እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ-ሶማልያ፡ ንህይቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ኣልኮላዊ መስተ ዘሰጋግሩ ነጋዶ
- Author, Mohamed Gabobe & Layla Mahmood
- Role, Mogadishu & London
ኣብ ሶማልያ ኣልኮላዊ መስተ ብዘይ ሕጋዊ ኣብ ምስግጋር ዝሰርሕ ወዲ 29 ዓመት ጉለድ ዲሪየ ኣዝዩ ደኺሙ’ዩ።
ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ [ኮንትሮባንድ] ኣልኮላዊ መስተ ኣምጺኡ ሕጂ’ዩ ናብ ገዛኡ ኣትዩ።
ጉለድ ዲሪየ፡ ኣብታ ካብ ኲናት ኣዕሪፋ ዘይትፈለጥ ሉል ህንዳዊ ውቅያኖስ ተባሂላ ትግለጽ መቓድሾ’ዩ ዝነብር።
ንሱ ናይቲ ብእግሩ ክጉዓዝ ዝውዓሎ ኣእጋሩ ብደሮና መርአዪ የብሉን።
ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ክሳብ ገዛኡ ጉቦ እናኸፈለ ዘሕለፎ ኣልኮላዊ መስተ ምስኡ ኣሎ፤ እቲ መንገዲ ግን ሰልዲ ከፊልካ ጥራይ ዝሕለፍ’ውን ኣይኮነን።
ከምቲ ንሱ ዝሰርሖ ንሱ ዝፈልጦም ድራር ዓረር ዕጡቓት ዝኾኑ ብዙሓት’ዮም።
“ኣብዛ ሃገር ኵሉ ንህይወት ብቃልሲ’ዩ ዝሓልፋ ዘሎ፡ ገንዘብ የለን፡ ኣነ ኸኣ ቅሩብ እንተረኸብኩ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ናብ መቓድሾ ብኮንትባንድ ኣልኮላዊ መስተ እናኣተኹ ንዓይን ንስድራይን ቁሩብ ሰልዲ ንምርካብ’የ ዝሰርሕ ዘለኹ” ይብል ጉለድ ዲሪየ።
ኣብ ሶማልያ ኣልኮላዊ መስተ ብሕጋዊ ምሻጥ ኣይፍቀድን’ዩ፡ ምኽንያቱ እታ ሃገር ሕጊ ሸሪዓ’ያ ትኽተል። እንተኾነ ኣብታ ሃገር ጠለብ ኣልኮላዊ መስተ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ክውስኽ’ምበር ክንኪ ኣይተረኣየን።
በሽር ጎረቤትን ዓርክን ጉለድ ዲሪየ ዀይኑ ዘዋሪ ሚኒባስ’ዩ።
ብመንገዲ ጉለድ ዲሪየ ዝተላላዮ ስራሕ ኮንትረባንድ ኣልኮላዊ መስተ ካብ ዝጅምሮ ኸኣ ሓያለ ኣቁጺሩ ኣሎ።
ሌላ ጉለድ ዲሪየን በሽርን ኣብ 2009 ኮይኑ ኣብ ከባቢ መቃዲሾ ኣብ ሓደ መዓስከር ስደተኛታት ብሓደ ኣብ ዝነበርሉ’ዮም ተላልዮም፡ ካብ ሽዕኡ ጀሚሩ ኸኣ ኣብ ንሓድሕዶም ዘሎ ምትእምማን እናደልደለ ከይዱ።
በሽር “ኣነ ጉለድ ዲሪየ ኣብጽሓዮ ናብ ዝበለኒ’ዩ ነዚ ባኮታት ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ክንድኡ ኮይነ ዘብጽሖ፡ መጀመርታ ኣልኮላዊ መስተ ምዃኑ ኣይፈልጥን’የ ነይረ፡ ዳሕራይ ግን ነዚ ስራሕ ናተይ ኢለ ተታሓሒዘዮ” ይብል።
ጉለድ ዲሪየ ሕጊ ናይታ ሃገር ይጥሕስ ምህላዉ ይፈልጥ’ዩ፡ እንተኾነ ስድርኡ ክቅልብ እንተኾይኑ ኸኣ ገንዘብ የድልዮ’ዩ።
