ንብዙሓት ናይ ምስትንፋስ ጸገም ዝፈጥር ዘሎ ካምሲን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ክፋላት ዒራቕ ድሕሪ ዘጋጠመ ካምሲን (ህቦብላ ሑጻ)፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ጸገም ስርዓተ ምስትንፋስ ከም ዝገጠሞም ሰብመዚ ጥዕና ገሊጾም።
ሓደ ብዓል ስልጣን ዞባ ሙታና ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብውሑዱ 700 ሕሙማት ጐሮሮኦም ዝተዓጽዉ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ በቲ ሽሮዋይ ዝሕብሩ ህቦቡላ ዝተሸፈነ ከባቢታት ዘርኢ ኰይኑ፡ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም ዝተቋረጸን በረራታት ደው ከም ዝበለን ይሕብራ።
ካምሲን ኣብ ዒራቕ ልሙድ እኳ እንተዀነ፡ ገለ ክኢላታት ግን እቲ ተርእዮ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ እናገደደ ይመጽእ ከም ዘሎ ይኣምኑ።
እግረኛታትን ፖሊስን ካብቲ ሓመድ ንምክልኻል፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከም ዝገበሩን ሓገዝቲ ሓካይም ድማ ኣብቲ ቦታ ምንባሮምን ንምስትንፋስ ዝጽገሙ ሰባት ከም ዝሕግዙን ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ኣብ ደቡባዊ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ክልል ሙታና ዘለዋ ሆስፒታላት፡ ብውሑዱ "700 ሕሙማት" ይከናኸና ከም ዘለዋ ሓደ ብዓል ስልጣን ጥዕና እቲ ከባቢ ገሊጹ።
ኣብ ዞባ ናጃፍ ልዕሊ 250 ሰባት ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ እንከለዉ፡ ህጻናት ሓዊሱ ብውሕዱ 322 ሕሙማት ናብ ሆስፒታላት ግዝኣት ዲዋኒያ ተላኢኾም።
ኣብ ድሂ ቃርን ባስራን ተወሳኺ 530 ሰባት ናይ ምስትንፋስ ጸገም ከም ዘጋጠሞም ሓቢሮም።
እቲ ህቦብላ ሑጻ፡ ንደቡባዊ ዞባታት ዒራቕ ብሽሮዋይ ዝሕብሩ ደበና ዝሸፈነን ኰይኑ፡ ልዕሊ ሓደ ኪሎ-ሜተር (0.62 ማይልስ) ኣርሒቕካ ምርኣይ ከም ዘይከኣል ገይሩዎ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ሰብመዚ ኣብ ክልላት ናጃፍን ባስራን ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ ክዓጽዉ ተገዲዶም።
ካብ ሎሚ ሰሉስ ንግሆ ጀሚሩ፡ ኵነታት በብቝሩብ ክመሓየሽ ትጽቢት ከም ዝግበር ኣገልግሎት ኵነታት ኣየር እቲ ከባቢ ሓቢሩ።
ዒራቕ ተደጋገሚ ህቦብላ-ሓመድ፡ ሙቐትን ሕጽረት ማይን ስለ ዘጋጥማ፡ ንለውጢ ክሊማ ኣዝየን ተቓላዕቲ ካብ ዝዀና ሓሙሽተ ሃገራት ብሕቡራት ሃገራት ተዘርዚራ ኣላ።
ኣብ 2022 ብዘጋጠመ ከቢድ ካምሲን፡ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ፡ ልዕሊ 5,000 ድማ ንሕማማት ስርዓተ ምስትንፋስ ሕክምና ዘድልዮም እዮም።
ዒራቕ ኣብ መጻኢ ተወሳኺ "መዓልታት ህቦብላ-ሑጻ" ከም ዘጋጥማ ምኒስትሪ ኣከባቢ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







