እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ህወሓት እንተፈሪሱ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣይህሉን'፡ ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል
እቲ ሰፊሕ ክትዓት ከልዕል ዝቐነየ መበል 14 ስሩዕ ጉባኤ ህወሓት ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ መቐለ ከምዝጀመረ ይፍለጥ።
እቲ “ክንሳተፍ ኢና” ብዝብሉን፡ “ኣብ ዝተጨወየ ጉባኤ ኣይንርከብን” ኣብ መንጐ ዝበሉ ላዕለዎት መሪሕነት ምፍልላይ ዘኸተለ ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ ውድብ፡ ካብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ’ውን ተቓውሞ ገጢምዎ’ሎ።
ትማሊ ብወግዒ ኣብ ዝተኸፈተሉ እዋን መደረ ዘስምዐ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) እቲ ጉባኤ ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ 49 ዓመታት ዝተኻየዱ 13 ስሩዓትን ሓደ ህጹጽን ጉባኤታት “ብዓይነቱን ባህሪኡን ዝተፈለየ ምዃኑ” ተዛሪቡ።
ዳርጋ ድሕሪ ሽድሽተ ዓመት ዝተጸውዐ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ኣቦመንበር፡ ኲናትን ሳዕቤናቱን ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ጸገማት ኣብ ዘእተወሉ ኵነታት ይካየድ ካብ ምህላዉ ብተወሳኺ እቲ ውድብ ብከቢድ ውሽጣዊ ቅሩቁስ ኣብ ዝተወጠረሉ እዋን ምዃኑ ኣመልኪቱ።
“ብኣውራኡ ኣብ ዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ኣብ ታሪኽ ውድብና ተራእዩ ዘይፈልጥ፤ ንዝሓለፉ 6 ዓመታት ንውድብና ክመርሕ ኣብ ዝጸንሐ ማእከላይ ኮሚቴ ዝተራእየ ሕመቕ ንውድብና ኣፍሪሱ ህዝብና ክብተን ዝገብር ኵነታት ኣብ ዝተጋደደሉ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ እዩ” ክብል ሓቢሩ።
ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ሕጋዊ ኣፍልጦ እቲ ውድብ ንኸይምለስን ጉባኤ ከይካየድን ዘዐንቅፍ፡ “ኣብ ውሽጢ ውድብና ተጫጪሑ ዝገበለ” ዝበሎ ሓደ “ጕጅለ ጥፍኣት” ዘካየዶ ምንቅስቓሳት ንኵነታት እቲ ውድብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃኡ ከምዘሰጋገሮ ብምግላጽ፡ ነዚ እቲ እንኮ መፍትሒ ጉባኤ ምክያድ ጥራይ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
እንተዀነ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ናብ ናይ ቅድመ ኲናት ቍመናኡ ክምለስ ግን ካብ መንግስቲ ፈደራልን ትካላቱን ሕጋዊ ብድሆታት ከምዝገጠሞ እዩ ዝፈለጥ።
እዚ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ካብ ሓያለ ኣባላት እቲ ውድብ፡ መንግስቲ ፈደራል ይዅን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘይረኸበ ኰይኑ፡ ነቲ እቲ ውድብ ገጢምዎ ዘሎ ከቢድ ሕጋውን ፖለቲካውን ብድሆታት ብኸመይ ክፈትሖ እዩ ብሕጂ ዝርኣ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
እቲ ኣቦ መንበር፡ ነቲ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት እታ ሃገር ደው ዘበለ ስምመዕ ፕሪቶሪያ ፈራሚ ህወሓት ስለዝዀነ፡ ሕጋውነት ህወሓት ምኽላእ ማለት ነቲ ውዕል ምፍራስ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ድማ “ንህዝቢ ትግራይ ንበላዒ ኣሕሊፍካ ምሃብ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።
ህወሓት፡ ድሕሪ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፖለቲካዊ ቦታ ኣብ ትግራይ ጥራይ ድሕሪ ምድራቱ፡ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምትህልላኽ ናብ ከቢድ ደማዊ ኲናት ከምዝተኣትወን፡ ብሰንኩ ኣብ ትግራይ ከቢድ ሰብኣዊን ንዋታውን ዕንወት፡ ምፍንቓልን ዓመጻትን ካልእ ሽግራትን ክኽሰት ምኽንያት ከም ዝዀነ ኣይርሳዕን።
እዚ ነቲ ውድብ ኣብ ክልተ ሰንጢቝ ዘሎ ጉባኤ ህወሓት ትማሊ ሰሉስ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት እዩ ብወግዒ ተኸፊቱ።
ነዚ ጉባኤ ዝድግፉ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመጹ ካድራት ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ናብታ ጉባኤ ዝካየደላ ርእሰ ከተማ መቐለ ኣትዮም ቀንዮም።
ኣቦመንበር ህወሓት ኣብ ዘስምዖ ናይ መኽፈቲ መደረ፡ ኵነታት እቲ ውድብ "ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ተሰጋጊሩ'ዩ" ብምባል እቲ "ሕጋዊ" ዝበሎ ጉባኤ ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ወሳኒ ምዃኑ እዩ ተዛሪቡ።
ንምክትል ኣቦወንበር ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ኣስታት 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ነቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ብምቅዋም ከምዘይሳተፉ ተፈሊጡ'ሎ።
