እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካሜራታት ሲሲቲቪ ከየቕትሎም ዝፈርሑ ነጋዶ ዘለውዋ ከተማ
መንግስቲ፡ ኵሎም ነጋዶ ኣብ ድኳኖም ሲሲቲቪ ካሜራታት ክተኽሉ ኣዚዙ።
እዚ ድማ፡ ብእስላማዊ ዕጡቓት ጉድለ ኣልሸባብ ክበጽሕ ዝኽእል መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቓድሾ ዝርከቡ ሰብ ድኳን ግን፡ ኣብ መንጐ ተቐርቂሮም ይርከቡ።
እቶም ሰብ ድኳን፡ ነዞም ካሜራታት እንተተኺሎም ብሰለይቲ ኣልሸባብ ዒላማ ክንኸውን ኢና ዝብል ስግኣት ኣለዎም።
ነቲ መምርሒ መንግስቲ እንተዘይኣተግቢሮም ክኣ ፖሊስ ክኣስሮም'ዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብዚ ዛንታ ድሕነት እቶም ሰብ ድኳን ንምሕላው ኣሽማቶም ቀይሩ ኣሎ።
ወዲ 48 ዓመት ሃምዛ ኑር፡ ኣብ ገዛኡ ደቁ ሓቚፉ ከፍ ኢሉ ረኺብናዮ።
"ብሰንኪ እቶም ናይ ሲሲቲቪ ካሜራታት እየ ኣብ ገዛ ከፍ ኢለ ዘለኹ" ድማ ይብል።
ንሱ፡ ካብ ክልቲኡ ሸነኽ ክበጽሖ ንዝኽእል መቕጻዕቲ ብምስጋእ ድኳኑ ሸይጡ ዓዲ ውዒል ኰይኑ'ሎ።
"እቲ ሓደ ሸነኽ፡ ነቶም ካሜራታት ከይተልግስ ይብል፤ እቲ ኻልእ ክኣ እለዮም ይብለካ። ብመሰረት እቲ እትወስዶ ምርጫ ክኣ ዓረር ወይ ቤት ማእሰርቲ ይጽበየካ" ይብል ሃምዛ።
መንግስቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ ሰብ ድኳን ካብ ኣልሸባብ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ብናይ ባዕሎም ወጻኢታት ሲሲቲቪ ካሜራታት ክገጥሙ ኣዚዙ።
ምኽትል ከንቲባ ሞቓድሾ መሓመድ ኣሕመድ ዲሪየ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እዚ ውሳነ ሓጋዚ ለውጢ ኣምጺኡ'ዩ ኢሉ።
"ኣብ ሞቓድሾ ኣብ ወርሒ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ መጥቃዕቲ ቦምባ ይፍጸም ነይሩ፤ ሕጂ ከምኡ የለን" ይብል።
መንግስቲ፡ ነበርቲ ኣብ ደገ ኣፍ ገዝኦምን ዝነብርሉ ህንጻታትን ካሜራታት ክተኽሉ ኣዚዙ ብምህላው፡ ኣልሸባብ ነቲ ኲናት ናብ ገዛና ከምጽኦ'ዩ ዝብል ልዑል ስግኣት ሓዲሩዎም ይርከብ።
ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ኣልሸባብ ምስቶም ናይ ሲሲቲቪ ካሜራታታት ብዝተሓሓዝ ብዝፈጸሞ ዓሰርተ መጥቃዕቲታት ኣርባዕተ ነጋዶ ከም ዝተቐትሉ ኣክሌድ ዝተባህለ ንጐንጺታት ዝከታተል ትካል ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ መንግስቲ ዝሃቦ መምርሒ፡ ኣልሸባብ ካብ ወነንቲ ድኳናት ገንዘብ ዝወስደሉ ኣጋጣሚታት ንምትዕንቓፍ ዝዓለመ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ብኣልሸባብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ግን "ኣብ ቀንዲ ዕዳጋታት ሞቃድሾ ዝርከቡ ብዙሓት ትካላት ንግዲ ንመዓልታት ክዕጸው ኣገዲድዎም'ዩ" ክብል እቲ መርበብ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ሃምዛ ኑር፡ ኣብ መጀመርታ ንመምርሒ መንግስቲ ዕሽሽ ከም ዝበሎ፡ ምስ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ድሕሪ ምግጣሙ ግን ነተን ካሜራታት ክተክል ከም ዝተገደደ ይዛረብ።
"ድኻ ሰብ ጥራይ ምዃነይ፤ ምስ'ዚ ብዝተሓሓዝ ምስ መንግስቲ ክተናኸፍ ከም ዘይደሊ ከረድኦም ፈቲነ፤ ግን ተቘጢዖም። ህይወትካ ከነበላሽዎ ኢና ናብ ዝብል ምፍርራሕ ኣትዮም" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሓንሳብ ሲሲቲቪ ካሜራ ምስ ተኸለ፡ ዘይፍለጡ ቁጽርታት ቴለፎን ክድወሎ ከም ዝጀመረ ይዛረብ።
ብፍርሒ፡ "ውሽጠይ ክንቅጥቀጥ ጀሚሩ፤ መን ምዃኑ ፈሊጠ ነይረ" ብምባል ብዛዕባ ከምኡ ዝኣመሰሉ ሲቪላት ሓበሬታ ክረኽቡ ዘኽእሎም ሱር ዝሰደደ መርበብ ሰለይቲ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ኣልሸባብ ምዃኖም ጠቒሱ።
