እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ንምሕዳግ ምንቅስቓሳት ክገብሩ ይኽእሉ እዮም’ - ጌታቸው ረዳ
ምክትል ኣቦ መንበር ህወሓትን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ብኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዝምራሕ ጉጅለ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ንምምንዛዕ ክፍትን ከምዝኽእል ገሊጹ።
እቲ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዘይተዋህቦ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ህወሓት፡ ነቲ ክልል ናብ ዘይተደልየ ሽግር ከእትዎ ከምዝኽእል እውን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ወሲኹ'ውን፡ እቶም “ጕጅለ” ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ጉባኤ፡ ብቐንዱ ንሕገ ደንቢ እቲ ውድብ ዝጥሕስ፡ ግን ንድሌት ውሱናት አባልት ፈጻሚ ስራሕ ዘማልእ ዘይሕጋዊ ጉባኤ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣቶ ጌታቸው ከምኡ ዝበለ፡ ንህሉው ፖለቲካዊ ኵነታት እቲ ክልል ኣመልኪቱ ሎሚ ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ።
ኣቶ ጌታቸው ክህቦ ኣብ ዝጸንሐ መገለጺታት፡ እዚ ጉባኤ እቲ ብዝዀነ ይዅን መገዲ ካብ ተሓታትነት ኣምሊጡ ናብ ስልጣን ክምለስ ዝመጣጠር ዘሎ ጕጅለ ብሃታሃታ ዘካይዶ ዘሎ እዩ ክብል ዝተሰምዐ ኰይኑ፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ መግለጺ'ውን ብተመሳሳሊ ቃሊ፡ እቶም ላዕለዎት መራሕቲ፡ "ስልጣን ግዜያዊ ምምሕዳር ንምሕዳግ ናይ ምሕባል ምንቅስቓሳት ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ኢልና ትጽቢት ንገብር፡" ኢሉ።
ኣብ ፅባሕ ምግምማዕ ዀይኑ፡ ኣካታዓይ መበል 14 ጉባኤ ዘካይድ ዘሎ ውድብ ህወሓት፡ ሎሚ ቀዳም 17 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብስም እቲ ውድብ ዝዀነ ይዅን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከይካየድ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።
እቶም ኣብ ዝሓለፈ መበል 13 ጉባኤ ዝተመርጹ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተን ኮሚሽን ቍጽጽርን፡ እዚ ናይ ሕጂ ጉባኤ ካብ ዝተሰየመሉ ዕለት ኣትሒዙ ስራሕን ሓላፍነትን ዘይብሎም ተራ ኣባላት ምዃኖም ከኣ ኣመልኪቱ።
እቲ ውድብ ኣብቲ ሎሚ ዝዝርግሖ መግለጺኡ፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ መበል 13 ጉባኤ ዝተመርጹ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተን ኮሚሽንን ቍጽጽር ኣብዚ ናይ ሕጂ ጉባኤ ከምዘይሳተፉ ብማዕከናት ዜና፡ “መራኸብቲ ሓፋሽ” ከምዝፈለጠ ጠቒሱ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦወንበር እቲ ውድብን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ኣስታት 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓትን፡ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓትን ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳትን ዞባታትን ትግራይ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ፡ ካድራትን ኣባላትን እቲ ውድብ ኣብዚ ኣካታዓይ ኰይኑ ቀጺሉ ዘሎ ጉባኤ ከምዘይሳተፉ ከምዘፍለጡ ይዝከር።
