እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ 'ዝኸፍአ ዕንደራ ብልሽውና' ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ
ምክትል ፕረዚደንት ባይቶ ኣውሮጳ ካብ ሓንቲ ሃገር ወሽመጥ ዓረብ ጉቦ ወሲዳ ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዲ ምእታዋ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ገሊጻ።
እታ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ፡ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ሰባት ዝቐረበ ክሲ ብልሽውና፡ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ" ምዃኑ'ውን ወሲኻ ሓቢራ።
ካብቶም ዝተኣሰሩ ምክትል ፕረዚደንት ባይቶ ኣውሮጳ ዝኾነት ኢቫ ካይሊ ኰይና፡ ከምዝተኸሰሰት ይእመን።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ሓንቲ ሃገር ወሽመጥ ዓረብ - ቐጠር ከምዝዀነት ይንገር - ገንዘብ ወይ ህያባት ብምልጋስ ንባይቶ ኣውሮጳ ክትጸሉ ከምዝፈተነት ይጥርጥሩ።
ቐጠር ግን ነዚ ክሲ ነጺጋቶ።
ፖሊስ ቤልጅየም ብዓርቢ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝገበሮ 16 ፍተሻታት ኣስታት 632 ሽሕ ዶላር ዝግመት ጥረ ገንዘብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ኮምፒዩተራትን ሞባይላትን'ውን ትሕዝቶኦም ንምፍታሽ ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣርባዕተ ሰባት ክኽሰሱ እንከለዉ፡ ክልተ ድማ ከምዝተፈትሑ ኣኽበርቲ ሕጊ ትማሊ ሰንበት ገሊጾም።
ስሞም ብግልጺ ዝተገልጸ ጥርጡራት የለዉን፣ እንተዀነ ኢቫ ካይሊ ካብቶም ተኸሲሶም ዘለዉ ምዃና ይእመን።
ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ፈደራል ቤልጅየም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ገበናዊ ትካል ብምስታፍ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ብልሽውናን እዮም ተኸሲሶም" ኢሉ።
ንሸሞንተ ዓመታት ኣባል ባይቶ ኣውሮጳ ኰይና ዝጸንሐት ኢቫ ካይሊ፡ ብፕረዚደንት ባይቶ ኣውሮጳ ሮበርታ ሜትሶላ ካብ ስርሓ ተኣጊዳ’ላ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ግሪኽ ንዅሉ ንብረት ኢቫ ካይሊ ከይንቀሳቐስ ከምዝዓገቱ ይግለጽ።
ተቘጻጸርቲን ተቓወምቲ ኣባላት ባይቶ ኣውሮጳን፡ እቲ መርመራ ጉቦ ኣብ ታሪኽ ባይቶ ኣውሮጳ ካብ ዝተፈጸሙ ዓበይቲ ዕንደራታት ብልሽውና ሓደ ክውክል ከምዝኽእል ይገልጹ።
ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ፎን ደር ሌየን፡ ኣብ ትካላት ኣውሮጳ ምትእምማን ዝለዓለ ስነ-ምግባራዊ ደረጃታት ከምዝጠልብ ገሊጻ።
"ኣብ ልዕሊ ምክትል ፕረዚደንት ባይቶ ኣውሮጳ ዝቐረበ ክስታት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ፡ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ" ኢላ።
ኣቐዲሙ ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፕ ቦረል፡ ኣብ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብርግጽ እቲ ዜና ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ'ዩ" ኢሉ።
"ገለ ፍጻመታት፡ ገለ ሓቅታት የጋጥሙና ኣለዉ፡ ብርግጽ ከም ፕረዚደንት ባይቶ ኣውሮጳ ነበር ዘጨንቐኒ'ዩ።"
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ሓንቲ ሃገር ወሽመጥ ዓረብ፡ ንሓያሎ ኣዋርሕ ብፍላይ ድማ ንሓገዝቲ ዒላማ ብምግባር ንቝጠባውን ፖለቲካውን ውሳነታት እቲ ባይቶ ክትጸልዎ ምጽንሓ ጥርጣረ ከምዘሎ ገሊጾም።
ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ እታ ግዝኣት፡ ቐጠር ከምዝዀነት ይገልጹ። መንግስቲ ቐጠር ግን እቲ ክሲ ኣብ "ግጉይ ሓበሬታ" ዝተመስረተ እዩ ይብል።
ከም ምክትል ፕረዚደንት፡ ሓላፍነት ኢቫ ካይሊ ማእከላይ ምብራቕ ዘጠቓልል ኰይኑ ቅድሚ ሕጂ ተኸላኻሊት ቐጠር ከምዝነበረት ይግልጽ።
ወሃቢ ቃል፡ ባይቶ ኣውሮጳ "ኣንጻር ብልሽውና ብጽኑዕ ደው ይብል" ከምኡ'ውን ምስ መርመርቲ "ምሉእ ብምሉእ ይተሓባበር ኣሎ" ኢሉ።
ባይቶ ኣውሮጳ እቲ እንኮ ብቐጥታ ዝምረጽ ትካል ሕብረት ኣውሮጳ እዩ። እቲ ባይቶ፡ ዝቐረቡ ሕጊታት መርሚሮም ብመሰረት ሕጊ ኣውሮጳ ድምጺ ዝህቡ ኣብ 27 ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝምረጹ ኣስታት 705 ኣባላት ኣለዎ።