ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ጉዳይ ኲናት ትግራይ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቒፉ

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንኲናት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ብሓሙስ ኣብ ዘመሓላለፎም ውሳነ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኲናት ትግራይ ክፈትሕ ብዘይምኽኣሉ ኣዝዩ ከም ዘሕዝኖ ኣፍሊጡ።

ኲናት ትግራይ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም [ግእዝ] ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ስልኪ፣ ባንክን ኢንተርነትን ሓዊሱ ኣብ’ቲ ክልል ተቛሪጾም ዝርከቡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ንቡር ክምለሱን ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ክብሉን ሓቲቱ ኣሎ።

ሰራዊት ኤርትራ'ውን ካብ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ክወጽእን "ንዝፈጸሞ ገበናት" ተሓታቲ ክኸውንን ተላብዩ።

ባይቶ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ’ቲ ብሓሙስ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ባይቶ ጸጥታ ንኲናት ትግራይ ፍታሕ ከምጽእ ከምዘይከኣለ ብምውቃስ፡ “እቲ ባይቶ፡ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሕ ከረጋግጽ፣ ሰላማውያን ሰባት ውሕስነቶም ክሕሎ፡ ከምኡ እውን ከቢድ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝፈጸሙን ግፍዕታት ዝሰርሑ ብሕጊ ክሕተቱ ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ክወስድ ንላቦ” ይብል።

ኣብ'ቲ ጉዳይ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ግዜ ከምዝዘተየ ዝዝረበሉ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ተሪር ውሳነ ከሕልፍ ኣይከኣለን።

ብፍላይ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ስልጣን ዘለዎን ሃገራት ቻይናን ሩስያን፡ ‘ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ' ብዝብል መርገጺአን፡ ክቃወማ ምጽነሐን ዝዝከር እዩ።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ዓመታዊ ድጋፍ ጠጠው ዘበለ ዀይኑ፡ ምስ መንግስቲ ርክቡ ንምሕዳስ ኣብ ትግራይ ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ክምለሱ ከም ቅድመ-ኩነት ኣቕሚጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እቲ ውሳነ፡ ካልእኸ እንታይ ይብል?

እቲ ሰፊሕ ውሳነ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ትግራይን ጎረባብቲ ክልላት ኢትዮጵያን፡ ተፃብኦታት ክቋረጽን ተኹሲ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ኩነት ደው ክብልን ይሓትት።

ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ፡ ንኹሎም በቲ ኲናት ዝተሃስዩ ምሉእ፣ ውሑስን ዘላቕን ሰብኣዊ ተበጻሕነት ከረኽቡ ይላቦ።

ባይቶ'ቲ ሕብረት፡ ካብ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ዝተርኣየ ዝበሎ፡ ኮነ ኢልካ ንሲቪላት ዒላማ ምግባር ክኹንን እንከሎ፡ ህጻናት ንውትህድርና ይምልመሉ ኣለዉ ዝብሉ ጸብጻባት’ውን ወቒሱ።

“ኮነ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ​​ንህጻናት ዒላማ ምግባር፡ ከምኡ’ውን ህጻናት ወተሃደራት ምምልማልን ምጥቃምን ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን እዩ” ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ፍርቂ ነፍሰ-ጾራትን ኣደ ቖልዑ ኣዴታትን፡ ሓደ ካብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመትን ዝዕድሚኦም ሰለስተ ህጻናት ተጋሩ፡ ሕጽረት መዓዛዊ ምግቢ ከምዘጋጠሞም እቲ ሰነድ የዘኻኽር።

ብሓፈሻ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ 1.39 ሚልዮን ህጻናት ካብ ትምህርቲ ቦዂሮም ከምዘለዉ’ውን እቲ ሰነድ ይሕብር።

እቲ ውሳነ ሓሳብ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ፡ ብፍላይ ድማ ብሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝግበር ኩሉ ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪ ከምዝድግፍ ይገልፅ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቀጥታዊ ልዝብ ንምክያድ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ንመራሕቲ ትግራይን ዕላዊ ጻውዒት ከምዘቕረበን፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ከምዝተቐበልዎን ይፍለጥ።

እቲ ውሳን፡ ብዛዕባ ኤርትራኸ እንታይ ይብል?

ባይቶ ኤውሮጳ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ኢትዮጵያ ‘ብቕልጡፍን ንሓዋሩን’ ከውጽእን ንዝተፈጸሙ ገበናት ተሓታትነት ከረጋግጽን ይጠልብ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰራዊቱ ፈጺሞምዎ ዝበሃል ገበናት ይነጽግ።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ 22 መስከረም 2022፡ እቲ ኲናት ዳግማይ ምሰተወለዐ፡ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ፡ ነቲ ኲናት ዝያዳ ከተሓላልኾ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ኔሩ።

ኣብ ቤልጂየም ብራስለስ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ግና፡ “ጭቡጥ መሰረት ዘይብሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብፍላጥን ብሕቡእ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ንመሰረታዊ መንቀልታትን ኩነታትን ኲናት ኢትዮጵያ ዕሽሽ ዝብል እዩ” ክብል ነቲ ክሲ ነጺግዎ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብወተሃደራት ኤርትራ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝተኸፈቶምን ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውቡ ከባቢታት ከቢድ ውግእ ከምዝተኻየደን ሓቢሮም ነይሮም።

ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብምጉህሃር ንኤርትራ ይኸስዋ።

ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሃገሩ ኣብ ትግራይ "ፍሉይ ድልየት የብላን" ዝበለ ኰይኑ፡ ንህወሓት ግን "ኣንጻር ኤርትራ ሱር ዝሰደደ ተጻባኢ ኣጀንዳ ኣለዎ" ክብል ከሲስዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ሓድሕድ ከብቅዕ ዝጽዕር ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ወተሃደራት ኤርትራ ዶብ ሰጊሮም ናብ ትግራይ ከምዝኣተዉ ኣሜሪካ ከምትፈልጥ ምግላጹ ይዝከር።