እቲ ኮንትሮባንድ ኣልኮላዊ መስተ ካብተን ኣብ ዶብ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝርከባ ከተማታት ኣቡድዋክ፡ ባላንባለ፡ ፊርፊርን ጋልዶጎበን’ዩ ዝጅመር።
ጉለድ ዲሪየ “መብዛሕትኡ እቲ መስተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝፈሪ ኮይኑ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተጻዒኑ ኣብ ዞባ ኦጋዴን ትርከብ ከተማ ጂግጂጋ ይበጽሕ” ይብል።
ክልል ሶማል ናይ ኢትዮጵያ ምስ ሶማልያ 1600 ኪሎሜተር ዝኸውን ምድራዊ ዶብ’ዩ ዘለዋ። ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታት ክልተ ሃገራት ደኣ ይዅኑ’ምበር ተመሳሳሊ ዓሌት፡ ባህሊ፡ ቋንቋን ሃማኖትን’ዩ ዘለዎም።
እቲ ኣልኮላዊ መስተ ብሕቡእ ናብ ዶባት ሶማልያ ምስ በጽሐ ከም ጉለድ ዲሪየ ዝኣመሰሉ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣልኮላዊ መስተ ተረኪቦም ጉዕዞ ናብ መቓድሾ ይጅምሩ።
ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ትርከብ ከተማ ጋልዶጎብ ቀንዲ መተሓላለፊት መስመር እዚ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኰይና፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ ኣልኮላዊ መስተ ዝተሓሓዝ ተደጋጋሚ ግጭት ይርአ ምህላዉ ዓበይቲ ዓዲ እታ ከተማ ስክፍታኦም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
ሸኽ ዓብደላ መሓመድ ዓሊ ኣቦ መንበር ያታውን ቀቢላውን ባይቶ እታ ከተማ እዩ “ኣልኮላዊ መስተ ጠንቂ ግጭት ሰይጣናዊ ስርሓት’ዩ፤ እዛ ከተማና ከኣ ብሰንኪ እዚ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣብ ሓደጋ’ያ ዘላ” ይብል።
ዕላማ እቶም ከም ጉለድ ዲሪየ ዝኣመሰሉ ብኮንትሮባንድ ኣልኮላዊ መስተ ዘጓዓዕዙ ነጋዶ ነቲ ኣልኮላዊ መስተ ናብ መቓዲሾ ምብጸሕ’ዩ።
“ኣሕምልቲ፡ ድንሽን ካልእ መግብታትን ዘጓዓዕዘላ መኪና ኣላትኒ፡ እቲ ቀንዲ እቶት ግን ኣልኮላዊ መስተ ክጽዕን እንከለኹ’የ ዝረኽቦ” ይብል።
ነቲ ኣልኮላዊ መስተ ሓደ ሓደ ግዜ ናብ ውሽጢ ዶብ ኢትዮጵያ መጺኦም’ዮም ዝወስድዎ ዝበዝሐ ግዜ ኸኣ ናብቲ ዶብ የምጽእሎም።
እቲ ቀንዲ ነገር ግን እቲ መስተ ሰብ ከይርእዮ ክሕባእ ኣለዎ ምኽንያቱ እንተተራእዩ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ኣዝዩ ዓቢ’ዩ።