ድሕሪኡ፡ ቴሌፎን ቁጽሩ ቀይሩ፤ ሓደ መዓልቲ ግን ሓደ መንእሰይ ናብቲ ድኳኑ መጺኡ።
"ሽጕጥ ነይሩዎ፤ ሲም ካርድኻ ክፈቶ ኢሉኒ"።
ድሕሪኡ፡ ቴለፎኑ ጸዊዓ፤ ሽም እቲ ደዋሊ ኣይፍለጥን።
ግን፡ "ጠለባት መንግስቲ ካብ ናትካ ንላዕሊ ንዓኻ ኣገዳሲ ድዩ ኣይኰነን" ዝብል ሕቶ ከም ዝሓተቶ ይዛረብ።
"እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈለጥኩን፤ እቲ ሽጉጥ ዝሓዘ መንእሰይ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ ነይሩ። እቲ ቴሌፎን ምስ ተዓጽወ ክቐትለኒ'ዩ ዝብል ስግኣት ነይሩኒ። ስለዚ፡ ብውሽጠይ ጸሎት ገይረ" ይብል።
ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ እቲ ቴሌፎን ምስ ተዓጽወ እቲ መንእሰይ ወጺኡ ከይዱ።
ሃምዛ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ክልተ ወነንቲ ድኳናት ብጥይት ድሕሪ ምቕታሎም፡ ንግዱ ክሸይጥ ወሲኑ።
"ካብ ህይወት ወዲ ሰብ ንላዕሊ ዝኸበረ ነገር የለን" ይብል።
ንመምርሒ መንግስቲ ዝነቕፍ ሃምዛ "መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ዝጽዕሩ ሰባት ሓደ መንግስቲ ክቃለሶ ናብ ዘይክኣለ ኲናት ብኣስገዳድ ይኣትው ኣለው። እዚ ከም ሓደ ሲቪል ከመይ ከም ዝስምዓካ ሕሰቡዎ"።
ምክትል ከንቲባ ድሪየ፡ ትካላት ንግዲ ይዕጸዋ ከም ዘለዋ ወይ ድማ ወነንቲ ትካላት ንግዲ ሲሲቲቪ ካሜራታት ክተኽሉ ይግደዱ ኣለው ዝብል ክሲታት ይነጽጐ።
ይኹን'ምበር፡ ገለ ነጋዶ ስግኣት ከም ዘለዎም ተኣሚኑ።
መንግስቲ ግን ከረጋግኦምን ክከላኸለሎምን ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ ድማ ኢሉ።
"ኣብታ ከተማ ህድኣት ኣሎ፤ ንግዲ'ውን ይሳለጥ ኣሎ"።
ኣሲዮ መሓመድ ዋርሳመ ግን ንወዲ 40 ዓመት ሓዋ ዳሂር መሓመድ ዋርሳመ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሞቓድሾ ከባቢ ያቅሺድ ብጸቕጢ ሓይልታት ጸጥታ ሲሲቲቪ ካሜራታት ድሕሪ ምትካል ኣብ ድኳኑ ከም ዝቐተልዎ ንቢቢሲ ገሊጻ።
"ሽዱሽተ ቈልዑ ነይሮምዎ። እቲ ዝነኣሰ ወዲ ኣርባዕተ ወርሒ እዩ" ትብል።
ወዲ 33 ዓመት በዓል ድኳን እስማዒል ሃሺ፡ ምስ ኣልሸባብ ካብ ዝንቀሳቐሱ መንነቱ ዘይተፈልጠ ስልኪ ከም ዝተደወለሉ ገሊጹ።
"ሽመይን ካልእን ይፈልጡ፤ ዳርጋ ብዛዕባይ ኵሉ ነገር ዝፈልጡ'ዮም ዝመስሉ ነይሮም"።
ሃሺ ወሲኹ፡ ድሒሩ ፖሊስ ድኳኑ ክኸፍት ከም ዝነገሩዎን ነዚ ዕሽሽ ምስ በሎ ድማ ንሒደት መዓልቲታት ከም ዝተኣስረን ገሊጹ።
ሕጂ ድኳኑ ከፊቱዎ ኣሎ።
"እተን ሲሲቲቪ ካሜራታት ሕጂ'ውን ተተኺለን ኣለዋ፤ ግን ሓደ ሰብ ክቐትለኒ እንተመጺኡ መንግስቲ ክከላኸለለይ ከም ዘይክእል እፈልጥ እየ" ይብል።
ወሲኹ፡ "መዓልታዊ፡ ዘይፈልጦ ሰብ ናብቲ ድኳን ክመጽእ እንከሎ ይሰግእ። እዚ ክቐትለኒ ዝተላእከ ሰብ ድዩ ዝብል ሕቶ ይመላለሰኒ" ኢሉ።
ወዲ 39 ዓመት ሲዶው ዓብደላሂ መሓመድ፡ ኣብ ወረዳ ዋጂር ኣብ ዝርከብ ገዝኡ ሲሲቲቪ ካሜራ ብዘይምትካሉ ከም ዝተኣስረ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ካልኦት 14 ሰባት እውን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ጠቒሱ።
"ናብ መደበር ፖሊስ ተወሲድና ንሰዓታት ተኣሲርና። ኣብ መወዳእታ መንግስታዊ መለለዪ መንነት ዘለዎ ሰብ መጺኡ ብዋሕስ ኣፍቲሑና"።
ሕጂ ንሱን እቶም ካልኦት ነበርትን ሲሲቲቪ ካሜራታት ኣትኪሎም ኣለው፤ ግን ብፍርሒ እዮም ዝነብሩ።
"ከም ሲቪላውያን መጠን ነተን ካሜራታት ክንገዝአን፡ ኣብ ገዛውትና ንምትካል ክንከፍልን ካብ ኣልሸባብ ክመጽእ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ክንቃላዕን ንግደድ ኣለና። መንግስቲ ብኸምዚ ድዩ ክንቕበሎ ክገብረና?"።