ፕረዚደንት ጌታቸው ኣብቲ ሎሚ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዝዀነ ይዅን እቲ "ብስም ጉባኤ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ተቐባልነት የብሉን። እዚ ድማ፡ ፈደራል መንግስቲ ስለዝበለ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብመሰረቱ ንዅሉ ሕጋዊ ኣሰራርሓታትን ደንቢታትን እቲ ውድብ ስለዝጠሓሰ እዩ" ኢሉ።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብዚ ካብ ናቱ ኣፍልጦን ፍቓዱን ወጻኢ ይካየድ ኣሎ ዝበሎ ጉባኤ፡ ንዝመሓለለፉ ውሳነታት ከም ዘይቕበሎም ኣፍሊጡ እዩ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳሩ ብዝተወሰኑ ጕጅለ እቲ ውድብ ብሰንኪ ዝተገብረሉ ዝተዋደደ ጸለመታትን ዕንቅፋታትን ምምሕዳሩ ብኣድማዕነት ክሰርሕ ከምዘይከኣለ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ጉባኤ ከምዘይሳተፍ ከምዘፍለጠ ይዝከር።
ብዘይካ’ዚ፡ ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት ዕላማን ኣካይዳን ናይ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት “ልዕልነት ኣለና” ብዝብሉ መሪሕነት እቲ ውድብ ከምዝተጨወየ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ቃለመጠይቕ ኣፍሊጡ እዩ።
እቲ ካብ መንግስቲ ፈደራልን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያን ንዝቐረበሉ ሕጋዊ ብድሆታት ንጐድኒ ገዲፉ ጉባኤኡ ዘካይድ ዘሎ ህወሓት፡ ኣብዚ ውሳነኡ ከም ዝጠቐሶ፡ ብመሰረት ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ፡ ማእከላይ ኮሚተ ይዅን ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር "ስራሕን ሓላፍነትን ዝህልዎም ኣብ መንጐ ክልተ ጉባኤ ኣብ ዘሎ እዋን ጥራይ ምዃኑ" አመልኪቱ።
በዚ መሰረት፡ መበል 14 ጉባኤ ካብ ዝተሰየመሉ ዕለት ኣትሒዙ፡ እቶም ኣብ ማእከላይ ባይቶን ኮሚሽን ቍጽጽርን ዝተመርጹ ሰባት ስራሕን ሓላፍነትን ውድብ ዘይብሎም ተራ ኣባላት ምዃኖም ኣነጺሩ። እቲ ውድብ ናይቶም ሓላፍነነት የብሎምን ዝበሎም ሰባት ስም ዝርዝር ካብ ምግላጽ ተዓቂቡ።
ምስቲ ውድብ ቅርበት ዘለዎም ተንተንትን ፈለጥቲ ውሽጥን፡ እዚ ብጉያ ጉያ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፡ እቲ ኣብቲ ውድብ ዓብላሊ ዝዀነ ጕጅለ፡ ነቶም 'ይቃወሙኒ እዮም' ዝብሎም መራሕቲ ንምግላፍ ክጥቀመሉ ዝደለየ ምዃኑ ክእምቱ ጸኒሖም እዮም።
ህወሓት ግን፡ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ሓደጋ ጽግዕተኛነትን ምብስባስን ንምድሓን፡ እዚ “ጉባኤ ድሕነት” ዝሰመዮ ጉባኤ ብህጹጽ ምክያድ፡ ምኽንያታዊ ምዃኑ ክምጕት ጸኒሑ እዩ።
ዝዀነ “ዝተፈለየ ሓሳብ ኣለኒ” ዝብል ኣብቲ ጉባኤ ኣትዩ “ብዲሞክራሲያዊ ክትዕ” ሓሳቡ ከቕርብ ከምዝኽእል ዝጸውዐ ህወሓት፡ ዝወሃብ “ውሳነታት ተቐቢሉ ክጥርነፍን” መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
ኣቶ ጌታቸው ኣብ መግለጺኡ፡ እዚ ኣኼባ መሊሱ ንህወሓት ኣብ መንቀራቕሮ ዘእቱን ንካልእ ረጽሚ ዘዕድም ኰይኑ፡ ንህወሓት ከድሕን ከምዘይልክእ ይምጕት።
እዚ ዅሉ ዝግበር ዘሎ ብድሌት ኣርባዕተ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ውድብ ጥራይ ምዃኑ ዘመልክተ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ " 'ደጀን ክዀነና እዩ' ዝበሉዎ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ተኣማሚኖም ዝገብሩዎ ዘለዉን ናብ ዘይተደለየ ጸገም ከእተወና እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣቶም ኣርባዕተ ዝበሎም ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ውድብ ይዅን ደጀን ክዀነና እዩ ዝበልዎ ኢሉ ዝጠቐሶ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ግን ብስም ኣይጠቐሰን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ'ውን፡ ህወሓት ሕጋዊ ሰብነቱ እንከይመለሰ ጉባኤ እንተካይዱ ዳግማይ ናብ ኲናት ከይኣትዉ ስግኣት ከምዘለዎ ምጥንቃቑ ይዝከር።