ጉለድ ዲሪየ “እቶም ነቲ ኣልኮላዊ መስተ ዝጽዕኑልና ሰባት ኣዝዮም ጥንቁቓት’ዮም ከምዘይርአ ገይሮም’ዮም ዝጽዕንዎ፤ እሶም ጽቡቕ ገይሮም እንተዘይሓብእዎ ካብን ናብን ከይተተሓዝና ክንንቀሳቐስ ኣይምኽኣልናን” ይብል።
“ኣብ ሓንቲ ባኮ ክሳብ 12 ጥርሙዝ ኣልኮላዊ መስተ ኣሎ፡ ኣነ ኻኣ ኣብ ሓንቲ ጉዕዞ ካብ 50 ክሳብ 70 ባኮ’የ ዝጽዕን ዳርጋ ፍርቂ ካብ ጽዕነተይ ኣልኮላዊ መስተ’ዩ” ይብል።
ዝበዝሐ ሰሜናውን ማእከላይን ክፋል ሶማልያ ከም ኣልሸባብ ዝኣመሰሉን መሻርኽቶም ዝኾኑ ሚሊሻታትን ዕጡቃት ሸፋቱን’ዮም ዝቆጻጸርዎ።
ጉለድ ዲሪየ “ብዘይ መራሒ መንገዲ በይንኻ ትኸዶ መንገዲ ኣይኮነን፡ ሞት ወትሩ ኣብ ዝባንና ምስ ኣንጸላለወ’ዩ” ድሕሪ ምባል “ኣብ መንገዲ እናኸድኩ ብጥይት እንተተወጊአ ነቲ መንገዲ ክቕጽሎ ዝኽእል ተጠባባቒ ክህሉ ኣለዎ፡ ኵሉ ኸኣ ዘዊሩ ስለዝኽእልን ነቲ መንገዲ ስለዝፈልጦን ከምኡ ኢና ንገብር” ይብል።
እቶም ኣልኮላዊ መስተ ዘሰጋግሩ ሰባት ካብቲ ካብ ዘይጽገን ነዊሕ ዝገብረ ጽርግያ ርሒቖም ስለዝጓዓዙ ሓደ ሓደ ግዜ ቀደም ዝተጻወደ ፈንጂ ይረኽቦም’ዩ።
“ናብ መቃድሾ ንኽበጽሕ ብውሕዱ 8 ክሳብ 10 ከተማታት’የ ዝሰግር፡ እንተኾነ ንሕና ነተን ከተማታት ዘይኮንና ነቲ ፈታሽን ነቲ ፈታሽ ዘመሓደር ሰብን ኢና ንቖጽር” ይብል።
“ሓደ ሓደ ግዜ ቀቢላውያን ምልሻታት ይጸንሑና፤ ተመሳሳሊ ዓሌት ወይ እንዳ እንተሃልዩና ነቲ ተፍተሽ ብዘይጸገም ኢና ንሓልፎ፡ ከጋጥመና ዝኽእል ሓደጋ ንምውጋድ ኣብታ መኪና ንስቀል ሰለስተ ሰባት ካብ ዝተፈላለየ ዓሌት ኢና ንኸውን” ይብል።
ጉለድ ዲሪየ፡ ብሓሳብ ንድሕሪት ብምምላስ ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠሞ ሓደጋታት ይዝክር።
“ሓደ ካብቶም ሽዑ ምሳይ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ብተዛማዲ ሓድሽ’ዩ ነይሩ፤ ቅያር ናይቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተቀተለ ተሓጋጋዚየይ ኮይኑ’ዩ ምሳይ ክሰርሕ ጀሚሩ” ብምባል ዕላሉ ይጅምር።
ጉለድ ዲሪየ ኣብቲ ቃልቃል ዝብል ጸሓይ ንሽዱሽተ ሰዓታት ድሕሪ ምዝዋር ንእሽተይ ቀም ከብል ኢሉ ንተሓጋጋዚኡ ነታ መኪና ክዝውራ ሂብዎ።
“ኣብ ድሕሪት ደቂሰ እንከለኹ፡ ብርቱዕ ቶኵሲ ብረት ስለዝሰማዕኩ ካብ ድቃሰይ ተበራቢረ፡ ብዕጡቃት ተኸቢብና" እቲ ሳልሳዮም ዝነበረ በቲ ዝተተኮሰ ጥይት ክቅተል እንከሎ እቲ ነታ መኪና ዝዝውራ ዝነበረ ሰብ ከእዊ ጀሚሩ።
እቲ ምስቶም ዕጡቓት ዝነበረ ንትረኽ ደው ምስ በላ ነቲ ዝተቐተለ ብጻዮም ኣብ ድሕሪት መኪና ሰቒሎሞ።
