ልኡኽ ሩስያ ምስ ሰበስልጣን ሱዳን ብዛዕባ ዳህሳስ ነዳዲ ተዘራሪቡ

ልኡኽ ሩስያ፡ ከም ኣካል ናይቲ "ሞስኮ ወፍሪ ጸዓት ኣብ ኣፍሪቃ ንምዕባይ" እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ብዛዕባ ዳህሳስ ነዳዲ ንምዝታይ ናብ ሱዳን ከም ዝበጽሐ፡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሱና ብ20 ጥሪ 2025 ጸብጺቡ።

ማዕከን ዜና ሱና፡ እቲ ዑደት ምዓስ ከም ዝተኻየደ እኳ እንተ ዘይገለጸ፡ ምኒስተር ጸዓት ሱዳን ሙህይ ኣል-ዲን ናዒም እቲ ዝርርብ ናብ ካልኣይ ምዕራፍ ከም ዝተሰጋገረ ትማሊ ኣብ ፖርትሱዳን ኰይኑ ዝሃቦ መግለጺ ሂቡ።

ነቲ ርክብ "ታሪኻዊ" ክብል ዝገለጾ ምኒስተር ናዒም፡ "ምትእስሳር ሩስያን ሱዳንን ከም ዝጸንዐ፡" ዘመልክት ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ምኒስተር፡ ሩስያ ኣብ ቀረባ እዋናት ተወሳኺ ዑደታት ከተካይድ ትጽቢት ከም ዝግበር ብምግላጽ፡ ሩስያ ኣብ እንዱስትሪ ነዳድን ካልኦት ዓውድታትን ወፍሪ ክትገብር ድሌት ከም ዘለዋ ከም ዝገለጸት ሓቢሩ።

"ሓድሕዳዊ ምትሕብባር ሩስያን ሱዳንን ዓብዩ ኣሎ። መራሕቲ ሱዳንን ልኡኽ ሱዳንን ነቲ መስርሕ የጻፍፉዎ ኣለዉ። ሱዳን ክእለትን ቍጠባዊ ዓቕምን ሩስያ ንምጥቃም፡ ብሕልፊ ኣብ ጽላት ነዳዲ ንወፍሪ ማዕጾኣ ርሑው እዩ፡" ኢሉ።

እዚ ዑደት ልኡኽ ሩስያ፡ ድሕሪ`ቲ ምኒስተር ናዒም ኣብ ሕዳር 2024 ናብ ሩስያ ብምጋሽ ክልተአን ሃገራት ኣብ መዳይ ንዳድን ጋዝን ዝገበርኦ ዘተ ዝሰዓበ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ዳርፎር ብዝፈጸሞ ደብዳብ 23 ተመዛበልቲ ሱዳናውያን ተቐቲሎም።

ኣብ ርእሰ-ከተማ ግዝኣት ሰሜን ዳርፉር ኣብ ዝዀነት ኣል-ፋሺር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ብዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ዝተኻየደ ዳብዳብ መዳፍዕ፡ ብውሕዱ 23 ሰባት ክቕተሉ ከለዉ፡ ካልኦት 30 ድማ ከም ዝቘሰሉ መሰኻኽር ብምጥቃስ ዳርፎር-24 ጸብጺቡ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ትማሊ 20 ጥሪ ኣብ መዓስከር ኣቡ-ሸኽ፡ ዕዳጋን ካልኦት ከባቢታትን ልዕሊ 50 መዳፍዕ ብምትዃሱ፡ ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ክሃድሙን ትካላት ንግዲ ክዕጸውን ከም ዘገደደ ተገሊጹ።

እዚ ካብ ኣል-ፋሽር ንሰሜናዊ ምዕራብ ኣስታት 2.5 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ መዓስከር፡ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ዝነብሩሉ እዩ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ሚያዝያ 2024 ጀሚሩ፡ ኣብ ኣል-ፋሽርን ከባቢኣን ብተደጋጋሚ ምድብዳቡ ክኽሰስ እንከሎ፡ እቲ ጕጀለ ብወገኑ፡ ብኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ነቲ መዓስከር ከም ድፋዕ ብምጥቃም ንሰለማውያን ሰባት ንሓደጋ የቃልዖም ከም ዘሎ ወቒሱ።

ኣል-ፋሽር ካብ ከተማታት ዳርፎር እታ ሓንቲ ኣብ ትሕቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ዘይኣተወት ከተማ እያ።

ማሕበር ሓካይም ሱዳን ብ7 ጥሪ ኣብ መላእ ዞባ ዳርፎር ብዝተፈጸ መጥቃዕቲ ነፍርትን መዳፍዕን 190 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብምግላጽ፡ በቲ ተግባር ንኽልተኦም ወገናት ከም ዝዀነነ ይዝከር።