጥታዊ ፕረዚደንታዊ መረጻ ምትእትታውን እቲ ፕረዚደንት ቀዳማይ ሚኒስተር ንክመርጽ ዘኽእል ሕጊ ዘጠቓልል ምምሕያሻት ቅዋም ኣጽዲቑ። ይዅን እምበር፡ ሰሜናዊ ምብራቕ ግዝኣት ፑንትላንድ ነቲ ስጕምቲ ነጺጋቶ'ያ። ካብ መወዳእታ 1990ታት ጀሚራ ሓውሲ ርእሰ-ምሕደራ ዝነበረት ፑንትላንድ፡ ሃገራዊ ረፈረንደም ክሳብ ዝካየድ ካብ ፈደራላዊ ስርዓት ወጺኣ ብነጻ ክትመሓደር ምዃና ገሊጻ። ብድሕሪ’ዚ ልኡኻት ፑንትላንድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበርዎ ምብጻሕ ብወገን ሶማልያ ብጽቡቕ ኣይተረኣየን።
ኢትዮጵያ እንታይ ዓይነት ግብረ መልሳዊ ስጕምትታት ከምእትወስድ ንጹር ኣይኰነን። ተኽእሎ ዕጥቃዊ ግጭት ግን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ዘሎ ኣይመስልን።
ይዅን እምበር፡ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ዝምድናታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጻር እስላማዊ ዕጡቓት ኣብ ዝካየዱ ወፍርታት ጽልዋ ከሕድር ይኽእል እዩ። ድሮ እቲ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ጕጅለ ኣልሸባብ ነቲ ዝጋደድ ዘሎ ወጥሪ ተጋደልቲ ንምምልማልን ጸጥታዊ ስግኣታት ንምብራኽን ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።
ኢትዮጵያ’ውን ሓንቲ ካብተን ኣብ ሶማልያ ንዝተዋፈረ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ወተሃደራት ዘበርክታ ሃገራት’ያ። እቲ ተልእኾ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ካብታ ሃገር ክወጽእ ትጽቢት ዝግበረሉ ኰይኑ፡ ናይ ጸጥታ ሓላፍነቱ ንመንግስቲ ሶማልያ ከረክቦ ትጽቢት ይግበር። ኣብ መንጎ ሶማልያን ሓንቲ ካብተን ኣገደስቲ ጐረባብታን ዝፍጠር ምትፍናን ግን ነቲ ስግግር ክጸልዎ ይኽእል እዩ።