“ኣብ ህይወተይ ክንድኡ ደም ርእየ ኣይፈልጥን’የ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ዝነበረ ደም ጸራሪግና ከኣ ጉዕዞና ቀጺልና፤ ኣብ ህይወተይ ከምቲ ናይ ሽዓ መዓልቲ ሓደጋ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን’ዩ።”
ካብቶም ዕጡቓት ኣዝዮም ምስ ረሓቁ ንሱን ካልኣዩን ኮይኖም ነቲ ብጥይት ዝተቐተለ ብጻዮም ኣብ ወሰን መንገዲ ቀቢረሞ ጎዕዘኦም ናብ መቓዲሾ ቀጸሉ።
“ነቲ ሬሳ መግነዚ ዝኸውን ኣንሶላ’ውን ኣይነበረናን፡ እታ ኣብ ዝባነይ ዝነበረት ነዊሕ እጅገኣ ካምቻይ ገይረ ርእሲ ሸፊነ ቀቢርናዮ” ይብል ጉለድ ዲሪየ።
“ከቢድ ውሳነ’ዩ ነይሩ እንተኾነ ኣብ ዝባን መኪና ሬሳን ኣልኮላዊ መስተን ሒዝና ክንጉዓዝ ኣይንኽእልን ኢና፡ ኣብ ሓደ ተፍትሽ ምስ በጻሕና እቲ ሬሳ ግድን ክርእይዎ’ዮም።”
እቲ ፍጻመ ካብ ዘጋጥም ክልተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ እንተኾነ ነቲ ሬሳ ኣብ ወሰን መንገዲ ምቕባሮም ክሳብ ሕጂ ከምዝሓቕዮ ጉለድ ዲሪየ ኣይሓበአን።
ስድራ ቤት መዋቲ ወዶም ይሃሉ ይሙት ክፈልጡ ኣይክእሉን’ዮም።
ወዲ 41 ዓመት ዳሂር ባረ ኣብ ገጹ ዓቢ በሰላ ዘለዎ ኣብ ምስግጋር ኣልኮላዊ መስተ ዝሰርሕ ሰብ’ዩ። ንሱ’ውን ነብሱ ዝኸኣለ ካልእ ዛንታ ከምዘለዎ ገጹ ይነግረሉ ኣሎ።
ንሱ “እዚ ስራሕ ሓደጋታት ከምዘለዎ ንፈልጥ ኢና እንተኾነ ግድን ስድራና ክንቅልብ ስለዘለና ነዚ ስራሕ ንሰርሖ ኣለና” ይብል።
ባረ ካብ 2015 ጀሚሩ’ዩ ካብ ኢትዮጵያ ናብ መቓድሾ ብኮንትሮባንድ ኣልኮላዊ መስተ ዘሰጋጋር ዘሎ።
“ቀደም ኣብ መቓድሾ ኣብ ሓደ ሆቴል ከም ናይ ጸጥታ ኮይነ’የ ዝሰርሕ ነይረ፤ ኣከይ 47 ዝዓይነታ ብረት ነይራትኒ፡ ንህይተይ ንሓደጋ ኣቃሊዐ ብለይቲ ንነዊሕ ሰዓታት ይሰርሕ ነይረ እቲ ዝኽፈለኒ ዝነበረ ሰልዲ ግን ሰሙን’ውን ዘጽንሕ ኣይነበረን” ይውስኽ።
“ንወርሒ 100 ዶላር’የ ዝኽፈል ነይረ፤ ዓቢ ሆቴል ስለዝኾነ ቦምባ ዝተጻወደን መካይን ከይመጻኻ ከብድኻ ሓቊፍካ ኢኻ ትሓልፎ”
ሓደ መዓልቲ ብለይቲ ዋርድያ ኮይኑ ምስኡ ዝሰርሕ ዝነበረ ዓርኩ ምስዚ ስራሕ ኮንትረሮባንድ ኣላልየዎ፤ ነቲ ስራሕ ካብ ዝጅምሮ ኸኣ ትሽዓተ ዓመት ኣቝጺሩ ኣሎ።
“ኣብ 2015 ኣብ ሓንቲ ጕዕዞ 150 ዶላር ይረከብ ነይረ፤ ሕጂ ኣብ ሓደ ጕዕዞ 350 ዶላር ይረክብ እንተኾነ ምስቲ ናይ ቀደም ብምንጽጻር ሕጂ ኣልሸባብ ዝበዝሐ ቦታታት ሒዞም ስለዘለዉ እቲ ሓደጋ ሕጂ ይኸፍእ” ይብል ባረ።
“ሚሊሻታት ወይ ሸፋቱ ምስ ሓዙኻ ዝባዕኸኻ ኣስናን እንተሃሊካ ጫት ትበልዕ ኢኻ፡ ሽጋራ ተትክኽ ኢኻ ኢሎም ስለዝሓስቡ ሰልዲ ኣለካ ኢሎም ብዙሕ ገንዘብ ክትከፍሎም’ዮም ዘገድዱኻ” ይብል።
