ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዶክተር ደሳለኝ ጫኔ ተኣሲሩ

ምንጪ ስእሊ, HOPR/FB
ንውድብ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ዝውክል ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዶክተር ደሳለኝ ጫኔ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ስድርኡ ተዛሪቦም።
ትማሊ ረቡዕ ብኣርባዕተ ዕጡቓት ሓይልታት ጸጥታ ከምዝተትሓዘ ሓደ ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣባል ስድራቤት ንቢቢሲ ሓቢሩ። ካብቶም ኣርባዕተ እቶም ክልተ ናይ ፌደራል ፖሊስ ዩኒፎርም ዝለበሱ ምዃኖም'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ኣባል ስድራ ብዛዕባ እቲ ትማሊ ኣማስዩ ዝነበረ ክስተት ክገልጽ ከሎ፡ ዶክተር ደሳለኝ፡ ቴድሮስ ኣደባባይ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ካብ ዝርከብ ገዝኡ ብኣባላት ጸጥታ ከምዝተትሓዘ ኣረዲኡ።
“ማዕጾ ብተደጋጋሚ ተኳሕኲሑ፤ መንነቶም ክገልጹ ምስ ሓተትናዮም ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ማዕጾ ምስ ተኸፈተ 'ደሳለኝ ብሕጊ ትድለ ኢኻ' ኢሎም ወሲዶምዎ" ኢሉ።
እቲ ኣባል ቤት ምኽሪ ትማሊ ምሸት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ኣተወ፡ ሎሚ ሓሙስ ንግሆ፡ ኣብ ገዝኡ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ዝጸንሐ ፍተሻ ከምዝተኻየደ እቲ ኣባል ስድራቤት ሓቢሩ።
ወሲኹ ድማ እቶም ነቲ ፍተሻ ዘካየዱ ሽዱሽተ ኣባላት ፖሊስ ፌደራል ወረቐት፣ ፍላሽ ድራይቭ፣ ስልክን ታብሌትን ከምዝወሰዱ ገሊጹ።
ዶክተር ደሳለኝ ሜክሲኮ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ መርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል ተታሒዙ ከምዘሎ ብምሕባር ንምንታይ ከምዝተኣስረ ግን ክሳብ ሕጂ ከም ዘይፈልጡ ተዛሪቡ።
ንሱ ኣብ ኣኼባታት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዛዕባ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተሪር ነቐፌታን ርእይቶን ብምሃብ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ግን ኣብ ዝተኻየዱ ኣኼባታት ባይቶ ኣይተረኸበን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ስልጣኑ ንጊዚያዊ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኣረኪቡ ክወርድ ከምዝሓተተ ይዝከር። ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ነቲ ባይቶ ከፍርሱን "ንሓድሽ ምርጫ መንገዲ ክኸፍቱን" እውን ሓቲቱ ነይሩ።
ዶክተር ደሳለኝ ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ንዝበሎ "ኩለመዳያዊ ምንዋጽ፣ ቅልውላው ዕንወትን ሃገራዊ ፍሽለትን" ተሓተትቲ መንግስትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ምዃኖም ኣብቲ ኣኼባ ከምዝተዛረበ ይዝከር።
ዶክተር ደሳለኝ ኣባል ኣመራርሓ ዝኾነሉ ውድብ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ዝበሎ ነገር የለን።
ልክዕ ከም ዶክተር ደሳለኝ፡ ካልእ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝኾነ ኣቶ ክርስቲያን ታደለ’ውን ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ብሓይልታት ጸጥታ ተወሲዱ ከምዝተኣሰረ ይፍለጥ።
ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ወፃኢታት መንግስቲ፣ ምሕደራን ቁፅፅርን ዝኾነ ኣቶ ክርስቲያን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ዝተነበረ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብዝተሓሓዝ እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ንሱ’ውን ልክዕ ከም ዶክተር ደሳለኝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ሓቲቱ ነይሩ።
ክልቲኦም ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ከም ዘለዎም ይፍለጥ። ክእሰሩ እንተኾይኖም ድማ እቲ ባይቶ ነዚ መሰሎም ከልዕሎ ኣለዎ።
ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝምልከት ድንጋገ ሕገ መንግስቲ፤ "ዝኾነ ኣባል ቤት ምኽሪ ከቢድ ገበን ክፍጽም ኢድ ብኢድ ተታሒዙ እንተዘይኮይኑ ብዘይ ፍቓድ ቤት ምኽሪ ክእሰርን ብገበን ክኽሰስን ኣይክእልን” ይብል።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