'ካውንስል ተተካእቲ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት' ዝተባህለ ኣካል ብወገኑ፡ እቲ ጉባኤ "ውድባዊ መስርሕ ዝተሸራረፈሉ" ብምዃኑ ከምዘይድግፎ ሓቢሩ።
ብዘይካ'ዚ ኮሚሽን ቍጽጽር፣ ብዙሓት ካብ ወረዳታት ዞባ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ምዕራብን ትግራይ ከምኡ’ውን ክፍለከተማታት መቐለ ኣብዚ ጉባኤ ከም ዘይሳተፉ ኣፍሊጦም’ዮም።
ቍጽሪ ኣብ ዝሓለፈ መበል 13 ጉባኤ ህወሓት ዝተመርጹ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ 45 ምዃኖም ይፍለጥ።
እቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝዀነ ኣቶ ጌታቸው፡ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኮኒንዎ'ሎ።
"ይቃወሙና እዮም ንዝበሃሉ ውሱናት መሪሕነት ንምእላይን ጥራሕ፣ ንህዝቢ ትግራይን ትገራይን ናብ ሓደጋ ብዘውድቕ ኣገባብ ዝካየድ ጉባኤ ብትሪ ክኹነን ዝግበኦን ጥር ዝብል ጥቕሚ ዘይብሉን እዩ" ይብል እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተለቪዢን ትግራይ ዝወጸ መግለጺ።
ጠንቂ ናይቲ ምስ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ድማ እቲ ብኣቦመንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ምዃኑ ብምኽሳስ "ካብ ማእከላይ ኮሚቴን ካድረን ተኸዊሎም ብዝኸድዎ ከይዲ ናብ ዘይተደልየ መጻወድያ ሰተት ኢልና ክንኣቱ ተገይሩ ኣሎ" ኢሉ።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ብ3 ነሓሰ 2016 [ግ]፡ ነቲ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ወግዓዊ ሕጋዊ ኣፍልጦ ተኸሊኡ ዝጸንሐ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ "ብፍሉይ ኵነታት" ብምምዝጋብ ወግዓዊ ምስክር ወረቐት ኣፍልጦ ከም ዝሃቦ ይፍለጥ።
እንተዀነ እቲ ጉባኤ ዘካይድ ዘሎ ወገን ህወሓት'ውን፡ ንክሲ ኣቶ ጌታቸውን ንወሳነ ቦርድ መረጻን ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
"በዚ ምኽንያት ንዝፍጠር ዝዀነ ዓይነት ጥፍኣት ከኣ፣ እቲ ተሓታቲ ንጸቢብ ጕጅለኣዊ ረብሓ ዝተንቀሳቐሰ ጕጅለ ዋላ ይዅን ናይ ህዝብና ሰላም ከይዝረግን ከይሕመስን ብዝሰልጠነ መንገዲ ምስ ህዝብናን መላእ ኣባልናን ኴንና ክንቃለስ ኢና" ክብል ኣቶ ጌታቸው ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ'ሎ።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ጉባኤ ኣመልኪቱ ብሰኑይ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ጉባኤ ኣፍልጦ ከም ዘይህቦ ሓቢሩ እዩ።
እቲ ቦርድ፡ ነቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ነቲ ብህወሓት ተቐባልነት ዘይረኸበ ውሳነኡ ብምጥቃስ፡ ህወሓት "ኣገደስቲ ዝዀኑ ቅደመ-ምድላዋት ከምዝተገብረ ከየፍለጠ" ዝካየድ ብምዃኑ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ሓቢሩ።
ህወሓት ግን፡ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለሰሉ እምበር ከም ብሓድሽ ክምዝገብ ከም ዘይሓተተ ጠቒሱ፡ ንውሳነ እቲ ቦርድ ከምዘይቕበሎ ኣነጺሩ።
እቲ ውድብ፡ ምስ ምምላስ ሕጋዊ ሰብነትን ጉባኤን ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ምክርኻር እዩ ዘሎ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ኣብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ምትፍናንን ንደገ ቅሉዕ ካብ ዝኸውን ንደሓር፡ ኣብ መንጐ ቤት-ጽሕፈት ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ዘለዉ መራሕቲ ህወሓት ዝተገበረ ልዝብ ይዅን ሽምግልና የለን።
ብኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ሓደ ወገን ህወሓት፡ እዚ ጉባኤ “ኣብ ውሽጥና ዝተፈጠረ ምብስባስን ፖለቲካዊ ሕመቕን ንምጽራይ ስለዝሕግዘና እቲ ጉባኤ ክካየድ ኣለዎ” ዝብል መርገጺ ዝሓዘ ክኸውን እንከሎ፡ ንምክትል ኣቦወንበርን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝሓቘፈ ህወሓት ድማ፡ “ጉባኤ ንምክያድ ዝግበር ዘሎ ምጉያይ ንበዓል መን ንምጥቃዕ ከምዝዓለመ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ባህጊ ዘለዎ ጕጅለ መሪሕነት እዮም ዘጻድፍዎ ዘለዉ” ዝብል መርገጺ ብምሓዝ ካብ ተሳትፎ ስሒቦም ይርከቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ህወሓት ሕጋዊ ሰብነቱ እንከይመለሰ ጉባኤ እንተካይዱ ዳግማይ ናብ ኲናት ከይኣትዉ ስግኣት ከም ዘለዎ ምጥንቃቝ ይዝከር።
እታ ካብ በሰላታት ኲናት ዘይሓወየት ትግራይ፡ ብሕድሕድ ፖለቲካዊ ምትፍናን መራሕታ ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ተኸሲቱ ብዘሎ ወጥሪ ዳግማይ ስግኣት ኣንጸላልይዋ ይርከብ።