ኣልሸባብ እንተሒዞሞም ግን እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ፤ ኣልሸባብ ኣብ ንግዲ ኮንትሮባድ ብፍላይ ከኣ ኣልኮላዊ መስተ ተጻዋርነቶም ትሕቲ ዜሮ ስለዝኾነ ነታ መኪና ብቅጽበት ሓዊ ከምዝርኩዕላን ነቶም ነጋዶ ከምዝቐጽዕዎምን ባረ ይሕብር።
ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ከኣ ነቶም ኣብ ተፍትሽ ዝጸንሕዎም ዕጡቓት ብመልክዕ ሰልዲ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ጉቦ ሂቦም ከምዝሓልፉ እዞም ነጋዶ ኮንትሮባንድ ይገልጹ።
ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ናብ መቓድሾ ንኸበጽሑ ካብ ትሽዓት ክሳብ ዓሰርተ መዓልታት’ዩ ዝወስደሎም።
ናብ መቓድሾ ምስ ኣተዉ ጽዕነት ዘራግፍሉን ነቲ ሒዘሞ ዝመጽኡ ኣልኮላዊ መስተ ነናብ እቲ ዘድለ ቦታ ዘብጽሕሉን ኣገባብ ከኣ ይሕንጽጹ።
ጉለድ ዲሪየ “ናብ መቓዲሾ ምስ ኣተና፡ ምሳና ርክብ ዘለዎም ሰባት ነቲ መግብን ኣሕምልትን ኣራጊፎም ናብ ካልእ መኪና ይጽዕንዎ፤ ብድሕሪኦም እቶም ኣልኮላዊ መስተ ዘጓዓዕዙ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ልዕል ሓንቲ መኪና ሒዞም መጺኦም ነቲ ኣልኮላዊ መስተ ዝሓዘ ባኮታት ይወስድዎ” ይብል።
“እንተኾነ እቲ ጕዕዞ ኣብኡ ዝውዳእ ኣይኮነን፡ እቲ ኣልኮላዊ መስተ ካብ መኪናና ምስ ወረደ ኢድ ብዙሓት’ዩ ዝሓልፎ፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከቡ ብሕቡእ ነቲ ኣልኮላዊ መስተ ዘከፋፍሉ ሰባት፡ እንተኾነ ንሶም ኣብ ኢድና ስለዝኾኑ ዋላ ብቴሌፎን ደዊልና ኢና ንረዳድኦም”
ጉለድ ዲሪየ፡ ብዛዕባ ነቲ ስራሕ ኮንትሮባንድ ዝጀመረሉን ናይ መጻኢ ህይወቱን ወትሩ ምስ ሓሰበ’ዩ።
“እቲ ነዚ ስራሕ ዘላለየኒ ኣበሺር ነዚ ስራሕ ካብ ዝገድፎ ሰለስተ ዓመታት ገይሩ ኣሎ፤ ካልእ ኣበሺር ዘላለየኒ ሰብ ነቲ ስራሕ ምስ ጀመሮ ኣብ ሳልሳይ ጓዕዞኡ ካብ ሸፋቱ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ተቐቲሉ” ይብል።
“ኣበሺር ነቲ ስራሕ ምስ ገደፎ ናብ ሃይማኖቱ ተመለሱ'ዩ ሳሕቲ’የ ዝርእዮ። ሞት ወትሩ ኣብ ርእስና’ዩ፤ ፍርሒ ኣብ ርእሰይ መጺኡ ስራሕ ደው ኣቢለ ብጥምየት ክመውት ኣይደልይን’የ። እንተኾነ ሓደ ሓደ ግዜ ነዚ መፍትሕ ናይዛ መኪና ድርብይ ኣቢለ ካልእ ስራሕ ክሰርሕ ይሓስብ፤ እንተኾነ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ምጥርጣራት ምሳና ኣሎ ጥምየት ከኣ ምስኡ” ይብል ጉለድ ዲሪየ ኣብ መወዳእታ።
ኣብዚ ዛንታ ዘሎ ኩሉ ኣስማት ናይ ሰባት ሓቀኛ ስሞም ኣይኮነን።